
ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንዝመጽእ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ከም ዝቕንይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛን ተወሳኺ ተረፍ ክፍልን ኣለካ ድዩ? ሕጂ ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ንዝነብር ሰብ ምሳኻ ንኽቕንይ ክትፈቅደሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ መዕቆቢ ዝጸንሕ ምሳኻ ክቕንይ ይኽእል እዩ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድን ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ንሓደ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከተ ወይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ብመንገዲ
ብኸምዚ መንገዲ ድማ እቲ ምሳኻ ንኽቕንይ ዝመጽእ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ መዕቆቢ ዝጸንሕ ንገለ እዋን ምስ ስድራ ክነብር ይኽእል። እቲ ሰብ ን3 ኣዋርሕ ብኣካል ናብ COA ቀሪቡ ምሕባር እውን ኣየድልዮን።
ሓደ ሰብ ምሳኻ ንኽቕንይ 2 ኣገባባት ኣለዉ፡
1. ዑቕባ ዝሓተተ እትፈልጦ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ከም ዝቕንይ ክትገብር ትኽእል
ኣብ AZC ዝቕመጥ ሰብ ትፈልጥ ዲኻ፣ ንግዚኡ ክትቅበሎ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ከምኡ ይከኣል እዩ። COA ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት ምስ ኣዕሩኽቶም ወይ ቤተሰቦም ን3 ኣዋርሕ ንኽቕንዩ ዘኽእሎም 'ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ' ኣለዎ። እትፈልጦ ሰብ ወይ ቤተሰብካ ነዚ ብመንገዲ ኣብ COA ዝርከብ ኮንታክትፐርሶኑ ከዋድዶ ይኽእል እዩ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ በዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ሊንክ ኣንብብ።
ዑቕባ ዝሓተትካ ምስ እትኸውን ሕጂ ምስ እትፈልጦም ሰባት ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ
2. መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎ ዘይትፈልጦ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ንኽቕንይ ክትፈቕደሉ ትኽእል
ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትቅበል ትደልይ ዲኻ? ብመንገዲ TakeCarebnb ነቶም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኮይኖም ናይ ገዛእ-ርእሶም ገዛ ንምርካብ ንዝጽበዩ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣአንጋዲ ስድራ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ TakeCareBnb ትምዝገብ። ብድሕሪኡ ምስ ሓደ ናይ TakeCarebnb ሰብ ዝርርብ ትገብር።
TakeCareBnb ምሳኻ ብጽቡቕ ዝሰማማዕ ዝቕንይ ሰብ ክደልይ እዩ። ንስኻን ጋሻኻን ትሳነዩ ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን ንምርኣይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድሕሪ ዝግበር ናይ ፈተነ ግዜ ድማ ን3 ኣዋርሕ ብሓባር ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ካብ TakeCareBnb ዝሕግዘካ ሰብ ኸኣ ኣብተን 3 ኣዋርሕ ናትካ ኮንታክትፐርሶን ኮይኑ ክቕጽልን፣ ካባኻን ካብ ጋሻኻን ንዝመጽኡ ሕቶታት ክምልስን እዩ።
እቲ ምቕናይ ኣብ ውሽጢ እተን 3 ኣዋርሕ ኣይተሰማማዓካን ድዩ? ስለዚ TakeCareBnb ንጋሻኻ ካልእ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክደልየሉ ይኽእል ይኸውን እዩ። ስለዚ ኣብ TakeCareBnb ምስ ዝርከብ ኮንታክፐርሶንካ ርክብ ግበር።
ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ንምዃን ናይ ምዝገባ ቅጥዒ
ንስኻን ጋሻኻን ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርሙ
ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትከውን ከም እትደልይ ወሲንካ ዲኻ፣ ጋሻ ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርሙ። እዚ ውዕል ብዛዕባ ንውሓት ናይቲ ናይ ምቕናይ ግዜን፣ ብዛዕባ እዚ እንታይ ስምምዓት ከም ዝገበርኩምን ዝምልከት ስምምዓት ዝሓዘ እዩ።
እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ድሕሪ ምጅማሩ፣ እቲ ጋሻኻ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኣብ ኣድራሻኻ ክምዝገብ ኣለዎ።
ዝቕንይ ሰብ ምቕባል ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ
እቲ ምቕናይ ንኣብነት ኣብ መጠን ናይቲ እትረኽቦ ማሕበራዊ ደገፍ ማለት ኣውትኬሪንግ ወይ ኣብ እትረኽቦ ኣበላት ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ኣብ እትፍርመሉ እዋን ነዚ ዝምልከት ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ድማ TakeCareBnb ወይ COA ክድግፉኻ ይኽእሉ እዮም።
ኣብዚ ታሕቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡
ኣብ ልዕሊ ናትካ AOW ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
መንግስታዊ ጡረታ (AOW) ትቕበል ምስ እትኸውን፣ ሓደ ሰብ ምሳኻ ዝቕንይ እንተድኣ ኮይኑ ክንክይ ይኽእል እዩ። ናትካ AOW ከይንክይ ንምክልኻል ድማ እቲ ሰብ ምሳኻ ክቕንይ ቅድሚ ምግዓዙ ምስ
እቲ ጋሻ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ድዩ ዝጸንሕ? ስለዚ እተን 6 ኣዋርሕ ቅድሚ ምሕላፈን ንSVB ሓብር።
ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ደገፍካ ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ማሕበራዊ ደገፍ ኣውትኬሪንግ ትቕበል ምስ እትኸውን፣ ሓደ ሰብ ምሳኻ ንኽቕንይ ምስ ዝመጽእ ክጎድል ይኽእል እዩ። እዚ ንTakecarebnb ኣይምልከትን እዩ። ግን ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እዚ ዝተፈላለየ ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ስምምዓት ግበር፣ ነዞም ስምምዓት ድማ ብጽሑፍ ኣቐምጦም።
ኣብ ልዕሊ ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታትን ቀረጻትን ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ሓደ ሰብ ምሳኻ ክቕንይ ምስ ዝመጽእ፣ ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታትን ቀረጻትን ክውስኹ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ግብሪ ጎሓፍን ግብሪ በዓል-መዚ ማይን። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝኸውን በይንኻ ትነብር ምስ እትኸውን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንንኣሽቱ መጠን ገንዘብ ዝምልከት ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓመት ሒደት ዓሰርተታት ኤውሮ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ንምምሕዳር ከተማኻ ሕተት። እዚ ምስ ዘጋጥም፣ ሓደ ሰብ ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ ምሳኻ ዝነብር ብምዃኑ ነዚ ክትከፍሎ ዘይብልካ እንተኾነ ንምምሕዳር ከተማ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ዘይሰልጥ ድማ ብፊናንሳዊ መዳይ ሓገዝ ክገብር ዝኽእል እንተኾነ ምስ ጋሻኻ ተመያየጥ።
ኣብ ልዕሊ ኣበላትካ ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ከም ኣበል ክራይ ወይ ኣበል ጥዕና ዝኣመሰሉ ኣበላት ንምርካብ መሰል ምስ ዝህልወካ፣ እቲ ጋሻኻ ከም መጻምድትኻ እንተተራእዩ ክቕነሱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ናይ ኣበል መጻምድቲ እውን ይበሃል እዩ። እንተኾነ ግን (እንተወሓደ) 1 ካብዚኦም ኣበሃህላታት ሓቂ ምስ ዝኸውን ጋሻኻ ናይ ኣበል መጻምድቲ ኣይኮነን፡
በዓልቲ-ቤት ወይ ምዝግብቲ መጻምድቲ ኣላትካ።
ጋሻኻ በዓልቲ-ቤት ወይ ምዝግብቲ መጻምድቲ ኣላቶ፣ ነዚ ድማ ከረጋግጽ ይኽእል እዩ።
ንስኻን ጋሻኻን ካብ ነንሓድሕድኩም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት የብልኩምን።
ክልተኹም ንጽል ምስ እትኾኑን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ገዛ ዝነብሩ ቆልዑት እንተዘይሃልዮምን፣ ጋሻኻ ናይ ኣበል መጻምድቲ ኣይኮነን። ትጠራጠር ዲኻ? ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣበል ክራይ
ዝቕንይ ጋሻ ምስ ዝህልወካ፣ እዚ ኣብ መጠን ናይቲ ኣበል ክራይ እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሓባር ዘለኩም ኣታዊ ዝምርኮስ እዩ። ጋሻኻ ኣይሰርሕን ድዩ፣ ወይ ጋሻኻ ካብ COA ገንዘብ ጥራይ ድዩ ዝረክብ? ስለዚ እዚ ንእትረኽቦ ኣበል ክራይ ኣይጸልዎን እዩ።
ዝቕንይ ጋሻኻ ስራሕ ኣለዎ ድዩ? ስለዚ እዚ ኣብ ኣበል ክራይ ገዛኻ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብሓባር ኣብ እትረኽብዎ መጠን ገንዘብ ዝምርኮስ እዩ። ነዚ ብመንገዲ
'Mijn toeslagen'
ነቲ ምቕናይ ከተናውሕዎ ትኽእሉ ኢኹም
ጋሻኻ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ገና ናይ ባዕሉ ገዛ ኣይረኸበን ድዩ? እቲ ምቕናይ ድማ ተሰማሚዕኩም ድዩ? ጋሻኻ ምሳኻ ነዊሕ ክጸንሕ ዝፍቀደሉ እንተኾነ ንCOA ክሓትት ይኽእል እዩ።
ከምኡ ኣይትደልዩን ዲኹም? ስለዚ ጋሻኻ ዳግማይ ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ቦታ ክወሃቦ እዩ።
ጋሻኻ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተዋሂቡ ድዩ? ስለዚ እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ደው ይብል።