ምንጪ፡ Rijksoverheid / Valerie Kuypers
ዓንቀጽ

መንግስቲ እንታይ ይሰርሕ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕማማት' ከ እንታይ እዩ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/12/2025 11:27 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ መንግስቲ መዓልታዊ ንሃገር ዝምልከቱ ውሳኔታት ይወስድ። እዞም ውሳኔታት ንጥዕናን ትምህርትን፣ ንጸጥታን ክሊማን፣ ከምኡ እውን ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ እዮም። ንምዃኑ መንግስቲ ብልክዕ እንታይ እዩ ስርሑ? ቀዳማይ ሚኒስተር' ከ ኣብ መንግስቲ እንታይ ግደ ኣለዎ?

መንግስቲ፣ ካቢነ ሚኒስተራትን ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራትን መን የቕውም?

ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ

፣ ከምኡ እውን
ዘሎ ፍልልይ ኣይፈልጡን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እዞም ቃላት ግጒይ ብዝኾነ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ።

መንግስቲ ብንጉስን ሚኒስተራትን ዝቖመ እዩ። ተራ ንጉስ ብቐንዱ ስማዊ እዩ። እቶም ሚኒስተራት ንከም በዓል ትምህርቲ፣ ፋይናንስን ፍትሕን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ዝመርሑ ኮይኖም፣ ናይ ዕለታዊ ምምሕዳር ሓላፍነት ኣለዎም። ሕግታት የተግብሩ፣ ከምኡ እውን ስሉጥ ኣሰራርሓ ኔዘርላንድ የረጋግጹ።

ካቢነ ሚኒስተራት ብኹሎም ሚኒስተራትን

ዝቖመ እዩ፣ ንጉስ ኣካል ናይዚ ኣይኮነን። ካቢነ ሚኒስተራት ሓደስቲ መደባት የውጽእ፣ ከምኡ እውን ነዚ ኣብ ግብሪ የውዕሎ።

ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ንምክትላት ሚኒስተር ከይሓወሰ ብኹሎም ሚኒስተራት ብሓባር ዝካየድ ኣኼባ እዩ። እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ጉድያት ድማ ቅድሚ ናብ

ምኻዶም ኣብዚ ውሳኔታት ይወሃበሎም።

ብሓጺሩ መንግስቲ ወግዓዊ ኣካል እዩ፣ ብተግባር ግን ካቢነ ሚኒስተራት ውጥናት የውጽእ፣ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ድማ ዓበይቲ ውሳኔታት ይወስድ።

ዕማማት መንግስቲ

መንግስቲ ሕጊ የውጽእ፣ ከምኡ እውን የተግብሮም። ሓደስቲ ሕግታት መጀመርታ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድሕሪኡ ድማ

ክጸድቑ ኣለዎም። ብድሕሪ እዚ መንግስቲ ነቶም ሕግታት ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ሰብ ከም ዝኽተሎም የረጋግጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ዓመታዊ ኣብ

ይሕንጽጽ። ስለዚ ድማ ኔዘርላንድ ነቲ ገንዘብ ብኸመይ ከም እትጥቐመሉ ሽዕኡ ይግለጽ። መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን ንኔዘርላንድ ይውክል፣ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ
። ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ንኣብነት ብመንገዲ ፖሊስን ምክልኻልን ጸጥታን ህዝባዊ ስርዓትን ከምዝሰፍን የረጋግጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎ

ቀዳማይ ሚኒስተር – መብዛሕትኡ ግዜ ፕሪምየር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ – መራሒ መንግስቲ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ንኣኼባታት ሚኒስተራት ኣቦ-መንበር ኮይኑ ይመርሕ፣ ከምኡ እውን ሚኒስተራት ብሓባር ብግቡእ ከም ዝሰርሑ የረጋግጽ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ንመንግስቲ ብምውካል ይዛረብ። ኣብ ከም ዋዕላ ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ድማ ንኔዘርላንድ ወኪሉ ይሳተፍ።

ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሓፈሻዊ ጉዳያት ዝበሃል ናይ ገዛእ-ርእሱ ሚኒስትሪ ኣለዎ። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነኣሰ ሚኒስትሪ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኩሉ ስርሑ ይድግፎ። ኣብዚ ሚኒስትሪ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ምኽሪ ይህቡ፣ ኣኼባታት የዳልዉን ኣብ ርክባት መንግስቲ ይሕግዙን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ምስሊ ናይቲ መንግስቲ እዩ፣ እንተኾነ ግን ፈጺሙ ንበይኑ ብምዃን ውሳኔታት ኣይወስድን እዩ። ውሳኔታት ኩሉ ግዜ ምስቶም ሚኒስተራት ብሓባር ብምዃን እዩ ዝውሰድ።

ኣብ መንጎ መንግስትን ባይቶን ዝግበር ምትሕብባር ብኸመይ ይሰርሕ?

መንግስቲ ኩሉ ግዜ ደገፍ ናይ

የድልዮ እዩ። ብዘይ እቲ ደገፍ ድማ እታ ሃገር ብግቡእ ክትመሓደር ኣይትኽእልን እያ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰኔትን ንመንግስቲ ብጥንቃቐ ይቖጻጽርዎ። እዚ ድማ ኔዘርላንድ ዲሞክራስያዊት ሃገር ኮይና ከም እትቅጽልን፣ ከምኡ እውን ሕግታትን ውጥናትን ፍትሓውን ተግባራውን ኮይኖም ከም ዝቕጽሉን የረጋግጽ።

እቲ ዝግበር ምትሕብባር ብግቡእ እንተድኣ ዘይተኻየደ፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው ይፍጠር። እዚ ድማ ምድንጓይ ሓደስቲ ሕግታት፣ ዘይርጉጽነት ኣብ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፣ ወይ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ወጥሪ ከስዕብ ይኽእል።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር