• ጀምር
  • ኣብ ኔዘርላንድ ኣበዓዕላ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን
ቆልዑት እንቋቑሖታት ፋሲካ ይደልዩ
ምንጪ፡ Shutterstock / Monkey Business Images

ኣብ ኔዘርላንድ ኣበዓዕላ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን

ዝተሓትመሉ ኣብ: 22/3/2024 3:11 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ህዝባዊ በዓላት እዮም። እዚ ዓመት ዓርቢ ስቕለት ኣብ 29 መጋቢት 2024፣ ፋሲካ ድማ ኣብ 31 መጋቢትን 1 ሚያዝያን 2024 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ።

ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ብባህሊ በዓላት ክርስትና እዮም

ዓርቢ ስቕለት ኣመንቲ ክርስትና ኢየሱስ ንዝተሰቕለላ መዓልቲ ዝዝክሩላ እያ። ንኣመንቲ ክርስትና እዛ መዓልቲ እዚኣ ኢየሱስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝኸፈሎ መስዋእቲ እትውክል እያ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ብሞቱ ንዕዳ ሓጢኣት ደቂ ሰባት ከፊልዎ።

ኣብ እዋን ፋሲካ ኣመንቲ ክርስትና ንትንሳኤ ኢየሱስ ካብ ሞት የብዕሉ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ድሕሪ ስቕለቱ ኣብታ ሰንበት እዩ ካብ ሞት ተንሲኡ። ኣብ ክልቲኡ በዓላት ድማ ፍሉይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣሎ።

ኣብ ኔዘርላንድ ብመሰረት

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ስታቲስቲክስ (CBS)
ልዕሊ 57 ሚእታዊት ሃይማኖታውያን ኣይኮኑን። ኮይኑ ግን ኣመንቲ ክርስትና ዘይኮኑ ኔዘርላንዳውያን እውን ንበዓል ፋሲካ ኣቓልቦ ይህብዎ እዮም። ስለዚ ሽዕኡ ንምጅማር ጽድያ የብዕሉ።

ኣብ እዋን ፋሲካ ብዙሓት ድኳናት ዕጹዋት እዮም

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ቀዳማይ ፋሲካ (ኩሉ ግዜ ኣብ ሰንበት እትውዕል) ብዙሓት ድኳናት ዕጹዋት እዮም። ኣብ ካልኣይ ፋሲካን (ኩሉ ግዜ ኣብ ሶኑይ እትውዕል) ዓርቢ ስቕለትን ግን ብዙሓት ድኳናት ክፉታት እዮም፣ ኮይኑ ግን ገሊኦም ድኳናት ናይ ስራሕ ሰዓታቶም የስተኻኽልዎ እዮም።

ዝበዝሑ ሰባት ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ይረኽቡ

ኣብ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ይረኽቡ። ኩሉ ሰብ ግን ነጻ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ክንክን ጥዕና ወይ ኣብ ጽላት እንግዶት ትሰርሕ ምስ እትኸውን መብዛሕትኡ ግዜ ክትሰርሕ ኣለካ። ብዘይካ ባዕልኻ ንኣስራሒኻ ዕረፍቲ ምስ እትሓትትን ሕቶኻ ምስ ዝጸድቕን።

ኣበዓዕላ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ኣብ ኔዘርላንድ

ኔዘርላንዳውያን 2 መዓልታት ፋሲካ ብዝተፈላለየ ኣገባባት የብዕሉ። ገሊኦም ንፍሉይ ቅዳሴ ፋሲካ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ይኸዱ፣ ገሊኦም ድማ ምስ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን የሕልፍዎ። ኣብ በዓል ፋሲካ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ቁርሲ ይበልዑ፣ እዚ ግን ጽንባረ ቁርስን ምሳሕን ወይ ድራር ክኸውን እውን ይኽእል እዩ። ከም ዕዳጋታት ፋሲካ፣ ሓዊ ፋሲካን ምርኢታዊ ሰልፊታትን ዝኣመሰሉ ፍጻመታት እውን ይውደቡ እዮም።

ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ኣብ በዓል ፋሲካ እንቋቑሖታት ኣብ ጀርዲን ወይ ኣብ ደገ ኣብ ካልእ ቦታ ይሓብኡ። እዚ ንማንቲለ ፋሲካ ዝምልከት ባህሊ እዩ። እዚኣ ዝተማህዘት ማንቲለ ኮይና ኣብ እዋን ጽድያ ንቆልዑት ዝኸውን እንቋቑሖታት እትሓብእ እያ። ኣብ ሓቀኛ ህይወት ግን ወለዲ እዮም ንቆልዑት ዝኸውን ናይ ደርሁት እንቋቑሖታትን ናይ ቸኮላታ እንቋቑሖታት ፋሲካን ዝሓብኡ። ብድሕሪኡ እቶም ቆልዑት ነዞም እንቋቑሖታት ክረኽብዎም ኣለዎም። ቆልዑት እውን ንበዓል ፋሲካ ዝኸውን እንቋቑሖታት ብዝተፈላለየ ሕብሪ ይቀብኡ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እውን ይግበር እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?