• ጀምር
  • ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንዝመጽእ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ከም ዝቕንይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
ምንጪ፡ Pexels / Askar Abayev

ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንዝመጽእ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ከም ዝቕንይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 30/1/2024 4:42 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛን ተወሳኺ ተረፍ ክፍልን ኣለካ ድዩ? ሕጂ ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ንዝነብር ሰብ ምሳኻ ንኽቕንይ ክትፈቅደሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ መዕቆቢ ዝጸንሕ ምሳኻ ክቕንይ ይኽእል እዩ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድን ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገዛን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ንሓደ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከተ ወይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ብመንገዲ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ወይ Stichting TakeCareBnb ን3 ኣዋርሕ ንግዚኡ ምሳኻ ንኽቕንይ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብኸምዚ መንገዲ ድማ እቲ ምሳኻ ንኽቕንይ ዝመጽእ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ መዕቆቢ ዝጸንሕ ንገለ እዋን ምስ ስድራ ክነብር ይኽእል። እቲ ሰብ ን3 ኣዋርሕ ብኣካል ናብ COA ቀሪቡ ምሕባር እውን ኣየድልዮን። 

ሓደ ሰብ ምሳኻ ንኽቕንይ 2 ኣገባባት ኣለዉ፡

1. ዑቕባ ዝሓተተ እትፈልጦ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ከም ዝቕንይ ክትገብር ትኽእል

ኣብ AZC ዝቕመጥ ሰብ ትፈልጥ ዲኻ፣ ንግዚኡ ክትቅበሎ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ከምኡ ይከኣል እዩ። COA ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት ምስ ኣዕሩኽቶም ወይ ቤተሰቦም ን3 ኣዋርሕ ንኽቕንዩ ዘኽእሎም 'ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ' ኣለዎ። እትፈልጦ ሰብ ወይ ቤተሰብካ ነዚ ብመንገዲ ኣብ COA ዝርከብ ኮንታክትፐርሶኑ ከዋድዶ ይኽእል እዩ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ በዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ሊንክ ኣንብብ።

2. መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎ ዘይትፈልጦ ሰብ ንግዚኡ ምሳኻ ንኽቕንይ ክትፈቕደሉ ትኽእል

ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትቅበል ትደልይ ዲኻ? ብመንገዲ TakeCarebnb ነቶም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኮይኖም ናይ ገዛእ-ርእሶም ገዛ ንምርካብ ንዝጽበዩ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣአንጋዲ ስድራ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ TakeCareBnb ትምዝገብ። ብድሕሪኡ ምስ ሓደ ናይ TakeCarebnb ሰብ ዝርርብ ትገብር። 

TakeCareBnb ምሳኻ ብጽቡቕ ዝሰማማዕ ዝቕንይ ሰብ ክደልይ እዩ። ንስኻን ጋሻኻን ትሳነዩ ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን ንምርኣይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድሕሪ ዝግበር ናይ ፈተነ ግዜ ድማ ን3 ኣዋርሕ ብሓባር ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ካብ TakeCareBnb ዝሕግዘካ ሰብ ኸኣ ኣብተን 3 ኣዋርሕ ናትካ ኮንታክትፐርሶን ኮይኑ ክቕጽልን፣ ካባኻን ካብ ጋሻኻን ንዝመጽኡ ሕቶታት ክምልስን እዩ።

እቲ ምቕናይ ኣብ ውሽጢ እተን 3 ኣዋርሕ ኣይተሰማማዓካን ድዩ? ስለዚ TakeCareBnb ንጋሻኻ ካልእ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክደልየሉ ይኽእል ይኸውን እዩ። ስለዚ ኣብ TakeCareBnb ምስ ዝርከብ ኮንታክፐርሶንካ ርክብ ግበር።

ንስኻን ጋሻኻን ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርሙ

ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትከውን ከም እትደልይ ወሲንካ ዲኻ፣ ጋሻ ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርሙ። እዚ ውዕል ብዛዕባ ንውሓት ናይቲ ናይ ምቕናይ ግዜን፣ ብዛዕባ እዚ እንታይ ስምምዓት ከም ዝገበርኩምን ዝምልከት ስምምዓት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ድሕሪ ምጅማሩ፣ እቲ ጋሻኻ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኣብ ኣድራሻኻ ክምዝገብ ኣለዎ።

ዝቕንይ ሰብ ምቕባል ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ

እቲ ምቕናይ ንኣብነት ኣብ መጠን ናይቲ እትረኽቦ ማሕበራዊ ደገፍ ማለት ኣውትኬሪንግ ወይ ኣብ እትረኽቦ ኣበላት ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ኣብ እትፍርመሉ እዋን ነዚ ዝምልከት ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ድማ TakeCareBnb ወይ COA ክድግፉኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዚ ታሕቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡

ኣብ ልዕሊ ናትካ AOW ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ደገፍካ ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ኣብ ልዕሊ ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታትን ቀረጻትን ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት
ኣብ ልዕሊ ኣበላትካ ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣበል ክራይ

ዝቕንይ ጋሻ ምስ ዝህልወካ፣ እዚ ኣብ መጠን ናይቲ ኣበል ክራይ እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሓባር ዘለኩም ኣታዊ ዝምርኮስ እዩ። ጋሻኻ ኣይሰርሕን ድዩ፣ ወይ ጋሻኻ ካብ COA ገንዘብ ጥራይ ድዩ ዝረክብ? ስለዚ እዚ ንእትረኽቦ ኣበል ክራይ ኣይጸልዎን እዩ።

ዝቕንይ ጋሻኻ ስራሕ ኣለዎ ድዩ? ስለዚ እዚ ኣብ ኣበል ክራይ ገዛኻ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብሓባር ኣብ እትረኽብዎ መጠን ገንዘብ ዝምርኮስ እዩ። ነዚ ብመንገዲ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
በዓል-መዚ ግብሪ
ክትቅምሮ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ካብ TakeCareBnB ወይ COA ደገፍ ክትሓት ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ምቕናይ ከተናውሕዎ ትኽእሉ ኢኹም

ጋሻኻ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ገና ናይ ባዕሉ ገዛ ኣይረኸበን ድዩ? እቲ ምቕናይ ድማ ተሰማሚዕኩም ድዩ? ጋሻኻ ምሳኻ ነዊሕ ክጸንሕ ዝፍቀደሉ እንተኾነ ንCOA ክሓትት ይኽእል እዩ።

ከምኡ ኣይትደልዩን ዲኹም? ስለዚ ጋሻኻ ዳግማይ ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ቦታ ክወሃቦ እዩ።

ጋሻኻ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተዋሂቡ ድዩ? ስለዚ እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ደው ይብል።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?