• ጀምር
  • ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ 31 መጋቢት 2024 ይጅምር
ብድቃስ ዝባዕገገት ሰበይቲ ድቃሳ ንኽትቅጽል ኣላርም ተጥፍኣ
ምንጪ፡ Pexels: Pnw Production

ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ 31 መጋቢት 2024 ይጅምር

ዝተሓትመሉ ኣብ: 11/3/2024 9:24 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ቀዳም 30 መጋቢት ናብ ሰንበት 31 መጋቢት ዘውግሕ ለይቲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግዜ 1 ሰዓት ንቕድሚት ክዘልል እዩ። ነዚ ናይ ክረምቲ ግዜ ኢልና ንጽውዖ። እዚ ዝኸውን ሰዓት 2 ናይ ለይቲ እዩ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ግዜ ኣብ ዓመት 2 ሳዕ ይቕየር

ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 1977 ጀሚርና ናይ ክረምትን ሓጋይን ግዜ ኢና እንጥቀም። ልክዕ ከም መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ። እዚ ማለት ንኣቖጻጽራ ግዜ ኣብ ዓመት 2 ሳዕ ነስተኻኽሎ ማለት እዩ። ኣብ ጽድያ ኣቖጻጽራ ሰዓት፣ 1 ሰዓት ንቕድሚት ይዘልል። ኣብ ቀውዒ ድማ 1 ሰዓት ንድሕሪት፣ ናብቲ መበቆላዊ ኣቖጻጽራ ግዜ ይመለስ።

ናይ ክረምቲ ግዜ ምስ ጀመረ ባዕልኻ ንሰዓትካ ንቕድሚት ከተሕልፋ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስማርትፎንካን ላፕቶፕካን ዝርከብ ግዜ ግን ምስ ኢንተርነት ዝተራኸበ ምስ ዝኸውን ብኣውቶማቲክ ክቕየር እዩ።

ናይ ክረምቲ ግዜ ጸዓት ንምቑጣብ ዝዓለመ እዩ

ናይ ክረምቲ ግዜ፣ ኤሌክትሪክ ንምቑጣብ ዝተማህዘ እዩ። ኣብ እዋን ክረምቲ፣ ብዘይ ናይ ክረምቲ ግዜ ንግሆ ሰዓት 04፡30 ድሮ ወጊሑ ብርሃን እዩ ዝኸውን፣ ግን ድማ ሽዕኡ ኩሉ ሰብ ገና ኣብ ድቃስ እዩ ዝርከብ። ሰዓት ንቕድሚት ብምቕያር ኸኣ ካብ ድቃስ ትንስእ ምስ በልና ብርሃን ንረክብ። ምሸት እውን ካብ ንቡር ዝያዳ 1 ሰዓት ብርሃን ኣሎ። እዚ ድማ ብዙሕ ጸዓት ይቑጥብ፣ ምኽንያቱ ንነዊሕ ግዜ ኣምፑላት ክትውልዕ ዘየድልየካ ስለዝኾነ።

ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ ጥቅምቲ ይውዳእ

ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2024 እዩ ዝውዳእ። ብድሕሪኡ ናብ ናይ ሓጋይ ግዜ ንመለስ። ሽዕኡ ኣቖጻጽራ ግዜ እንደገና 1 ሰዓት ንድሕሪት ይምለስ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?