ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland
ንጥፈት

ንስማርትፎንካ ክትመልካ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ DigiKlik ስልጠና ተኸታተል!

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/25/2024 11:27 ቅ.ቀ.

ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ናይ ምድላይ ብቕዓትካ ከተመሓይሽ ትደልይ ዲኻ? ከምኡ እውን ስማርትፎንካ ኣብ ምንታይ ክትጥቀመላ ከም እትኽእል ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ስልጠናታት ናይ DigiKlik ተሳተፍ!

ብስማርትፎንካ ስልጠና ተኸታተል

ብኢንተርነት ሓበሬታ ንምድላይ ወይ ስማርትፎንካ ንኽትጥቀም የጸግመካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ስልጠናታት DigiKlik ናይ

ተሳተፍ። ሽዕኡ ናይ ስማርትፎንካ፣ ላፕቶፕካን ኢንተርነትን ኣጠቃቕማኻ ንኸተመሓይሽ ክትመሃር ኢኻ። 

ኣብቲ ስልጠና ብናይ ባዕልኻ ስማርትፎን ኢኻ እትመሃር። ብኸምዚ ድማ ድሕሪ እቲ ስልጠና ኣብ ገዛኻ ልምምድ ክትቅጽል ትኽእል። ነቲ ስልጠና ብቋንቋ ዓረብ፣ ፋርሲ፣ ቱርኪን ትግርኛን ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። 

ባዕልኻ ዝሰማማዓካ ስልጠና ምረጽ

እቶም ስልጠናታት ንዝኾነ ክወሃሃድ ዘለዎ፣ ወይ ድሮ ምውህሃዱ ንዝዛዘመ ሰብ ዝዓለሙ እዮም። ኣየናይ ዓይነት ምውህሃድ ትገብር ከምዘለኻ ወይ ከምዝገበርካ ብዘየገድስ። ሰለስተ ኣኼባታት ዝሓቖፉ 3 ስልጠናታት ኣለዉ። ካብቶም 3 ስልጠናታት ኣየናይ ብዝበለጸ ዝሰማማዓካ ምዃኑ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚኦም እቶም ሰለስተ ክትመርጾም እትኽእል ስልጠናታት እዮም፡

  1. ስማርትፎንካ ብኸመይ ብዝበለጸ ከም እትጥቀመላ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ስልጠና 1 ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ስማርትፎንካ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ክትመሃር ኢኻ። 

  2. ኣጠቃቕማ ናይ ኢንተርነት መሳርሒታት ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ምድላይን ኣጠቃቕማ መሳርሒታትን እትመሃረሉ ስልጠና 2 ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

  3. ብኢንተርነት ምስ መንግስቲ ጉዳያት ንኸተዋድድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ስልጠና 3 ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ንኣብነት፡ ብኸመይ ብኢንተርነት ኣብ ሆስፒታል ቆጸራ ከም እትሕዝ፣ ወይ ድማ ኣበይ ብኢንተርነት መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ከም እትኽእል ክትመሃር ኢኻ።

ብመንገዲ እዞም ስልጠናታት ኣብ ኔዘርላንድ ብኢንተርነት ምስታፍ ትመሃር። ስለዚ ድማ መንገዲ-Z ትከታተል ምስ እትኸውን ዝተኸታተልካዮም ሰዓታት ምስ ምውህሃድካ ክትቖጽሮም ትኽእል ኢኻ። ምስ ናትካ ውጥን ምውህሃድ (PIP) ዝቑጸር ናይ DigiKlik ዲፕሎማ እውን ክትቅበል ኢኻ።  

ምውህሃድ

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ምውህሃድ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዕድሜኻ ካብ 18 ​​ክሳብ 67 ዓመት ምስ ዝኸውን ክትወሃሃድ ኣለካ። ስለዚ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን ክትመሃር ኢኻ።


ብኸምዚ ኢኻ ንስልጠና እትምዝገብ

ኣብ ስልጠናታት Digiklik ክትሳተፍ ትደልይ ዲኻ፣ ወይ ዝኾነ ሕቶ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት VWN ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ በዚ ፎርም ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ን digiklik ተመዝገብ

ኣብዚ ገጽ ን DigiKlik ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ንጥፈት ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር