• ጀምር
  • ስራሕ
  • ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ምውህላል ጡረታ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ጋዜጣ የንብብ።
ምንጪ፡ Hasan Albari / Pexels

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ምውህላል ጡረታ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 9:11 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ምስ እትኸውን ንጡረታኻ እውን ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ፣ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ንደሓር ክትረኽቦ እትኽእል ገንዘብ እዩ። ምውህላል ጡረታ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ምስ እትኸውን ብ 2 ኣገባባት ጡረታ ክትሃንጽ ትኽእል

 ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ምስ እትኸውን ብ 2 ኣገባባት ጡረታ ክትሃንጽ ትኽእል፡

  • ብመሰረት ሓፈሻዊ ሕጊ ጡረታ እርጋን (AOW) መሰረታዊ ጡረታ ትሃንጽ። እዚ ብመንገዲ ግብሪ ደሞዝካ ብኣውቶማቲክ እዩ ዝዋደድ።

  • መብዛሕትኡ ግዜ  ምስ ኣስራሒኻ ተወሳኺ ጡረታ ትሃንጽ። 

ካብ ዩክሬን ዲኻ ሃዲምካ፣ ዕድሜኻ ድማ ልዕሊ 67 ዓመት ድዩ? ስለዚ ከም ዓይኒ ሓቂ ዕድሜኻ ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ክትረኽበሉ ዝግባእ ዝነበረ ዕድመ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ኔዘርላንድ ስለ ዘይሰራሕካ ጡረታ ኣይትረክብን ኢኻ። ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ናይ መነባብሮ ኣበል ግን ክትረክብ ኢኻ።

መሰረታዊ ጡረታ (AOW) ብኸምዚ ኢኻ እትሃንጽ

ካብ ዩክሬን ዝሃደምካን ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕን ምስ እትኸውን፣ ናይ ነፍስወከፍ ዝሰራሕካሉ ዓመት ብኣውቶማቲክ AOW ትሃንጽ። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ብዝሰራሕካ መጠን ድማ ዝያዳ AOW ትሃንጽ።

ናይ መወዳእታ ገደብ ናይ AOW ኣብዚ ዝስዕብ እዩ ዝምርኮስ፡

  • AOW ዝተሃንጸሉ ብዝሒ ዓመታት፤

  • AOW ንኽትረክብ መሰል ኣብ ዝህልወካ እዋን ዘለካ (ናይ ምንባር) ኩነት። በይንኻ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ ዝያዳ AOW ትረክብ። ብሓባር ትነብር ወይ ዝተመርዓኻ ምስ እትኸውን ድማ ዝወሓደ AOW ትረክብ።

መመላእታ ጡረታ ብኸምዚ ኢኻ ትሃንጽ

ብደሞዝ ተቖጺርካ ትሰርሕ ምስ እትኸውን መብዛሕትኡ ግዜ መመላእታ ጡረታ ትሃንጽ ኢኻ። ዋላ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ተቖጺርካ ትሰርሕ ምስ እትኸውን እውን። ኣስራሕቲ ንጡረታኻ ኣበርክቶ ክገብሩ ግዴታ የብሎምን። ይኹም እምበር መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 

ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ብሓባር ጡረታ ብመንገዲ ማዕከን ወይ መድሕን ጡረታ ተዋህልሉ። እዚ ድማ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ነቲ ናይ ጡረታ ገንዘብካ የመሓድርን ይኸፍልን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስራሒ መበል ⅔ ክፋል ይኸፍል፣ ንስኻ ድማ ነቲ ዝተረፈ መበል ⅓ ክፋል ትኸፍል። ብጽሒትካ ካብ ደሞዝካ እዩ ዝቑረጽ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ዋላ ሓንቲ ነገር ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

እዚ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝዋደደልካ ኣብ ናይ ስራሕ ውዕልካ ወይ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) ተጠቒሱ ይርከብ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ውዕል ስራሕካ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?