
ምንጪ፡ Pexels: Archie Binamira
ኣብ ተፈጥሮ ክትሕንብስ እንተድኣ ኮይንካ ክትፈልጦ ዘለካ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኣብ ኔዘርላንድ ጥዑም ሙቐት ዘለዎ ኩነታት ኣየር እዩ ዘሎ። ሰባት ንኽዝሕሉ ምእንቲ ኣብ ማይ ምጥላቕ ደስ ይብሎም እዩ። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣጸቢቕካ ኣስተብህለሎም።
ክትሕንብሰሎም እትኽእል ዝተፈላለዩ ቦታታት
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን ክረምቲ ክትሕንብሰሎም እትኽእል ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣለዉ። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ትደልይ ዲኻ? ምሕንባስ ትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ጥራይ ከምኡ ግበር። ንጽህናን ውሕስነትን ናይቲ ማይ ብዝምልከት ክትትል ኣብ ዝግበረሎም ቦታታት ምሕንባስ እውን ኣገዳሲ እዩ። ገሊኦም ማያት ጽሩያት ኣይኮኑን ወይ ንኽትሕንብሰሎም ሓደገኛታት እዮም።
ኣብዚ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ማይን ከተስተውዕለሎም ዘለካ ስግኣታትን ዝምልከት ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ምሕንባስ ተመኩሮ
ሓንቢስካ ትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ጥራይ ናብቲ ማይ እቶ። ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ማይ ስለዘሎ፣ ኔዘርላንዳውያን ቆልዑት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ትምህርቲ ምሕንባስ ይረኽቡ እዮም። መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ቆልዑትን በጽሒታትን ናይ ምሕንባስ ምስክር ወረቐት ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማይ ሓደጋ ንኸጋጥሞም ዘለዎም ስግኣት ዝወሓደ እዩ።
ንስኻ እውን ምሕንባስ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ RefugeeHelp ኣብቲ 'ምሕንባስ ኣብ ኔዘርላንድ' ዝብል ገጽ ተመልከት።
ሓያላት ማዕበላት ኣብ ባሕሪ
ኣብ ባሕሪ ዝተሰንጠቚ ማዕበላት ኣለዉ። ዝተሰንጠቐ ማዕበል ኣብ ባሕሪ ዝፍጠር ሓያል ማዕበል እዩ፣ እዚ ድማ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣንጻር ማዕበል ናይቲ ዝተሰንተጠቐ ማዕበል ክትሕንብስ ኣይትፈትን። እዚ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ፣ ከምኡ እውን በቃ ሓይልኻ ጸንቂቕካ ክትደክም ኢኻ። ክሳብ እቲ ማዕበል ዝደኸመ ኮይኑ ዝስምዓካ ድማ ንጐድኒ ገጽካ ሓንብስ፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ገምገም ባሕሪ።
ዝተሰንጠቚ ማዕበላት ንኸተለልዮም ኣጸጋሚ እዩ። ኮይኑ ግን ንውሑዳት ነገራት ከተስተውዕለሎም ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት፡
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታ ናይ ባሕሪ ብዙሕ ብራኸ ዘይብሉ ማዕበል ክትርእይ ትኽእል
ኣብ ሓደ ቦታ ናይቲ ባሕሪ ኣብ ሞንጕኡ ዓሚቝ ዘይኮነ ክፋል ዘለዎ ዓሚቝ ማይ ዘሎ ይመስል
ኣብ ባሕሪ ትሕተ-ማዕበል ወይ ልዕለ-ማዕበል እውን ኣሎ። እቶም ሓደጋታት ድማ እዚኦም እዮም፡
ትሕተ-ማዕበል ካብ ገማግም ባሕሪ ቀልጢፉ ናብቲ ቀንዲ ቃልዕ ባሕሪ ገጹ ክስሕበካ ይኽእል እዩ። ሓንቢስካ ንኽትምለስ ድማ ከቢድ እዩ። ቀልጢፍካ ሓይልኻ ጸንቂቕካ ትደክም።
ልዕለ-ማዕበል ካብ ገማግም ባሕሪ ገፊዑ ክወስደካ እውን ይኽእል እዩ፣ ግን ካብ ትሕተ-ማዕበል ብዝውሕድ ሓይሊ። ልዕለ-ማዕበል ናብ ኣቕሑት ወይ ጀላቡ ገጹ ገፊዑ ክወስደካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ምግጫው ሓደጋ ከምዝውስኽ ይገብር።
ኣብዚ እውን ኣንጻር እቲ ማዕበል ክትሕንብስ ኣይትፈትን። ጎድኒ ጎድኒ ገይርካ ድማ ናብ ገምገም ባሕሪ ክትሕንብስ ፈትን።
መራኽብ ኣብ ፈለጋትን መትረባትን
ኣብ ፈለጋትን መትረባትን ንሓንበስቲ ኣስጋእቲ ዝኾና ዓበይቲ መራኽብ ይጎዓዛ እየን። ዓበይቲ መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝሕንብሱ ሰባት ንኽርእያኦም ይጽገማ እየን። መራኽብ ሓያላት ማዕበላት እውን ይፈጥራ እየን። እቲ ማይ ይድፋእ ከምኡ እውን ብሓይሊ ይምለስ፣ እዚ ድማ ምስኡ ጎቲቱ ክወስደካ ይኽእል እዩ።
ካብ ድልድል ናብ መትረብ ወይ ፈለግ ምዝላል እውን ሓደገኛ እዩ። ኣብ ደልሃመት ዕምቆት ናይቲ ማይ ንኽትርእርይ ድማ ኣጸጋሚ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ታሕቲ ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኔዘርላንድ
ብርጌድ ህይወት ኣድሕን፣ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ንውሕስነት ማይን ምሃብ ሓገዝን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ብርጌድ ህይወት ኣድሕን ኣብ ተፈጥሮ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ዝምልከት ናይ ሓበሬታ ማህደር ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ሕብሪታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ እትርእዮም ባንዴራታት ዝምልከት መብርሂ ዝሓዘ እውን እዩ።