ምንጪ፡ Bilanol
ዓንቀጽ

ሓደጋ ትራፊክ እንተ ኣጋጢሙካ ከምዚ ኽትገብር ኣሎካ።

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 8/19/2025 7:18 ቅ.ቀ.

ናይ ብሽክለታ ወይ ማኪና ሓደጋ ኣጋጢሙካዶ ትፈልጥ? ከምኡ እንተ ዀይኑ ኣብ ከቢድ ኵነታት 112 ክትድውል ኣሎካ ። እቲ ዅነታት ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እኳ እንተ ዘይኰነ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ሓደጋ ትራፊክ እንተ ኣጋጢሙካ እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ እዛ ጽሑፍቲ እዚኣ ክትመርሓካ እያ።.

ብዛዕባ ከመይ ዝበሉ ሓደጋታት ትራፊክ ናብ ፖሊስ ክትድውል ከም ዘለካ ዝምልከቱ መምርሒታት ኣለው።

ህጹጽ ኵነታት ወይ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዅነታት ኬጋጥም ኸሎ 112 ደውል። እቲ ዅነታት ህጹጽ ስጕምቲ ኺውሰዱ ዘየገድድ እንተ ዀይኑ በዚ ስልኪ ቁጽሪ 0900-8844 ናብ ፖሊስ ደውል። ኣብዚ ዚስዕብ ኣጋጣሚታት ናብ ፖሊስ ክትድውል ኣሎካ ፦

  • ሓደ ሰብ እንተ ተጐዲኡ

  • - ገለ ኻብተን ኣብ ሓደጋ ትራፊክ ዝተሳተፋ ማካይን ከቢድ ጕድኣት እንተ ወሪዱ

  • ኣብቲ ሓደጋ ናይ ወጻኢ ሃገር መኪና እንተድኣ ተሳቲፋ  

  • ሓደ ኣብ ሓደጋ ዝተሳተፈ ሰብ ድሕሪ እቲ ሓደጋ እንተድኣ ሃዲሙ  

  •   - ምስ ካልእ ወገን ከቢድ ዘይምርድዳእ/ክርክር እንተ ኣልዩ

  • - ገበን ከም እተፈጸመ ዘጠራጥር እንተ ዀይኑ (ንኣብነት፦ ከም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ማኪና ምምራሕ ዝኣመሰለ )

ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣጋር፥ ዘወርቲ ብሽክለታ ከምኡ እውን ተሽከርከርቲ ዚምልከት ሓደጋ ፍሉይ መምርሒታት ኣሎ።

ኣጋርን ዘወርቲ ብሽክለታን ንሓደጋ ዝተቓልዑ እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓታት ትራፊክን ነዘርላንድስ ተወሳኺ ሓለዋ ይግበረሎም። ሓንቲ ማኪና ንኣጋር ወይ ዘዋሪ ብሽክለታ እንተ ሃሪማ እቲ መራሕ ማኪና ነቲ ጕድኣት ይሽፍኖ እዩ። ሓደ ዳኛ ካብዚ እተፈልየ ውሳነ ክውስን ዚኽእል እቲ መራሕ ማኪና ካልእ ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ዘይክእለሉ ዅነታት ጥራይ እዩ

እቲ ዳኛ እቲ መራሕ ማኪና ጕድለት ከም ዘይብሉ እንተ ዘይኣረጋጊጹ እቶም 14 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ዘወርቲ ብሽክለታን ኣጋርን ንዘጋጠሞም ጕድኣት 50 ሚእታዊት ካሕሳ ይረኽቡ። ካብ 14 ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኩሉ ግዘ/ወትሩ 100 ሚእታዊት ካሕሳ ይረኽቡ ።

ሓደጋ ትራፊክ ከጋጥም ከሎ እዚ ስጕምትታት እዚ ኺውሰድ ኣለዎ

1. ዝተጎድኡ ሰባት ኣለዉ ድዮም? ስለዚ 112 ደውል። ከምኡ እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ ብቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ናብ ፖሊስ ደውል። 

2. እንተድኣ ተኻኢሉ ቀዳማይ ረድኤት ሃብ። ኣድላዪ እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ ነቲ ዝተጎድአ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ኣይተንቀሳቕሶ።  

2. ኩለን ኣብቲ ሓደጋ ዝተሳተፋ መካይን ብውሑስ ደው ከምዝብላ ኣረጋግጽ። መኪናኻ ምንቅስቓስ ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ፣ መጀመርታ ናይቲ ኩነታት ፎቶታት ኣልዕል።  

3. ንኻልኦት ተጠቐምቲ ጽርግያ ንምጥንቃቕ ናይ መጠንቀቕታ ስሉስ ኩርናዕ ተጠቐም።  

4. ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ብዛዕባ ሓደጋ ዚገልጽ ፎርም ምስቶም ኣብቲ ጕዳይ እተሳተፉ ምልኣዮ። ምስቶም ኣብቲ ሓደጋ እተሳተፉ ኻልኦት ኣካላት/ኣካል ሓበሬታ ኸይተለዋወጥካ ኻብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣይትውጻእ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ መቕጻዕቲ እዩ ዝመጸካ። ኣብ ማኪናኻ ዅሉ ሳዕ እተሓትመ ፎርም ምሓዝ ጽቡቕ እዩ። በዚ ዝስዕብ በይነ መረብ እዚ ኣቢልካ እውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጕድኣት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ጸብጻብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። "https://www.mobielschademelden.nl/landing-page" title="">this site.

5. ናብ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ናይ ትካል መድሕንካ ደውል። መኪናኻ ደጊም ክትዝውራ ዘይትከኣል እንተድኣ ኮይና፣ መኪናኻ ካብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ተጎቲታ ንኽትወጽእ ምእንቲ፣ ንሳቶም ናይ ምጒታት ኣገልግሎት ንምጽዋዕ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። እቲ ወጻኢታት ድማ ብመድሕንካ ክሳለጥ እዩ። ብተወሳኺ ንምጒታት መኪና ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፣ ብቁጽሪ ተሌፎን 088-8881100 ምስ Bergnet ክርብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።  

1. ዝበጽሐ ጕድኣት ኣሎዶ? 112 ደውል። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ በዚ ቁጽሪ ቴሌፎን 0900-8844 ናብ ፖሊስ ደውል። 2. እንተ ኽኢልካ ቐዳማይ ሓገዝ ሃብ። ኣድላዪ እንተ ዘይኰይኑ ንዝቘሰለ ሰብ ኣይተንቀሳቕሶ። 2. ኵለን እተን ኣብ ሓደጋ ትራፊክ ዝተሳተፋ ማካይን ኣብ ውሑስ ቦታ ጠጠው ከምዝበላ ኣረጋግጽ። ነዚ ንምግባር ማኪናኻ ኸተንቀሳቕስ እንተ ኣድልዩካ ፈለማ ስእሊ እቲ ዅነታት ስኣል። 3. ንኻልኦት ትራፊክ ንምጥንቃቕ ስሉስ ኵርናዕ ተጠቐም። 4. ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ብዛዕባ ሓደጋ ዚገልጽ ፎርም ምስቶም ኣብቲ ጕዳይ እተሳተፉ ምልኣዮ። ምስቶም ኣብቲ ሓደጋ እተሳተፉ ኻልኦት ኣካላት/ኣካል ሓበሬታ ኸይተለዋወጥካ ኻብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣይትውጻእ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ መቕጻዕቲ እዩ ዝመጸካ። ኣብ ማኪናኻ ዅሉ ሳዕ እተሓትመ ፎርም ምሓዝ ጽቡቕ እዩ። በዚ ዝስዕብ በይነ መረብ እዚ ኣቢልካ እውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጕድኣት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ጸብጻብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። "https://www.mobielschademelden.nl/landing-page" title="">this site. 5. ናብ ማእከል ህጹጽ ኵነታት ኩባንያ መድሕን ደውል። ማኪናኻ ኽትዝውር እንተ ዘይክኢልካ ናብ ናይ ምሕዋይ ኣገልግሎት ብምኻድ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። እቲ ወጻኢታት ብመድሕንካ እዩ ዚሽፈን ። ካብዚ ብተወሳኺ ብቍጽሪ ተሌፎን 088-8881100 ናብ Bergnet ብምድዋል ብዛዕባ ምሕዋይ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 6. ብዛዕባ ዝበጽሐ ጕድኣት ንመድሕንካ ጸብጻብ ምሃብ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ብኢንተርነት ወይ ብ ወረቐት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር