
ክራይ ገዛኻ ብሰንኪ ዓመታዊ ዝግበር ወሰኽ ክራይ ምናልባት ክውስኽ ይኽእል እዩ
ኣካረይቲ እንደገና ዋጋ ክራይ ክውስኽሉ ዝፍቀደሎም ግዜ ዳርጋ ቀሪቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ ክራይ ገዛኻ እውን ካብ 1 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ምናልባት ዝውስኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ብዛዕብኡ ገለ ክትገብሮ እትኽእል እንተሎን ኣብዚ ኣንብብ።
ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣
ነዚ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣካራዪኻ ደብዳቤ ትቕበል ኢኻ። ኣካረይቲ ማሕበራዊ ኣባይቲ ብዛዕባ እዚ እንተወሓደ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ብደብዳቤ ከፍልጡ ኣለዎም። ኣካረይቲ
ኣካራዪኻ ነቲ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ዝምልከት ሕግታት ከኽብር ኣለዎ
ሓደ ኣካራዪ ነቲ ክራይ ገዛ ከም ዝደለዮ ኣዝዩ ልዑል ክገብሮ ኣይፍቀደሉን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝተገብሩ ሕጋዊ ስምምዓት ድማ ኣለዉ። ሓደ ኣካራዪ ከከም ዓይነት ገዛን ዋጋ ክራይን፣ ነቲ ዝፍቀድ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ኣብ ግምት ከእቱው ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ፣ ኣብ ውልቃዊ ጽላት ካብ ዝካረዩ ኣባይቲ ዝተፈልየ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎ። ብተወሳኺ ምሉእ ገዛ ክትካረይ እንከለኻ፣ ካብቲ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ክትካረይ እንከለኻ ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግታት ዝተፈልየ እዩ።
ሃገራዊ መንግስቲ፡ ኣብ 2024 ዝለዓለ-ገደብ ወሰኽ ክራይ ክንደይ እዩ?
ኣካራዪ ናይ ገዛኻ ክሓቶ ዝኽእል ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ኣሎ
ንገዛኻ ክትከፍሎ ዘለካ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ብሕጊ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ድማ በዚ ናይ
እቲ መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck"፣ ከም ስፍሓት መሬትን ኩነት ጽገናን ንዝኣመሰሉ መለለይታትን መሳለጥያታትን ናይ ገዛኻ ብመሰረት ነጥብታት ይግምግም። እዞም ነጥብታት ድማ እቲ ዋጋ ክራይ ክሳብ ክንደይ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ይውስኑ።
ምቚጽጻር ክራይ "Huurprijscheck" ግበር
ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ
ኣካራዪ ንሕግታት ወሰኽ ክራይ ምስ ዘየኽብር ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኣንጻር እቲ ወሰኽ ብኸመይ ተቓውሞ ከተቕርብ ከም እትኽእል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብዛዕባ ወሰኽ ክራይካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።
ብመሰረት ሕጊ፣ ብዝኾነ ናይ ቀደም ክራይ ገዛኻ ምኽፋል ክትቅጽል ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ከም ተኻራያይ ዘለካ መሰል ትስእን ስለዝኾንካ። ክራይ ምስ ዘይትኸፍል፣ እቲ ኣካራዪ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ውዕልካ ንምስራዝ መስርሕ ክጅምር ይኽእል እዩ። ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ተቓውሞ ከም እተቕርብ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡