ምንጪ፡ Fauxels
ዓንቀጽ

ካብ ዩክሬን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ንስራሕ ምምልካት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/19/2025 2:46 ድ.ቀ.

ስራሕ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ ስራሕ ንኽትረክብ ምምልካት ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሲቪ ምድላው

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ እንተድኣ ረኺብካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣስራሒ ሲቪ ክትልእኽ ክሓተካ እዩ። ሲቪ ሓጺር ጽሑፋዊ ጽማቕ ትሕዝቶ ናይ ሞያኻ እዩ። ሲቪ እንታይ ከጠቓልል ከም ዘለዎ ኣብ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ሲቪ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ሰነድ እዩ፡

  • መወከሲ ሓበሬታታት፤ እንተወሓደ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ቁጽሪ ተሌፎንካን።

  • ናይ ስራሕ ተመኩሮ፣ ካብ ናይ ቀረባ እዋን ክሳብ ዝረሓቐ እዋን ብቅደም ተኸተል

  • ትምህርቲ፣ ካብ ናይ ቀረባ እዋን ክሳብ ዝረሓቐ እዋን ብቅደም ተኸተል

  • ክእለታት

  • ድልየታት

"Young Capital" ዝብል መርበብ-ሓበሬታ ጽቡቕ ኣብነታት ናይ ሲቪ [CV] ኣለዎ።

መእተዊ ደብዳቤ ምጽሓፍ

ሓደ ኣስራሒ፣ ኣብ ርእሲ ሲቪ መብዛሕትኡ ግዜ መእተዊ ደብዳቤ ክትጽሕፍ ይሓተካ እዩ። ኣብቲ መእተዊ ደብዳቤ ድማ ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ብቑዕ ከም ዝኾንካን፣ ስለምንታይ ምስዚ ኣስራሒ ክትሰርሕ ከም እትደልይን ትገልጽ።

ኣስራሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ይደልዩ። ንኽልቲኦም ቋንቋታት ዘይትመልኮም እንተድኣ ኮይንካ፣ ንመቕርብካ ደብዳቤ ንኽጽሕፈልካ ወይ ንኸረጋግጸልካ ሓገዝ ሕተት።

ብኸምዚ ኢኻ ጽቡቕ መእተዊ ደብዳቤ እትጽሕፍ

  • እንታይ ዓይነት ትካል ምዃኑ ፍለጥ። እቲ ናይ ትካል ባህሊ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ ደብዳቤኻ ክሳብ ክንደይ ወግዓዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝውስን እዩ።

  • ቋንቋኻ ምስቲ ኣብቲ ዝተለጠፈ ምልክታ ስራሕ ዝተጠቕምሉ ቋንቋ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ልክዕ ከምኡ ተመሳሳሊ ዓይነት ቃላት ተጠቐም።

  • ምስቲ ስራሕ ዝሰማማዕ ትምህርትኻን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ግለጽ።

  • ነቲ ደብዳቤ ውልቃዊ ግበሮ።

  • ደብዳቤኻ እንተበዝሐ ሓደ ገጽ A4 ምዃኑ ኣረጋግጽ።

ሓንሳብ ምስ ኣመልከትካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መልሲ ክሳብ እትረክብ ካብ 2 ሳምንታት ዘይበዝሕ ግዜ ይወስድ። ንነዊሕ እዋን ዝኾነ መልሲ እንተድኣ ዘይሰሚዕካ፣ ብዛዕባ መመልከቲኻ ኩሉ ግዜ ናብቲ ኣስራሒ ክትድውል ወይ ኢ-መይል ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ትካል ተገዳስነት እንተድኣ ኣለዎ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሓያሎ ኣመልከትቲ ቃለ-መሕትት ንኽገብሩ ይዕደሙ።

ኣብነታት ጽቡቕ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ድርኺት ደብዳቤታት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ 'Randstad' ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ተዓዲምካ

ንኽፉት ስራሕ ኣመልኪትካ እንተድኣ ኮይንካን፣ ቃለ-መሕትት ንምግባር እንተድኣ ተዓዲምካን፣ መስርሕ ምምልካት ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ንነፍስወከፍ ትካል ይፈላለይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓያሎ ዙርያታት ዘጠቓልል እዩ፡

  • 1ይ ቃለ-መሕትት

  • 2ይ ቃለ-መሕትት

  • ቃለ-መሕትት ዕዮ

ኣብ ታሕቲ እቶም ዝተፈላለዩ ዙርያታት እንታይ ከም ዘጠቓልሉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ዕድመ እንተድኣ መጺኡካ፣ እቲ 1ይ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ብቐንዱ እቲ ኣስራሒን ንስኻን፣ ነቲ ስራሕ ትበቕዕ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ከምኡ እውን እቲ ትካል ዝሰማማዓካ ምዃኑን ዘይምዃኑን እትድህስሱሉ ናይ መላለዪ ቃለ-መሕትት እዩ።

ነቲ ቃለ-መሕትት ብጽቡቕ ክትዳለወሉ እትኽእል ብኸምዚ እዩ፡

  • ቅድሚ ቃለ-መሕትት፣ ነቲ ዝተለጠፈ ምልክታ ስራሕ ዳግማይ ኣንብቦ።

  • ብዛዕባ እቲ ትካል ወይ ውድብ ዘለካ ኣፍልጦ ኣዕብዮ።

  • ብዛዕባ እቲ ትካል ወይ እቲ ስራሕ ገለ ሕቶታት ኣዳልው።

  • ብኸመይ ንገዛእ- ርእስኻ ከተላልይ ከም እትደልይ ኣዳልው።

  • ውክልና ዘለዎ ጽፉፍ ተኸደን (እዚ ኩሉ ግዜ ኣዝዩ ወግዓዊ ክኸውን የብሉን፣ እዚ ከከም ትካል ይፈላለይ እዩ)።

  • ኣብ መንገዲ ክህሉ ንዝኽእል ምድንጓያት ዝኸውን ግዜ ይሃልኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሰዓትካ ተረኸብ።

ድሕሪ 1ይ ቃለ-መሕትት፣ ንስኻን ኣስራሒን ክልተኹም ገና ተገዳስነት ዘለኩም ምስ እትኾኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ 2ይ ቃለ-መሕትት ይስዕብ።

እቲ 2ይ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካሉ ስራሕ ዝያዳ ብዝርዝር ይሽፍን። ንኣብነት እቲ ኣስራሒ ትኽክል ናይ ስራሕ ተመኩሮ ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝያዳ ይርእይ። ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ጽቡቕ ገይርካ እትሳነይ ክትከውን እውን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እቲ ቃለ-መሕትት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓያሎ ሰባት እዩ ዝካየድ።

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኣስራሒ ሓደ ዕማም ንኽትውድእ ክሓተካ እዩ። እዚ ድማ ክእለትካ ምስቲ ስራሕ ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምግምጋም ይሕግዝ።

ኣብ ካልኣይ ቃለ-መሕትት ድሮ ኩነታት ስራሕን ደሞዝን ብዝምልከት ክዝረበሉ ተኽእሎ ክህሉው ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተፈለየ ቃለ-መሕትት እዩ ዝግበር።

ንሓድሽ ስራሕ ውዕልካ ምፍራም

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ውዕል ትፍርም። ውዕል ቅድሚ ምውዳድካ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስታት ስምምዓት ንምግባር ምስ ኣስራሒኻ ትዘራረብ። ንኣብነት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ትገብር፡

  • ክንደይ ኣታዊ ክትረክብ ምዃንካ

  • ክንደይ ሰዓታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ኣብ ኣየኖት መዓልታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ክንደይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህልወካ ምኻኑ

ኣብቲ ኣገዳሲ ጉዳያት እንተድኣ ተሰማሚዕኩም ድማ ውዕል ትፍርሙ። ኩሎም ቅድመ-ኩነታት ዕዮ ኣብ ውዕልካ ይቕመጡ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ከም በዓል ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፣ ናይ ወለዲ ዕረፍቲን ናይ ክንክን ዕረፍቲን ዝኣመሰሉ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር