ምንጪ፡ Mikhail Nilov
ዓንቀጽ

ትምህርቲ ትከታተል፣ ብመሰረት እትኽተሎ መንገዲ ድማ ፈተና ትወስድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/30/2025 10:02 ቅ.ቀ.

'መንገዲ-B1' ከምኡ እውን 'ትምህርታዊ መንገዲ' ኣብ እትከታተለሉ እዋን ፈተናታት ክትገብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ን'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ግዴታ ኣይኮነን። ስለዚ ፈተና ክትወስድ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መንገዲ-B1

ዕላማ ናይ መንገዲ-B1፣ እናሰራሕካ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ነቲ ቋንቋ ብቕልጡፍ ንምምሃር እዩ። መንገዲ-B1 ከምዚ ይመስል፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ ቋንቋ B1 ትመሃር።

  • እትከታተሎ ዝተሓተ-ገደብ ሰዓታት ትምህርቲ ኣብ ናትካ PIP ተጠቒሱ ይርከብ። 

  • እውን ትመሃር።

  • ትከታተል።

  • ነቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ደሞዝ ምስ ዝኽፈሎ ስራሕ ወይ ምስ ወለንታዊ ስራሕ ብምጽንባር ተካይዶ።

  • ነቲ ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    ትከታተል። 

እዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ትወስድ፡

  • ምንባብ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምስማዕ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምጽሓፍ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምዝራብ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ናይ KNM ፈተና

ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ኣብ ደረጃ B1 ናይ ቋንቋ ፈተናታት ክትሓልፍ ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ ኣብ ደረጃ A2 ፈተና ምግባር ይከኣል እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክነግረካ ይኽእል እዩ።

ትምህርታዊ መንገዲ (መንገዲ-o)

ዕላማ ናይ ትምህርታዊ መንገዲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ከም በዓል

፣ ወይ
ዝኣመሰሉ ትምህርቲ ንምክትታልን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ምውህሃድካ ንምዝዛምን እዩ። መንገዲ-o ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ B1 ወይ B2 ትመሃር።

  • ብድምር 1000 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድን፣ 500 ሰዓታት ናይ ካልኦት ዓውዲታት-ትምህርትን ትከታተል።

  • 
ነቲ ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    ትከታተል። 

እዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ትወስድ፡

  • ምንባብ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምስማዕ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምጽሓፍ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምዝራብ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ናይ

    ፈተና።

ንኽትሓልፍ፣ ኣብ ኩሎም ክፋላት እኹል ነጥቢ ክትረክብ ኣለካ። ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B1 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናብ MBO ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኦም ናይ MBO ስልጠናታት ዓውደ-ትምህርቲ 'Nederlands op Staatsexamen B1' ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ትምህርትኻ ንምቕጻል ድማ ነቲ ዓውደ-ትምህርቲ ክትሓልፎ ኣለካ።

ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B2 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናትካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እኹል እዩ።

መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል (መንገዲ-z)

ዕላማ ናይ መንገዲ-z ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንኽትሳተፍ ምእንቲ ክትክእል እዩ። 

  • ኣብ ኔዘርላንድ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር ምእንቲ ክትክእል ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር። ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ኣብ ደረጃ ቋንቋ A1 ትመሃር።

  • 800 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል። 

  • ን800 ሰዓታት ዝጸንሕ ንጥፈታት ትከታተል፣ በዚ መንገዲ ድማ ብዛዕባ ኔዘርላንድ ዝያዳ ትመሃር። እዚ (ወለንታዊ) ስራሕ ክኸውን ይኽእል። ወይ ንኣብነት ፈጠራዊ ወይ ስፖርታዊ ንጥፈታት።

  • ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    ትከታተል።  

  • ትከታተል።

  • ናይ

    ትምህርቲ ትከታተል።

መንገዲ-z ብምኽታል ምውህሃድካ እትሓልፍ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንስኻ ንገዛእ-ርእስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ብግቡእ ከተመሓድር እትኽእል ኮይንካ እንተድኣ ረኺብዎ እዩ። ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣብ እትገብሮ ዝርርብ ድማ እቲ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ዝሓለፍካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። ስለዚ ፈተና ክትወስድ ኣየድልየካን እዩ። ግን ይፍቀድ እዩ።

ነዞም ፈተናታት ብወለንታኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ (ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምስማዕን ምንባብን)

  • ናይ

    ፈተና።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር