
ኣፍራዪት ፊልም ማሪያ ፖኖማሮቫ፡ "ምጽናሕ' ዶ ምኻድ? ኣብ ግዜ ኲናት ነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ውሳኔታት እዩ ዝወስድ"
ኣፍራዪት ፊልም ማሪያ ፖኖማሮቫ፡ ኣብታ 'Nice Ladies' እትብል ሰነዳዊት ፊልማ፣ ብዕድመ ንዝደፍኣ ዩክሬናውያን ጉጅለ ቺር-ሊደርስ ትከታተል። ድሕሪ ወራር ሩስያ ብርክት ዝበላ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ኔዘርላንድ ነቒለን፣ ካልኦት ድማ ኣብ ዩክሬን ተሪፈን። ማሪያ፡ "እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዩክሬን እንተጸኒሕካ ጥራይ ዲኻ ጅግና ክትከውን እትኽእል? ዝብል ሕቶ ኣልዒለን"
"እቲ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ብዕድመ ዝደፍኣ ፍሉይ ጉጅለ ደቂ-ኣንስትዮ ምኾነ"
እቲ ዩክሬናዊት ማሪያ ፖኖማሮቫ ኣብ መጀመርታ ዝሓሰበቶ ሰነዳዊ ፊልም፣ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣብ ዩክሬን ዝጸንሓ ደቂ-ኣንስትዮን ናብ ኔዘርላንድ ዝሃድማ ደቂ-ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይሲ ይትረፍ፣ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ዝምልከት እውን ኣይነበረን። ማሪያ፡ "ብዕድመ ዝደፍኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሕብረተሰብ ግሉላት እየን። ብዛዕባ ንጡፋት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዩክሬን ዝገልጽ ዛንታታት ናፊቐ። ናይ ቺር-ሊደር ጋንታ 'Nice Ladies' ኣብ ተሌቪዥን ዩክሬን ምስ ረኣኹ ድማ ከምዚ ኢለ ሓሲበ፡ እዘን ደቂ-ኣንስትዮ ፍሉይ ነገር ይገብራ ኣለዋ።"
ማሪያ፣ "ድሕሪ ዕንባባታት ጀራንየም ኮፍ ስለዘይበላ" ብዛዕባ እዘን ደቂ-ኣንስትዮ ሰነዳዊ ፊልም ክትሰርሕ ደልያ። ማሪያ፡ "እቲ ናይ ዕንባባታት ጀራንየም ነገር ናይ ኔዘርላንድ ብሂል እዩ። እዚ ምሉእ መዓልቲ ብድሕሪ መስኮቶም ምስ ዕንባባታት ጀራንየም ኮፍ ዝብሉ ኣረጋውያን ዘመልክት እዩ። እቲ ብሂል ብዛዕባ ዝህልወካ ዘይጠቅም ስምዒትታት ወይ ደጊም ኣብ ሕብረተሰብ ክትሳተፍ ዘይምድላይ ዝምልከት እዩ። ኣብ ብዙሓት ኣረጋውያን ዘጋጥም እዩ፣ እዘን ደቂ-ኣንስትዮ ግን ከምኡ ኣይገበራን።"
"ኣብ ግዜ ኲናት ነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ ዝውስን"
እቲ ሰነዳዊ ፊልም ግን ፍጹም ዝተፈልየ መንገዲ እዩ ተኸቲሉ። ሩስያ ብዕለት 24 ለካቲት 2022 ንዩክሬን ምውራራ፣ ካብታ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ጋንታ ምፍላይ ማለት እውን እዩ። ማሪያ፡ "እቲ ሰነዳዊ ፊልም ዝተፈለየ መልክዕ ሒዙ። ካብ ሽዕኡ ንደሓር ንስቬታ ኢና እንከታተላ። ንሳ ምስ ስድራኣን ወዲ ጓላን እያ ናብ ኔዘርላንድ ሃዲማ።"
ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚርካ ድማ ማሪያ ንባዕላ እውን ኣብታ ፊልም ትረኣይ እያ፣ ምኽንያቱ ንሳ እያ ንስድራ ስቬታ ካብ ዶብ ፖላንድ ተቀቢላ ናብ ኔዘርላንድ ኣብጺሓቶም። “ገሊአን ደቂ-ኣንስትዮ ናይታ ጋንታ ኣብ ካርኪቭ ተሪፈን” ትብል እታ ኣላዪት ፊልም። "ኣብ ግዜ ኲናት ነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ ዝውስን። ከምኡ እውን ንዓኻ ዝበለጸ ብዝመስለካ መንገዲ ግብረ-መልሲ ምሃብ ንቡር እዩ። እዚ ንገሊአን ምኻድ ማለት እዩ። ንኻልኦት ድማ ምጽናሕ እዩ።"
ስቬታ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና 'Cheer and Dance 2022' ዳርጋ ንኹለን ኣባላት ጋንታኣ ዳግማይ ክትርእየን ምስ በቕዐት፣ ሃዋህው ናይታ ጉጅለ ወጥሪ ገይሩ። ስቬታ ዋላ እኳ ኣብ ኔዘርላንድ ብጻዕሪ ስጉምትታት ሳዕስዒት ምልምማድ እንተቐጸለት፣ ካብ ተሳትፎ ግን ተገሊላ። ምኽንያቱ ድማ ምስታ ጉጅለ ኣብ ካርኪቭ ልምምድ ስለ ዘይገበረት እዩ። ተገሊላ ዝተረፈት ኮይና ተሰምዓ፣ ግን ከኣ በደለኛ ኮይና እውን ተሰምዓ።
ማሪያ፡ "ኣብ ዩክሬን እንተጸኒሕካ ጥራይ ዲኻ ጅግና ክትከውን እትኽእል ብምባል ንገዛእ-ርእሳ ሓቲታ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ጸገማት ስደታ ክትዛረብ ዝፍቀደላ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን። ድሕሪ እቲ ምርኢት ስምዒታት ንላዕሊ ዓሪጉ። እተን ኣብ ካርኪቭ ዝተረፋ ደቂ-ኣንስትዮ ብዛዕባ ምህዳም ዝኾነ ህዉኽ ፍርዲ የብለንን። ስቬታ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዘላቶ ኩነታት ከተማርር ከምዘይብላ ጥራይ እየን ዝሓስባ፣ ምኽንያቱ ኣብ ውሑስ ስለዘላ።"
"ኲናት ስኒት ንዘለዋ ጋንታ ከምዚ እዩ ዝገብራ"
“ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ እታ ጋንታ ኣጸጋሚ ዝርርባት ተፈጢሩ” ትብል ማሪያ። "ነዚ ስምዒታት ከም ዝረኣይ ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኲናት ስኒት ንዘለዋ ጋንታ ከምዚ እዩ ዝገብራ። ንኽልቲአ ወገናት ብዛዕባ ውሳኔ ናይቲ ካልእ ወገን ብታህዋኽ ምፍራድ ቀሊል እዩ።"
ንሳ ከምዚ ትብል፡ "ምስቲ ዘሎ ኹሉ ጎነጽ ኣብ ዩክሬን እንተጸኒሕካ ትብዓት እዩ፣ እንተኾነ ግን እንተሃዲምካ እውን ካልእ ቃልሲ ኢኻ እትጅምር። ኣብ ፍጹም ሓድሽ ዝኾነ ሃዋህው ብህይወት ክትቕጽል ኣለካ። እቶም ኣብ ሃገሮም ዝጸንሑ ዩክሬናውያን ጥራይ ድዮም ጀጋኑ ክኾኑ ዝኽእሉ? ስለዚ ጅግና ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ? ስቬታ፣ ዩክሬናውያን ኣብ ኩሉ ኩነታት ጀጋኑ እዮም ኢላ እያ እትሓስብ። ኣነ እውን ምስዚ ይሰማማዕ እየ።
"ናይ በደለኛ ስምዒት የልምሰካ እዩ"
ማሪያ ቅድሚ 10 ዓመት እያ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ ናይ ፊልም ኣካዳሚ ክትመሃር ናብ ኔዘርላንድ መጺኣ። "ኣነ ንባዕለይ ኣይሃደምኩን። እንተኾነ ግን ናይ በደለኛ ስምዒት ምስ ዝህልወካ እንታይ ከም ዝገብረካ እፈልጥ እየ። የልምሰካ እዩ። ሃዲምካ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ውሕስነት ዘለካ ምዃንካ ኣፍልጦ ክትህቦ ኣለካ። እቲ ውሕስነት ንገዛእ-ርእስኻ ንኸተማዕብልን፣ ኣብቲ ዝመጻእካዮ ሓድሽ ሕብረተሰብ ክትጽዕትን ዘኽእለካ ምዃኑ እውን። ስለዚ ነቲ ናይ በደለኛ ስምዒት ብናይ ሓላፍነት ስምዒት ክንትክኦ ዝግባእ ይመስለኒ።"
ማሪያ ኣብ መንጎ ዩክሬንን ኔዘርላንድን እትርእዮ ቀንዲ ፍልልይ ዕድላት ምህላው እዩ። ማሪያ፡ "ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ንጽል ሰብ መነባብሮአን ክመርሓን፣ ዝፍተወን ነገራት ክገብራን ዝኽእላ ምዃነን እየ ዝርእይ። ኣብ ዩክሬን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ እዋን ኲናት፡ ብህይወት ንምቕጻል እዩ ቀንዲ ኣተኲሮ ዝግበረሉ። ትሰርሕ፣ ንስድራኻ መጽለሊ ተረጋግጽን መግቢ ትምእርርን። ካብኡ ወጻኢ ክትገብሮ ካባኻ ትጽቢት ዘይግበረልካ ነገር ክትገብር ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እየ 'Nice Ladies' ኣዝየን ፍሉያት ምዃነን ዝሓስብ። ዝኾነ ሰብ ክገብረኦ ዘይጽበየን ነገር እየን ምስ ጉጅለአን ዝገብራ።"