ምንጪ፡ Tweede Kamer der Staten-Generaal
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣለዋ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/23/2025 2:25 ድ.ቀ.

ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣለዋ። እዞም ሰልፍታት እዚኣቶም ንእተፈላለዩ ጕጅለታት ሰባት እዮም ዚውክሉ።ሰልፍታት ዝርዝር መርገጺታት ይፈጥሩን ኣብ እዋን ምርጫ ክትመርጹሎም እትኽእሉ ውልቀሰባት ዝርዝር ኣለዎም። ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኔዘርላንድ ከተንብብ ኢኻ። "intro of https://preview.refugeehelp-test.nl/nl/asylum-seeker/article/100547"

PVV – ሰልፊ ንናጽነት

PVV ኣብ 2006 ዝተመስረተ ኮይኑ፣ የማናዊ፣

፣ ሃገራውነታዊ ሰልፊ እዩ። ኣብ ኢሚግሬሽንን እስልምናን ብዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ድማ ዝያዳ ዝፍለጥ እዩ። ኣገደስቲ ዛዕባታቱ፣ ኢሚግሬሽን፣ ጸጥታ፣ ሃገራውነት፣ ነቐፌታ ሕብረት ኤውሮጳን ጽኑዓት ሕግታት ምውህሃድን ይርከብዎም። እቲ ሰልፊ ካብ VVD ምስ ወጽአ ብኺርት ዊልደርስ [Geert Wilders] ዝተመስረተ እዩ። እቲ ሰልፊ እንታይ ከም ዝገብር ንሱ እዩ ዝመርሖ፣ ብጭቡጥ ድማ ዝኾነ ካልእ ኣባል ፖሊሲ ዝሕንጽጽ የለን።  

ሕጂ PVV ኣብ

37
ኣለዎ። 

GL-PvdA ኣብ መንጎ

ሰልፊታት GroenLinks (GL) ከምኡ እውን ሰልፊ ዕዮ (PvdA) ዝግበር ምትሕብባር እዩ። ክልቲኦም ሰልፊታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሓባር ክሰርሑ ዝጀመሩ ኣብ 2023 እዩ። ኣባል PvdA ፍራንስ ቲመርማንስ [Frans Timmermans] ድማ መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

GroenLinks ንተፈጥሮን እንስሳታትን ደው ምባል ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ዝኣምን ጸጋማዊ፣ ገስጋሲ ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ኣብ 1989 እዩ ተመስሪቱ። ቀንዲ ኣገደስቲ ክብሪታቱ ድማ፡ ክሊማ፣ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ፣ ከምኡ እውን ቃልሲ ኣንጻር ዘይማዕርነትን ጭቆናን የጠቓልሉ።

PvdA ኣብ 1946 ዝተመስረተ

ሰልፊ እዩ፡ ቀንዲ ኣገደስቲ ክብርታቱ፡ ማዕረ ዕድላት፣ ጽቡቕ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ድሕነትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ሰልፊ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃፍቲ ንኽህሉው ይጣበቕ። PvdA እውን ዝሓሸ ክሊማ ንምርግጋጽ ዕላማ ኣለዎ።

እቲ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 25 መናብር ኣለዎ።

VVD – ህዝባዊ ሰልፊ ንናጽነትን ዲሞክራስን

VVD ኣብ 1948 ዝተመስረተ ኮይኑ ሊበራላዊት ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ንቁጠባዊ ዕብየትን ውልቃዊ ናጽነትን ደው ይብል። ዲላን የሲልዮስ [Dilan Yeşilgöz] ድማ መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ኣገደስቲ ዛዕባታቱ፡ ቁጠባን ድሕነትን የጠቓልል። VVD ኩባንያታት ሒደት ግብሪታት ክኸፍላ እዩ ዝደልይ።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 24 መናብር ኣለዎ።

NSC – ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕል

NSC ኣብ 2023 ፒተር ኦምትዚኽት [Pieter Omtzigt] ብዝተባህለ ኣባል CDA ነበር ዝተመስረተ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኤዲ ቫን ሃይም [Eddy van Hijum] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ ኮይኑ ይርከብ።

ናይ NSC ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ መንግስትን ፖለቲከኛታትን ብቕንዕናን ብግሉጽነትን ከም ዝሰርሑ ምርግጋጽ፣ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲን፣ ከምኡ እውን ሰባት ክነብሩሉ ዝኽእሉ እኹል ገንዘብ ከም ዝህልዎም ምርግጋጽን የጠቓልል።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 20 መናብር ኣለዎ።

CDA – ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ጻውዒት

CDA ኣብ 1980 እዩ ተመስሪቱ። 3 ክርስትያናዊ ሰልፊታት ዝሓቖፈ ጥምረት ድማ እዩ። CDA ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ኮይኑ፣ ባህላዊ ክብርታት ምስ ማሕበራዊ ምርግጋእ ዘወሃህድ እዩ፣ እዚ ማለት ህይወት ኣብ ሕብረተሰብ ሰላማውን ውሑስን ኮይኑ ይኸይድ ማለት እዩ። ሄንሪ ቦንተንባል [Henri Bontenbal] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ቀንዲ ዛዕባታቱ፡ ስድራ-ቤት፣ ቁጠባ፣ ዘላቕነት፣ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምስ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባርን ዘጠቓልሉ እዮም። CDA መብዛሕትኡ ግዜ ማእከላይ መንገዲ ክኽተል ይደልይ፣ እዚ ማለት እቲ ሰልፊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ሚዛን ይደልይን፣ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ንብዙሓት ሰባት ዝሰርሕ ፍታሕ ንምርካብ ይጽዕርን ማለት እዩ።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5 መናብር ኣለዎ።

D66 – ዲሞክራስያውያን 66

D66 ኣብ 1966 እዩ ተመስሪቱ፣ ከምኡ እውን ገስጋሲ ሊበራላዊ ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ብቐንዱ ኣብ ትምህርትን ተሃድሶን ዘተኮረ እዩ፣ እዚ ማለት ሕግታት ወይ ስርዓታት ነገራት ዝሓሸ ከም ዝኾኑ ንምግባር ይቕየሩ ማለት እዩ። ሮብ የተን [Rob Jetten] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ኣገደስቲ ኣርእስትታት፦ ትምህርት፣ ምትሕብባር ኤውሮጳ፣ ቀጻልነት፣ ሲቪላዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ተሓድሶታትን የጠቓልል።

እቲ ሰልፊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 9 መናብር ኣለዎ።

BBB – ምንቅስቓስ ሓረስቶት ዜጋታት

BBB ኣብ 2019 ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ኣብ ሓረስቶትን ገጠርን ዘተኮረ ህዝባዊነታዊ ሰልፊ እዩ። ካሮሊን ቫን ደር ፕላስ [Caroline van der Plas] ድማ መሪሕ ሕጽይቲ ናይቲ ሰልፊ እያ።

ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሕርሻን ምዕባለ ገጠራትን ከምኡ እውን ንሓረስቶት ግብሪ የጠቓልል። እቲ ሰልፊ መንግስትን ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት እምብዛ ኸም ዜተኵሩ እዩ ዚኣምን።

ሕጂ BBB ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 8 መናብር ኣለዎ።

SP – ማሕበራውነታዊ ፓርቲ

SP ኣብ 1972 ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ጸጋማዊ ሰልፊ እዩ። SP ማሕበራውነታዊ ሰልፊ እዩ። ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ህይወት ንኽህልዎ ርትዓዊ ዕድል ክረክብ ይደልይ። ጂሚ ዳይክ [Jimmy Dijk] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ገለ ኻብቲ ኣገዳሲ ነጥብታት መሰል ስራሕ፥ ጽቡቕ ኣታዊ ምርካብ፥ ብናጻ ትምህርቲ ምርካብ ከምኡ እውን ጽቡቕ ክንክን ጥዕና ምርካብ የጠቓልል። SP ኣብ ከባብያውን ሃገራውን ምምሕዳር ይሳተፍ እዩ።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5 መናብር ኣለዎ።

CU – ክርስትያናዊ ሕብረት

ክርስትያናዊ ሕብረት ኣብ 2000 እዩ ተመስሪቱ። እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ መንግስቲ መለኮታዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ይኣም ኮይኑ ግን ኣገዳስነት ምፍልላይ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን እውን ኣፍልጦ ይህበሉ እዩ። መንግስቲ ናይ እምነት ናጽነትን ንቤተ-ክርስትያን ኣኽብሮት ናይ ምርኣይን ሓላፍነት ኣለዎ። ሚርያም ቢከር ቀንዲ ሕጹይ እዩ።

ኣገደስቲ ኣርእስታት ስድራ ቤት ክንክን፥ ቀጻልነት ምስ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባር ከምኡ እውን ስነ ምግባራዊ ሕቶታት ዜጠቓልል እዩ።

እቲ ክርስትያናዊ ሕብረት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3 መናብር ኣለዎ።

DENK

DENK ኣብ 2015 እዩ ተመስሪቱ። እቲ ሰልፊ ካብ ማሕበረሰብ ቱርካውያን፥ ሞሮካውያንን ነዘርላንድን ዓብዪ ደገፍ ረኺቡ እዩ። ስቴፋን ቫን ባርል መራሒ ፓርቲ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣገደስቲ ኣርእስትታት፦ ማዕረ ዕድላት፥ ብዙሕነት፥ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ኣድልዎ ምቅላስ የጠቓልል።

DENK ንፖለቲካን ዜጋታትን ንምትሕብባርን ኣብ መላእ ዓለም ፍትሒ ንምድንፋዕን ዕላማ ኣለዎ። እቲ ሰልፊ ንብበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ዓብዪ ብርታዐ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።

ሕጂ DENK ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3 መናብር ኣለዎ።

FVD – መድረኽ ንዲሞክራሲ

FVD ኣብ 2016 እዩ ተመስሪቱ። የማናዊ ህዝበኝነት ዘለዎ (populist) ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ኣብ ሃገራዊ ናጽነትን ዓቃባውያን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ዘተኰረ እዩ። ኣገደስቲ ኣርእስትታት ነቐፌታ

ኢሚግሬሽንን የጠቓልል። ሊደቪ ደ ቮስ ቀንዲ ሕጹይ እዩ።

FVD ንቀጥታዊ ዲሞክራሲ ይጣበቕ። እዚ ማለት ድማ ዜጋታት ኣብ ፖለቲከኛታት ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚምርኰሱ ብቐጥታ ኣብ ኣገዳሲ ውሳነታት እዮም ዚመርጹ። ብተወሳኺውን FVD ቀያዲ

, ክግበር ከንቲባታት ብዜጋታት ክምረጽ ከምኡ እውን ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘይኰኑ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ክህልዉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3 መናብር ኣለዎ።

PvdD – ሰልፊ ንእንስሳታት

PvdD ኣብ 2002 እዩ ተመስሪቱ። እቲ ሰልፊ ኣብ መሰላት እንስሳታትን ከባብን ዘተኮረ እዩ። ኣገደስቲ ዛዕባታቱ፡ ድሕነት እንስሳታት፣ ዘላቕነት፣ ክሊማ፣ ከምኡ እውን ዝያዳ ኣቚጽልቲ ወይ ኣሕምልቲ ምምጋብ ይርከብዎም። ኤስተር ኣወሃንድ [Esther Ouwehand] መሪሕ ሕጽይቲ ናይቲ ሰልፊ እያ።

ኣብ ዓለም መሰል እንስሳታት ከም ቀንዲ ዛዕባ ዝገበረ ፈላሚ ሰልፊ ድማ እዩ።

ሕጂ PvdD ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3 መናብር ኣለዎ።

SGP – ዝተሓደሰ ፖለቲካዊ ሰልፊ

SGP ኣብ 1918 ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ዓቃባዊ፣ ኦርቶዶክሳዊ ፕሮቴስታንት ፓርቲ እዩ። ቀንዲ ዛዕባታቱ ድማ፡ ባህላዊ ስድ፦ቤታዊ ክብርታት፣ ኣብ ፖለቲካ ክርስትያናዊ ክብርታትን ምንጻል ጥንሲ ምንጻግን ይርከብዎም። ክሪስ ስቶፈር [Chris Stoffer] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

SGP ክሳብ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ዝቐጸለ ዝገደመ ሰልፊ እዩ።

እቲ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3 መናብር ኣለዎ።

Volt Nederland

ቮልት (Volt) ኣብ 2018 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ምትሕብባር ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኣብ ገስጋስ ዝገብር ፖለቲካዊ ሰልፊ ዀይኑ ተመስሪቱ። ቀንዲ ሕጹይ ናይቲ ፓርቲ ሎረንስ ዳሰን እዩ።

ኣገደስቲ ኣርእስትታት ኣውሮጳ፥ ክሊማ፥ ትምህርቲ፥ ዲጂታላይዜሽን ከምኡ እውን ሰብኣዊ መሰላት የጠቓልል። ቮልት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዚዓዪ መንእሰይ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ 2 ኮፍ መበሊ (መንበር) ኣለዎ።

JA21

JA21 ኣብ 2020 ተመስሪቱ። የማናዊ ዓቃባዊ ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዎ ጽልዋ ንኽንክይ ድማ ይጣበቕ። ዮስት ኤርድማንስ [Joost Eerdmans] መሪሕ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ እዩ።

ኣገደስቲ ዛዕባታቱ ድማ ስደት፣ ጸጥታ፣ ቁጠባን ዓቃባዊ ክብርታትን ይርከብዎም።

ሕጂ JA21 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 1 መንበር ኣለዎ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር