ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ኣብ ጽድያ ሃገራዊ ክርስትያናዊ በዓላት ምብዓል
ምንጪ፡ Pixabay.com/music4life

ኣብ ጽድያ ሃገራዊ ክርስትያናዊ በዓላት ምብዓል

ዝተሓትመሉ ኣብ: 17/5/2023 1:26 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ኣብ ጽድያ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ በዓላት ክርስትና የብዕሉ እዮም። እዚ ድማ ብሰንኪ ክርስትያናዊ ታሪኽ ናይ ኔዘርላንድ እዩ። ሰባት እንታይ ከም ዘብዕሉን ብኸመይ ከም ዝካየድን ድማ ኣብዚ ኣንብብ።

4 ንነፍስወከፍ ሰብ ኣገደስቲ በዓላት

ትሕቲ ፍርቂ ኔዘርላንዳውያን ንገዛእ-ርእሶም ከም ሃይማኖታውያን ይጠቕሱ። ኮይኑ ግን መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ኣብ ጽድያ 4 ክርስትያናዊ በዓላት የብዕሉ፡ ዓርቢ ስቕለት፣ ፋሲካ፣ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን።

እዚኦም በዓላት ብዘይኣመንቲ እውን ይኽበሩ እዮም። ኣብ ታሕቲ ነፍስወከፍ በዓል ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝኽበር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን (7፣ 9 & 10 ሚያዝያ 2023)

ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ንክርስትያን ሰባት ኣገደስቲ መዓልታት እየን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኢየሱስ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ተሰቒሉ፣ ከምኡ እውን ተቐቢሩ። እንተኾነ ግን ኣብ ሰንበት ንግሆ ተኸተልቱ መቓብሩ ባዶ ኮይኑ ረኸብዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ይገልጽ። ኣብ መዓልታት ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ድማ ሰባት ንስቕለት ኢየሱስ ንምዝካርን ካብ ሞት ትንሳኤኡ ንምጽንባልን ኣብ ፍሉያት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅዳሴታት ይሳተፉ።

ዘይኣመንቲ እውን ፋሲካ የብዕሉ እዮም። ንኣብነት ከም ምልክት ሓድሽ ህይወት ኣብ ጽድያ እንቋቑሖ ፋሲካ ብምውቃብን ብምሕባእን። ብዙሓት ሰባት ንበዓል ፋሲካ ምስ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ብሓባር ቁርሲ ብምብላዕ የብዕሉ። ንሕና ነዚ ቁርሲ ፋሲካ ንብሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቁርሲ መብዛሕትኦም ሰባት ንኻልኦት ነገራት ሓዊሱ ሕብስቲ ፋሲካን እንቋቑሖን ይበልዑ።

መዓልቲ ዕርገት (18 ግንቦት 2023)

ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣመንቲ ክርስትና ኢየሱስ ናብ ሰማይ ከም ዝኸደ ይዝክሩ። ብባህሊ ድማ ድሕሪ በዓል ፋሲካ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ይኽበር። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ፋሲካን ዕርገትን ኣብ ውሽጢ 40 መዓልታት እምነት ክርስትና ኣብ ምድሪ ከም ዘስፋሕፍሖ ይገልጽ። ሎሚ ዓመት ዕርገት ሓሙስ 18 ግንቦት እዩ ዝበዓል።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዕርገት ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ፣ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ እምነት ክርስትና ክዝርግሑ ነገሮም። ደቀ-መዛሙርቱ እናተዓዘቡ ድማ ኢየሱስ ንሰማይ ዓረገ ካብ ትርኢት ዓይኒ ድማ ተሰወረ። እዚ ድማ መወዳእታ ህላወ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ኮይኑ እዩ ዝረኣይ።

ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናት ፍሉያት ኣገልግሎታት ይካየዱ እዮም። ወግዓዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እውን ስለዝኾነ፣ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም። ኣብ ገለ ቦታታት ከም ሰልፊታት፣ ምርኢታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ይውደቡ እዮም። እዚ ፍጻመታት ክርስትያን ንዘይኮኑ ሰባት ዝኸውን እውን እዩ።

ጴንጠቆስጠ (28 & 29 ግንቦት 2023)

ጴንጠቆስጠ ድሕሪ ፋሲካ ኣብ መበል 50 መዓልቲ ይፍጸም። ሎሚ ዓመት ሰንበት 28ን ሶኑይ 29 ግንቦትን እዩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ደቀ-መዛሙርቲ ናይ ኢየሱስ መልእኽቱ ንምስፋሕ ትብዓት ከም ዝረኸቡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ስለዚ ድማ እዮም ብዙሓት ኣመንቲ ክርስቲያን ንጴንጠቆስጠ ከም መጀመርታ ናይ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝርእይዎ።

ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትአን ክርስትያናዊ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ጴራቅሊጦስ ሰንበትን ሶኑይን ፍሉይ ኣገልግሎታት ቤተ-ክርስትያን የካይዳ። ጴንጠቆስጠ ኣብ ኔዘርላንድ ሃገራዊ በዓል እኳ እንተኾነ ነፍስወከፍ ሰብ ብሰፊሑ ዘብዕሎ ኣይኮነን። ዘይከም በዓል ፋሲካ ንኣብነት።

ልክዕ ከም መዓልቲ ዕርገት፣ ጴንጠቆስጠ እውን ኣብ ህዝባዊ ህይወት ብዙሕ ኣይረኣይን እዩ። ኣብ ጴንጠቆስጠ ዝግበር ፍሉይ ስልማት ወይ ዝብላዕ መግቢ የለን። ዋላ እኳ ገለ ኔዘርላንዳውያን ክሳብ ሕጂ ባህላዊ ሕብስቲ ጴንጠቆስጠ ዝሰርሑ እንተኾኑ።

ካልእ ናይ ድኳናት ናይ ስራሕ ሰዓታት

ኣብ ኩሎም እዚኦም በዓላት ብዙሓት ድኳናት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እየን ዝዕጸዋ ወይ ዝኽፈታ። ዕዳጋኻ ክትገብር ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ከባቢኻ ንዝርከብ ድኳን ናይ ስራሕ ሰዓታት ሕተት።

ነፍስወከፍ ሰብ ካብ ስራሕ ነጻ ኣይኮነን

ኣብዚኦም በዓላት ዝበዝሑ ሰባት ነጻ እዮም። እንተኾነ ግን ኩሉ ሰብ ኣይኮነን። ነጻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከተረጋግጽ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንኣስራሒኻ ሕተት።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?