
ምስ መዛኑኻ ኔዘርላንዳውያን ክትላለይ ትደልይ ዲኻ? ቅድሚ መስከረም ኣብ Wake up Your Mind! ተመዝገብ።
ዕድሜኻ ካብ 17 ክሳብ 29 ዓመት ድዩ፣ ከምኡ እውን ምስ ኔዘርላንዳውያን መዛኑኻ ክትላለይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ Wake up Your Mind! ንምስታፍ ቅድሚ መስከረም ተመዝገብ። ምስ ሓደ ጉጅለ ብሓባር ብምዃን ድማ ንኣብነት መዓልቲ ስፖርት ክትውድቡ ወይ ብሓባር ናብ ቤተ-መዘክር ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
እንታይ ክትገብር ኢኻ?
ምስ መዛኑኻ ዝኾኑ ሰባት ብሓባር ብምዃን ንሕብረተሰብ ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገር ትሓስቡ። ካብ ኔዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ 15 ሰባት ዝሓቖፈ ጉጅለ እዩ። ንተማሃሮ ዝኸውን መዓልቲ ስፖርት ዝኣመሰለ ንጥፈት ትውድቡ። ወይ ድማ ብሓባር ሰነዳዊ ፊልም ወይ መጽሔት ትሰርሑ። ብተወሳኺ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምስ ኩሎም ኣብ Wake Up Your Mind! ዝሳተፋ ጉጅለታት ብሓባር ትጽንብሉ! ኣብ Utrecht ዝግበር ዓቢይ ፌስታ።
ኣብነት ናይ Wake Up Your Mind! ፕሮጀክት ኣብዚ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ተመልከት።
እዚ ንመን እዩ?
ዕድሜኻ ካብ 17 ክሳብ 29 ዓመት ምስ ዝኸውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ እትነብር እንተድኣ ኮይንካን ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ንኽትሳተፍ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ እትምደብ ክትከውን ኣለካ ወይ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ። ቚሩብ ቋንቋ ኔዘርላንድ እትዛረብ እንተኾንካ ድማ ጠቓሚ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ እዋን ተሳትፎ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትዛረብን ዘለካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ከተመሓይሽን ስለዝኾንካ። ኣብ እዋን Wake Up Your Mind! (ኣእምሮኻ ኣንቕሕ!) ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ድሕረ-ባይታን ዘለዎም ሰባት ብሓባር ክትሰርሕ ኢኻ። እዚ ናይ ውድብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ፕሮጀክት እዩ። ብዛዕባ ካልኦት ባህልታት ክትፈልጥ ትብህግ ምስ እትኸውንን ተሓባቢርካ ምስራሕ ትፈቱው እንተድኣ ኮይንካን፣ እቲ ፕሮጀክት ብሓቂ ንዓኻ ዝኸውን እዩ።
ብኸመይ ይሰርሕ?
ነቲ ንጥፈት ንምውዳብን ነንሓድሕድኩም ብዝበለጸ ንምልላይን፣ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 6 ኣዋርሕ ንዝኸውን ግዜ ነፍስወከፍ ሰሙን ኣብ ሓደ ጉጅለ ትራኸቡ። ኣብ እዋን እቲ ፕሮጀክት ሓደ ሰራሕተኛ ናይ VluchtelingenWerk ንጉጅለኻ ክመርሓ እዩ። ካብ VluchtelingenWerk ስልጠናታት እውን ክትወስድ ኢኻ፣ ንኣብነት ምስ ካልእ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከም እትዛረብ ዝምልከት ስልጠና። ድሕሪ እቲ ፕሮጀክት ሓደ ዓይነት ዲፕሎማ ወይ ኣብቲ ፕሮጀክት ከም ዝተሳተፍካ ምስክር ወረቐት እውን ክትቅበል ኢኻ።