ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መስከረም 14ን 15ን ኣብ ዝካየድ ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ፣ ፍሉያት ህንጻታትን ሓወልትታትን ብነጻ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ Breda ዝርከብ ዳስ ንግስቲ ቪልሄልሚና 'Koningin Wilhelmina Paviljoen' ሓደ ካብኣቶም እዩ።
ምንጪ፡ Shutterstock / Uwe Aranas
ንጥፈት

ኣብ ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ ፍሉያት ህንጻታት ብጻሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:24 ቅ.ቀ.

ኣብ ውሽጢ ግምባዊ-ዕርዲ ወይ ካልእ ታሪኻዊ ህንጻ ኣቲኻ ክትዕዘብ ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝካየድ ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ እዚ ንምግባር ይከኣል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ናብ ኣሽሓት ህንጻታትን ሓወልትታትን ብነጻ ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ።

ክትኣትዎ ዘይትኽእል ዝነበርካ ቦታታት ውሽጢ ኣቲኻ ተዓዘብ

'ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ' ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ 2ይ ቀዳመ-ሰንበት ናይ ወርሒ መስከረም እዩ ዝካየድ። ኣብ 2024 እዚ ኣብ ቀዳም 14ን ሰንበት 15ን መስከረም ክካየድ እዩ። ኣብቲ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ኣሽሓት ሓወልትታት ንህዝቢ ብነጻ ማዕጾኦም ክኸፍቱ እዮም። ኣብ መላእ ኔዘርላንድ። ስለዚ ኣብ ጥቓኻ እውን ከምኡ።  

ጥንታዊ ግምባዊ-ዕርዲታት ወይ ውቁባት ኣግራብን ጀርዲናትን ዘለዎም ኣባይቲ ገጠር ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ግን ድማ ጥንታዊ ሕርሻታት፣ ሸረሮታት-ንፋስ ወይ መጥሓናት እውን ክትበጽሕ ትኽእል። ወይ ድማ ኣብ ገጠር ዝርከብ ጥንታዊ ማሕጎዳ ወይ ቤት-ትምህርቲ። ጥንታዊ ቤተ-ክርስቲያን ወይ ገዳም፣ ወይ ምናልባት ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ክትዕዘቦ እትደልዮ ጥንታዊ ኣዳራሽ ከተማ ክህሉው ይኽእል። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ብዙሓት ፍሉያት ህንጻታት ይሳተፉ ስለዘለዉ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ብነጻ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።

ምሕዛእ ከድልየካ ይኽእል እዩ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ 'Open Monumentendag' ኣብ ከባቢኻ ኣየኖት ህንጻታት ክፉታት ምዃኖም ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ህንጻ ካብ ሰዓት ክንደይ ክሳብ ሰዓት ክንደይ ክፉት ምዃኑ እውን ተመልከት። ቦታ ክትሓዝእ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ረኣይ።

ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ክፉት መዓልቲ ሓወልቲ 'Open Monumentendag'፣ ሓበሬታ ክትረክብን ናበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ክትድህስስን ትኽእል ኢኻ። እቲ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን እዩ ዝርከብ።

ነዚ ንጥፈት ከመይ ረኺብካዮ?