ኣዝዩ ዓቢይ ጉጅለ ሰባት ንኽብሪ ናይ LHBTQIA+ ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ጽምብል የብዕሉ።
ምንጪ፡ Wikimedia Commons

ከም LHBTQIA+ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 18/3/2024 3:37 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ 90ታት ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድ ንጾታዊ ዝንባለ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኮይኑ ግን ኣድልዎን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታን ክሳብ ሕጂ የጋጥም እዩ። ኣብዚ ገጽ ኣብ ኔዘርላንድ ከም LHBTQIA+ ሰብ ምንባር ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ዓለም 1ይ ናይ ግብረሰዶማውያን ባር ኣብ ኣምስተርዳም

ኔዘርላንድ ንመውስቦ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ሕጋዊ ዝገበረት 1ይቲ ሃገር ተባሂላ ትፍለጥ። ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድ ከማኻ ሓደ ዓይነት ጾታ ምስ ዘለዎ ሰብ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ። ግን ድማ ኣዝዩ ኣቐዲሙ ኣብ 1927 ምናልባት ኣብ ዓለም 1ይ ዝኾነ ናይ ግብረሰዶማውያን ባር ኣብ ኔዘርላንድ ተኸፊቱ። እዚ Café 't Mandje ይበሃል። ክሳብ ሕጂ እውን ኣሎ፣ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ Zeedijk ክትረኽቦ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ሓርነት ማሕበረሰብ LHBT ኣብ ኔዘርላንድ

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም 'de Shakespeare Club' ዝበሃል ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
LHBT
ውድብ ተመስሪቱ። ኣብ 1949 ድማ ስሙ ብምቕያር፣ ኔዘርላንዳዊ ማሕበር ምውህሃድ ማእከል ባህልን መዘናግዕን ግብረሰዶማዊነት (NVIH COC) ተባሂሉ። ኣብ 1950ን '60ን ድማ COC ቀጻሊ እናዓበየ ከይዱ።

ንኣብነት COC ኣንጻር ዓንቀጽ 248bis 1ይ ሰላማዊ ሰልፊ ወዲቡ። እዚ ዓንቀጽ እዚ ወዲ 21 ወይ 22 ዓመት ኮይንካ፣ ንወዲ 20 ዓመት ኣፍቃሪኻ ክትስዕም እንተድኣ ተረኺብካ ክትእሰር ከም እትኽእል ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ጾታ ዘለዎም ሰባት ካብ 16 ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ጾታዊ ርክብ ክገብሩ ዝፍቀደሎም ዝነበረ ክነሱ እዩ። ኣብ 1971 ድማ እቲ ዓንቀጽ ካብ ሕጊ ናይ ኔዘርላንድ ተሰሪዙ።

መንግስቲ ኔዘርላንድ LHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ንክረኽቡ ይጽዕር

ከማኻ ሓደ ዓይነት ጾታ ምስ ዘለዎ ሰብ ምምርዓው ወይ ምዝጉብ ሓዳር ምግባር ይከኣል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ LHBTQIA+ ሰባት፣ ቆልዑት ክርዕሙ ወይ ናበይቲ ወለዲ ክኾኑ እውን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ካብ 2014 ጀሚሩ 2 ደቂ-ኣንስትዮ ብሓባር ቆልዓ ክህልወንን፣ ክልቲአን ድማ ሕጋውያን ወለዲ ናይቲ ቆልዓ ክኾናን ይኽእላ እየን።

ኔዘርላንዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ LHBTQIA+ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም

ኔዘርላንድ ምስ ስዊድንን ዴንማርክን ብሓባር፣ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ንላዕሊ ብዛዕባ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
LHBTQIA+
ሰባት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ነበርቲ ዝርከቡላ ሃገር እያ። ኣብ ኔዘርላንድ 7% ካብ ህዝቢ ብዛዕባ ግብረ-ሰዶማዊነትን በሃግቲ ክልቲኡ ጾታን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም እንከለዉ፣ 10% ድማ ብዛዕባ ስግረ-ጾታ ዝኾኑ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም።

ብዛዕባ ጾታዊ ዝንባለኻ ወይ ጾታዊ መንነትካ ግሁድ ምዃን

ብዙሓት ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ LHBTQIA+ ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ዝንባለኦም ወይ ጾታዊ መንነቶም ግሁዳት እዮም። ንኣብነት ብዛዕባ እዚ ንወለዶም፣ ኣዕሩኽቶም፣ መሓዙቶምን መሳርሕቶምን ይነግሩ።

ብዛዕባ ጾታዊ ዝንባለኻ ንኽትነግርን ንኸተህግዶን ገና ድሉው ዘይኮንካ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ፣ እዚ እውን ጸገም የብሉን። ውልቃዊ ምርጫ እዩ። ነፍስወከፍ ሰብ ጾታዊ ዝንባለኡ ከግህድ ይኽእል ወይ ይደልይ ማለት ኣይኮነን፣ ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ እውን እንተኾነ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?