• ጀምር
  • ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ናብ DUO ክትመልስ ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ምንጪ፡ Shutterstock / Fizkes

ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ናብ DUO ክትመልስ ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 11/4/2024 8:35 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንመወሃሃዲኻ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO) ተለቂሕካ ዲኻ? ስለዚ ንግዚኡ ነዚ ልቓሕ ክትመልሶ ኣየድልየካን እዩ። ድሮ ልቓሕካ ኣብ ምኽፋል እትርከብ ምስ እትኸውን ድማ DUO ካብ ሕጂ ንደሓር ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ኣይክቖርጽን እዩ።

ንግዚኡ ልቓሕካ ወይ መቕጻዕቲ ክትመልስ ዘይትግደድ ምስ እትኸውን ካብ DUO ደብዳቤ ክመጸካ እዩ

ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ዲኻ ምውህሃድ ጀሚርካ? ስለዚ ምናልባት ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DUO
ደብዳቤ መጺኡካ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ምውህሃድካ ኣብ ግዚኡ ስለዘይወዳእካዮ ክትልቕሖ ብዛዕባ ዝግበኣካ ዝነበረ ገንዘብ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ንግዚኡ ነዚ ልቓሕ ክትመልሶ ከምዘይትግደድ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ብዛዕባ ልቓሕካ ሓድሽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ፡

  1. ብዕለት 15 መጋቢት 2023 ወይ ድሕሪኡ ብዛዕባ መቕጻዕቲ ዝምልከት ውሳኔ ዝሓዘ ደብዳቤ ካብ DUO ተቐቢልካ ዝነበርካ ምስ እትኸውን። እዚ መቕጻዕቲ ገና ተፈጻምነት ኣለዎ፣ እንተኾነ ግን ገና ነቲ መቕጻዕቲ ክትመልሶ ኣይትግደድን ኢኻ።

  2. ብዕለት 15 መጋቢት 2023 ወይ ድሕሪኡ ንልቓሕ ዝምልከት ውሳኔ ዝሓዘ ደብዳቤ ካብ DUO ተቐቢልካ ዝነበርካ ምስ እትኸውን። እዚ ልቓሕ ገና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፣ እንተኾነ ግን ገና ነቲ ልቓሕ ክትመልሶ ኣይትግደድን ኢኻ።

  3. ካብ DUO "መረጋገጺ ውሳኔ" ዝሓዘ ደብዳቤ ተቐቢልካን፣ ኣብ ዕለት 15 መጋቢት 2023 ወይ ድሕሪኡ ተቓውሞ ከተቕርብ እትኽእልን ዝነበርካ ምስ እትኸውን። ሕጂ እውን ገና ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

DUO ነቲ ዘለቕሖ ገንዘብ ከምልሶ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኤውሮጳዊ ዳኛ ይውስን

DUO ነቲ ዘለቕሖ ገንዘብ ከምልሶ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ገና ንጹር ኣይኮነን። ምናልባት ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳ ዘይፍቐደሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ ዝኾነ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ምኽሪ ሃገር
ነዚ ብዝምልከት ውሳኔ ንክህብ ንዳኛ ቤት-ፍርዲ ኤውሮጳ ሓቲቱ ኣሎ።

DUO ንግዚኡ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ኣይክቖርጽን እዩ

ስለዚ ድማ እዩ ኣብዚ እዋን እዚ DUO ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ምቚራጽ ደው ዘብል። ንግዚኡ ድማ ዋላ ሓንቲ ክትመልስ ኣየድልየካን እዩ፣ እንተወሓደ ካብ ቤት-ፍርዲ ኤውሮጳ ንጹርነት ክሳብ ዝርከብ። DUO ናይቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ክትመልሶ ዝነበርካ ገንዘብ እውን ዝኾነ ወለድ ኣይሓትትን እዩ።

ቤት-ፍርዲ ኤውሮጳ ውሳኔ ሂቡ ድዩ? ምናልባት ዳኛ፣ DUO ነቲ ዘለቕሖ ገንዘብ ከምልሶ ከም ዝፍቀደሉ ክውስን ይኽእል እዩ። ወይ እቲ ዳኛ እዚ ከም ዘይፍቀድ እውን ክውስን ይኽእል። ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። ስለዚ ሽዕኡ ካብ DUO ካልእ ደብዳቤ ክትቅበል ኢኻ። ኣብኡ ድማ እቲ ሓድሽ ኩነታት እንታይ ምዃኑን፣ እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑን ተገሊጹ ክትረኽቦ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ብይን ድሒርካ ኣብ RefugeeHelp ከተንብብ እውን ትኽእል ኢኻ።

ድሒርካ ምውህሃድ ዝጀመርካ ምስ እትኸውን እዚ መልእኽቲ ኣይምልከተካን እዩ

ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ዲኻ ምውህሃድ ጀሚርካ? ስለዚ ኣብ ትሕቲ ካልእ ሕጊ ኢኻ እትምደብ። እዚ ድማ ሕጊ ምውህሃድ 2021 እዩ። ስለዚ ምምሕዳር ከተማ እዩ ንምውህሃድካ ዝኸፍሎ። እዚ መልእኽቲ ንዓኻ ኣይምልከትን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?