• ጀምር
  • ካብ የመን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ካብ ሕጂ ንደሓር መስርሕ ዑቕባ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እዩ
ጽድያ ዓረብ፣ ኣንጻር እቲ ብልሹው ዝኾነ መንግስቲ የመን ጎነጻውን ዘይጎነጻውን ሰልፍታትን ተቓውሞታትን ኣስዒቡ። ብሰባት ዝመልኡ ጎደናታት ኣብ ሰንዓ፣ ርእሰ ከተማ ናይ የመን።
ምንጪ፡ Shutterstock, ymphotos

ካብ የመን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ካብ ሕጂ ንደሓር መስርሕ ዑቕባ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 26/3/2024 8:50 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ የመን ዲኻ ሃዲምካ? ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም ናይ ካልኦት ዜጋታት ሓደ ዓይነት መስርሕ ዑቕባ ኢኻ እትኽተል። ኣቀዲሙ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ካብ የመን ናይ ዝመጽኡ ሰባት ሕቶታት ዑቕባ ብዝቐልጠፈን ብዝተፈለየ ኣገባብን የመስርሕ ነይሩ። ካብ የመን እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ፣ IND ሕጂ ንሕቶ ዑቕባኻ ብኸመይ ከም ዝግምግሞ ኣብዚ ኣንብብ።

ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ግን ዝያዳ ክትገልጽ ኣለካ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ኣብ የመን ዝርከብ ኩነታት ንዝተወሰኑ ጉጅለታት ሰባት ገና ውሑስ ከምዘይኮነ ይኣምን እዩ፣ ስለዚ ካብ የመን ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንኽትረክብ ዕድል ኣሎ። ይኹን እምበር IND ንመመልከቲ ዑቕባኻ ብዝተፈልየ ኣገባብ እዩ ክግምግሞ። እዞም 2 ነገራት ድማ ክቕየሩ እዮም፡

  • መጀመርታ IND ካብ የመን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ዝቐልጠፈ ውሳኔ ይወስድ ነይሩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ንሕቶ ዑቕባኻ ከም ናይ ኩሎም ካልኦት ዜጋታት ማዕረ ቅልጣፈ ብዘለዎ እዮም ዝግምግምዎ።

  • IND ኣብ መጀመርታ ኣብ የመን ዝፍጸም ዓመጽ ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ፣ ኩሉ ካብ የመን ዝመጽአ ሰብ ብኣውቶማቲክ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክረክብ መሰል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነይሩ። ስለዚ ውልቃዊ ኩነታትካ ክትገልጽ ኣየድልየካን ነይሩ። IND ሕጂ እውን ካብ የመን ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ፣ ግን ድማ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ሓደጋ ከምዘየጋጥሞ ይኣምን እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ኣብ የመን ዝያዳ ክትገልጽ ክትግደድ ኢኻ።

IND ካብ የመን ዝመጽኡ ሰባት ዑቕባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ነዚኦም ነገራት ኣቓልቦ ክህቦም እዩ

IND ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ዝግምግመሉ እዋን ሕጂ እውን ንኩነታት ኲናት የመን ኣቓልቦ ክህቦ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ምናልባት ኣብ ተወሳኺ ብዙሕ ሓደጋ ክትወድቀሉ እትኽእል ውልቃዊ ምኽንያታት እውን ኣቓልቦ ክህብዎም እዮም። ንኣብነት ምናልባት ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል፡

  • ኣካላዊ ስንክልና ስለ ዘለካ

  • ኣብ የመን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዘእተወካ ሞያ ስለ ዝነበረካ

  • ኣዚኻ ንእሽተይ ወይ ኣዚኻ ሽማግለ ስለ ዝኾንካ

  • ኣባል ኣብ ሓደጋ ናይ ዝርከብ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ። ንኣብነት ኣብ የመን ጋዜጠኛ፣ ኣክቲቪስት ወይ ተቓዋሚ መንግስቲ ስለ ዝነበርካ። ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ብሄር፣ ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዉሑዳን ጉጅለ ስለ ዝነበርካ፣ ንኣብነት

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    LHBTQIA+
    ስለ ዝኾንካ።

ድሮ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ፣ እዚ ብቚዕ ኮይኑ ይቕጽል

ካብ የመን ዲኻ ሃዲምካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ?  ስለዚ ነዚ ፍቓድ ሒዝካ ክትቕጽል ኢኻ፣ ከምኡ እውን IND ንመመልከቲ ዑቕባኻ ዳግማይ ኣይግምግሞን እዩ።

ሕጂ እውን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ 

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ካብ የመን ምስ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ክትጥርነፍ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ሕጂ እውን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቶም ድሮ ብIND ዝምስርሑ ዘለዉ መመልከቲታት እውን እናተመስርሑ ክቕጽሉ እዮም።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?