• ጀምር
  • መመልከቲ ግብሪኻ እተቕርበሉ ግዜ
ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ዝመጸት ሰማያዊት ፖስታ ኣብ ጠረጴዛ ተጋዲማ።
ምንጪ፡ DennisM2 / Flickr

መመልከቲ ግብሪኻ እተቕርበሉ ግዜ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 7/3/2024 3:26 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መመልከቲ ኣታዊ ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ገንዘብ ከምዝረኸብካ ወይ ከምዝተቐበልካ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ።

ቅድሚ 14 ሓምለ መመልከቲ ግብሪ ኣቕርብ

ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 1 መጋቢት ጀሚርካ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ድማ ​​ካብ ስራሕካ ክንደይ ገንዘብ ከምዝረኸብካ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ንበዓል-መዚ ግብሪ
ትሕብር ማለት እዩ። ሕጂ ናይ ዓመተ 2023 መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ቅድሚ 14 ሓምለ 2024 ክትገብሮ ኣለካ፣ እንተዘይኮይኑ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ኣይሰራሕካን ዲኻ፣ ግን ድማ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ሽዕኡ እውን መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። ዋላ ካብ መንግስቲ ማሕበራዊ ጥቕሚ ትቕበል እንተኾንካ እውን ክንደይ ገንዘብ ከም ዝረኸብካ ክትሕብር ኣለካ።

ሓደ ሓደ ግዜ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ገንዘብ ይምለሰልካ

መመልከቲ ግብሪ ምስ ኣቕረብካ በዓል-መዚ ግብሪ ንመንግስቲ ኔዘርላንድ እኹል ግብሪ ዝኸፈልካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይቕምር። መመልከቲ ግብሪ ድሕሪ ምምላእካ ብልክዕ እኹል ግብሪ ዝኸፈልካ፣ ወይ ገንዘብ ክትከፍል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

መመልከቲ ግብሪ ድሕሪ ምቕራብካ፣ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ወግዓዊ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ገንዘብ ክምለሰልካ ወይ ገንዘብ ክትከፍል ዘለካ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። ቅድሚ ኣየናይ ዕለት ነዚ ክትገብሮ ከምዘለካ እውን።

ንመመልከቲ ግብሪ እዚኦም ሓበሬታታት የድልዩኻ

መመልከቲ ግብሪ ብኢንተርነት ኢኻ እተቕርቦ። ናብዚ ገጽ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ እተው። እዚ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ብእንግሊዝ ክግበር ይከኣል እዩ። መመልከቲ ግብሪ ንምቕራብ ገለ ሓበሬታታት የድልዩኻ እዮም፡

  • ናትካ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    DigiD

  • ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ ኣታዊታትካ፣ እዚ ‘jaaropgave’ ይበሃል።

  • ሓፈሻዊ መግለጺ ናይቶም ካብ ግብሪ ተቐነስቲ። እዚኦም ውሑድ ግብሪ ክትከፍል ምእንቲ ካብ ኣታዊኻ ክትቕንሶም እትኽእል ወጻኢታት እዮም። እዚኦም ንኣብነት ንክንክን ጥዕና ወይ ንእትውንኖ ገዛ ዝገበርካዮም ወጻኢታት እዮም።

መመልከቲ ግብሪ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

መብዛሕትኡ ግዜ በዓል-መዚ ግብሪ ድሮ ኣቐዲሙ ንሓበሬታታትካ ብኢንተርነት ይመልኦም እዩ። ብድሕሪኡ ብኢንተርነት ኣቲኻ ንሓበሬታታትካ ምቚጽጻር ጥራይ እዩ ዘድልየካ። መመልከቲ ግብሪ ንምምላእ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ስለዚ መመልከቲ ግብሪ ንምምላእ መን ክሕግዘካ ከምዝኽእል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?