ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ጋዜጣ የንብብ።
ምንጪ፡ Hasan Albari / Pexels
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ንጡረታኻ ምውህላል ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:28 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ መሰረታዊ ጡረታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ተወሳኺ ጡረታ እውን ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ፣ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ንደሓር ክትረኽቦ እትኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ምውህላል ጡረታ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ምስ እትኸውን ብ 3 ኣገባባት ጡረታ ክትሃንጽ ትኽእል
  • ብመሰረት

    ሓፈሻዊ ሕጊ ጡረታ እርጋን (AOW)
    መሰረታዊ ጡረታ ትሃንጽ ኢኻ። ወይ ድማ ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ ትረክብ። እዚ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ እዩ ዝዋደድ።

  • መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስራሕካ ተወሳኺ ጡረታ ትሃንጽ ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣስራሒኻ ብኣውቶማቲክ እዩ ዝዋደድ።

  • ናይ ባዕልኻ ትካል ምስ ዝህልወካ ባዕልኻ ተወሳኺ ጡረታ ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ

    ቤት-ምኽሪ ንግዲ (KVK)
    ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መሰረታዊ ጡረታ ብኸምዚ ኢኻ እትሃንጽ

ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ሰብ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ መሰረታዊ ጡረታ (AOW) ይረክብ እዩ። እዚ ብሰንኪ ዕድመኻ ደጊም ክትሰርሕ ኣብ ዘይትግደደሉ እዋን እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ኣብ ዓመተ 2024 ደጊም ብወግዒ ክትሰርሕ ዘይትግደደሉ ዕድመ 67 ዓመት እዩ።

ቅድሚ ጡረታኻ ኣብ ዝነበሩ 50 ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ተቐሚጥካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ምሉእ AOW ማለት ናይ መንግስቲ ጡረታ ክትረክብ ኢኻ። ንነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይነበርካሉ ዓመት ድማ ናትካ AOW ብ2 ሚእታዊት ይንክይ።

እቲ ናይ መወዳእታ መጠን ናይ AOW ኣብዚ ዝስዕብ እዩ ዝምርኮስ፡

  • AOW ዝተዋህለለሉ ብዝሒ ዓመታት

  • AOW ንምርካብ መሰል ኣብ ዝህልወካ እዋን ዘለካ (ናይ ምንባር) ኩነት። በይንኻ ትነብር ምስ እትኸውን ዝያዳ AOW ትረክብ። ብሓባር ትነብር ወይ ዝተመርዓኻ ምስ እትኸውን ድማ ሒደት AOW ትረክብ።

ሓደ ሓደ ግዜ መመላእታ ናይ መሰረታዊ ጡረታኻ ትረክብ

እኹል AOW ማለት ናይ መንግስቲ ጡረታ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ኣታዊኻ ካብቲ ንመነባብሮኻ ዘድልየካ ዝወሓደ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ድሒርካ ክትነብር ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ከጋጥም ይኽእል። ወይ ድማ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትነብር ስለ ዝነበርካ።

ስለዚ ሽዕኡ ካብ መንግስቲ ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ መመላእታ ቀረብ ኣታዊ ንኣረጋውያን (AIO) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ንምርካብ ዝተወሰኑ ሕግታት ከተማልእ ኣለካ። ንኣብነት ነዚ ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ኔዘርላንድ እትነብር ክትከውን ኣለካ።

መመላእታ ጡረታ ብኸምዚ ኢኻ ትሃንጽ

ተቖጺርካ ዲኻ እትሰርሕ? ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ መመላእታ ጡረታ ትሃንጽ ኢኻ። ዋላ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ተቖጺርካ ትሰርሕ ምስ እትኸውን እውን። ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣ ኣስራሕቲ ንጡረታኻ ዝኸውን ገንዘብ ከዋህልሉ ግዴታ የብሎምን። ይኹን እምበር መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 

ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ብሓባር ጡረታ ብመንገዲ

ማዕከን ጡረታ
ወይ ትካል መድሕን ጡረታ ተዋህልሉ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ጡረታኻ ገንዘብ የመሓድርን፣ ከምኡ እውን ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ነቲ ናይ ጡረታኻ ገንዘብካ ይኸፍልን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስራሒ መበል ⅔ ክፋል ይኸፍል፣ ንስኻ ድማ ነቲ ዝተረፈ መበል ⅓ ክፋል ትኸፍል። ብጽሒትካ ካብ ደሞዝካ ብኣውቶማቲክ እዩ ዝቑረጽ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ዋላ ሓደ ነገር ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

እዚ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝዋደደልካ ኣብ ናይ ስራሕ ውዕልካ ወይ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) ተጠቒሱ ይርከብ። ብዛዕባ ውዕል ስራሕካ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ድማ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እዚ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ጡረታ ክትወጽእ ኣብ እትኽእለሉ እዋን ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ

ጡረታ እትወጽኣሉ ዕድመ ኣብ ነፍስወከፍ ጉጅለ ሞያን ዓመተ-ምህረትን ይፈላለይ እዩ። ኣብ ዓመተ 2024 መብዛሕትኦም ሰባት 67 ዓመት ምስ መልኡ ስራሕ ከቋርጹ እዮም። ከቢድ ስራሕ ትሰርሕ ምስ እትኸውን ድማ ምናልባት ኣቐዲምካ ስራሕ ከተቋርጽ ትኽእል ትኸውን ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዲኻ እትነብር? ስለዚ ናይ ጡረታ ዕድመ ቅድሚ ምብጻሕካ ከባቢ 4 ኣዋርሕ ኣቀዲምካ ካብ

ባንክ ማሕበራዊ መድሕን (SVB)
ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ብኸመይ ሓፈሻዊ ሕጊ ጡረታ እርጋንካ (AOW) ከም እተመልክት ዝገልጽ እዩ።

ተወሳኺ ጡረታኻ ንምርካብ፣ ባዕልኻ ምስ ማዕከን ጡረታኻ ወይ ትካል መድሕን ርክብ ክትገብር ኣለካ። መዓስ ጡረታ ከም እትወጽእ ክትመርጽን፣ ካብ መዓስ ጡረታ ክትቕበል ከም እትደልይ ክትሕብሮምን ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ናይ ጡረታ ዕድመ ኣቐዲምካ ጡረታ እንተድኣ ወጺእካ ድማ ኣብ ወርሒ ዝወሓደ ጡረታ ኢኻ እትረክብ።

ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትግዕዝ ጡረታኻ

ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትግዕዝ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተዋህለለ ሓፈሻዊ ሕጊ ጡረታ እርጋንካን (AOW)፣ ተወሳኺ ጡረታኻን ዓቂብካ ትቕጽል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ባዕልኻ ምስ ባንኪ ማሕበራዊ መድሕን (SVB) ርክብ ክትገብርን ጡረታኻ ከተመልክትን ኣለካ። እዚ እትገብሮ ናይ ጡረታ ዕድመ ቅድሚ ምብጻሕካ 6 ኣዋርሕ ኣቀዲምካ እዩ። ተወሳኺ ጡረታኻ ንምርካብ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ዝርከብ ማዕከን ጡረታኻ፣ ወይ ትካል መድሕን ጡረታ ርክብ ክትገብርን፣ ነቲ ጡረታ ካብ መዓስን ኣብ ኣየናይ ሕሳብ ባንክን ክትቅበሎ ከም እትደልይ ክትሕብርን ኣለካ።

ሒደት ጡረታ ዲኻ ሃኒጽካ? ስለዚ ነዚ "ብሓንሳብ ክትዕድጎ" ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት እቲ ገንዘብ ብሓንሳብ ኣብ ሕሳብካ ከም ዝኣቱው ክትገብር ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ነዚ ንምርካብ እውን ምስ SVBን ማዕከን ጡረታኻን፣ ወይ ምስ ትካል መድሕን ጡረታ ርክብ ክትገብር ኣለካ።

ኣስራሒ ምስ እትቕይር ተወሳኺ ጡረታኻ

ስራሕ ትቕይር ዲኻ? ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምስ ናይ ቀደም ኣስራሒኻ ኣብ ማዕከን ጡረታ ወይ ትካል መድሕን ጡረታ ዝሃነጽካዮ ገንዘብ ናብቲ ምስ ሓድሽ ኣስራሒኻ ዝውህለል ጡረታ ክተሰጋግሮ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ምስ ሓድሽ ማዕከን ጡረታኻ ወይ ትካል መድሕን ጡረታ ርክብ ግበር።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?