ምንጪ፡ Shutterstock / I Wei Huang
ዜና

ክራይ ገዛኻ ብሰንኪ ዓመታዊ ዝግበር ወሰኽ ክራይ ምናልባት ክውስኽ ይኽእል እዩ

ዝተሓትመሉ ዕለት: 6/19/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣካረይቲ እንደገና ዋጋ ክራይ ክውስኽሉ ዝፍቀደሎም ግዜ ዳርጋ ቀሪቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ ክራይ ገዛኻ እውን ካብ 1 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ምናልባት ዝውስኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ብዛዕብኡ ገለ ክትገብሮ እትኽእል እንተሎን ኣብዚ ኣንብብ።

ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣

ካልኦት ኣካረይቲን ነፍስወከፍ ዓመት ናይ ዘካርይዎም ኣባይቲ ዋጋ ክውስኽሉ ይፍቀደሎም እዩ።

ነዚ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣካራዪኻ ደብዳቤ ትቕበል ኢኻ። ኣካረይቲ ማሕበራዊ ኣባይቲ ብዛዕባ እዚ እንተወሓደ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ብደብዳቤ ከፍልጡ ኣለዎም። ኣካረይቲ

ብጽሑፍ ከዘኻኽሩኻ ኣይግደዱን እዮም፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ከምኡ ይገብሩ እዮም።

ኣካራዪኻ ነቲ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ዝምልከት ሕግታት ከኽብር ኣለዎ

ሓደ ኣካራዪ ነቲ ክራይ ገዛ ከም ዝደለዮ ኣዝዩ ልዑል ክገብሮ ኣይፍቀደሉን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝተገብሩ ሕጋዊ ስምምዓት ድማ ኣለዉ። ሓደ ኣካራዪ ከከም ዓይነት ገዛን ዋጋ ክራይን፣ ነቲ ዝፍቀድ ናይ ወሰኽ ዝለዓለ-ገደብ ኣብ ግምት ከእቱው ኣለዎ።

ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ፣ ኣብ ውልቃዊ ጽላት ካብ ዝካረዩ ኣባይቲ ዝተፈልየ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎ። ብተወሳኺ ምሉእ ገዛ ክትካረይ እንከለኻ፣ ካብቲ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ክትካረይ እንከለኻ ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግታት ዝተፈልየ እዩ።

ኣካራዪ ናይ ገዛኻ ክሓቶ ዝኽእል ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ኣሎ

ንገዛኻ ክትከፍሎ ዘለካ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ብሕጊ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ ዝለዓለ-ገደብ ዋጋ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ድማ በዚ ናይ

መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck" ክትቅምሮ ትኽእል ኢኻ።

 እቲ መቖጻጸሪ ክራይ "Huurprijscheck"፣ ከም ስፍሓት መሬትን ኩነት ጽገናን ንዝኣመሰሉ መለለይታትን መሳለጥያታትን ናይ ገዛኻ ብመሰረት ነጥብታት ይግምግም። እዞም ነጥብታት ድማ እቲ ዋጋ ክራይ ክሳብ ክንደይ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ይውስኑ።

ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ 

ኣካራዪ ንሕግታት ወሰኽ ክራይ ምስ ዘየኽብር ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኣንጻር እቲ ወሰኽ ብኸመይ ተቓውሞ ከተቕርብ ከም እትኽእል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብዛዕባ ወሰኽ ክራይካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።

ብመሰረት ሕጊ፣ ብዝኾነ ናይ ቀደም ክራይ ገዛኻ ምኽፋል ክትቅጽል ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ከም ተኻራያይ ዘለካ መሰል ትስእን ስለዝኾንካ። ክራይ ምስ ዘይትኸፍል፣ እቲ ኣካራዪ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ውዕልካ ንምስራዝ መስርሕ ክጅምር ይኽእል እዩ።
 
ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ብኸመይ ተቓውሞ ከም እተቕርብ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ሰደቓ ሕጊ

ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ገዛ ተቓውሞ ንምቕራብ ዝኸውን ኣብነት ደብዳቤ ኣብ መርበብ-ሓበሬታኦም ኣዳልዮም ኣለዉ። 

  • ነቲ ኣብነት ጽሑፍ ምስ ኩነታትካ ኣመዓራርዮ፣ ከምኡ እውን ናብ ኣካራዪኻ ስደዶ። እዚ እቲ ወሰኽ ክራይ ገዛ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ ግበሮ። ቅዳሕ ናይቲ ደብዳቤ ድማ ንባዕልኻ ኣቐምጥ።  

  • ኣብ

    ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ ተቓውሞ ኣብ ምቕራብ ክድግፈካ ይኽእል እዩ። 

  • ጸገማት ከይፍጠሩ ንምውጋድ ነቲ ናይ ቀደም ክራይ ገዛኻ ንኣካራዪኻ ምኽፋልካ ቀጽል።

ኣብነት ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ወይ ክፍሊ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ሰደቓ ሕጊ 'Het Juridisch Loket' ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ወይ ክፍሊ ተቓውሞ ንምግባር ዝኸውን ኣብነት ደብዳቤ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብነት ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ናይ ብሕቲ ጽላት ኣባይቲ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ሰደቓ ሕጊ 'Het Juridisch Loket' ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ናይ ብሕቲ ጽላት ኣባይቲ ተቓውሞ ንምግባር ዝኸውን ኣብነት ደብዳቤ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።


ደብዳቤ እንተድኣ ዘይሰደድካን፣ ነቲ ወሰኽ ክራይ ገዛ እንተድኣ ዘይከፈልካን፣ ኣካራዪኻ እቲ ወሰኽ ክራይ ተግባራዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ንደሓር ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ናይ መዘኻኸሪ ደብዳቤ ክሰደልካ ኣለዎ። 

  • ሕጂ እውን ገና ምስቲ ወሰኽ ክራይ ዘይትሰማማዕ ምስ እትኸውን፣ እቲ ወሰኽ ምኽኑይ እዩ ወይ ኣይኮነን ንኽብል ንኮሚሽን ክራይ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ወሰኽ ክራይ ካብ ዝጅምረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ደውለሎም።  

  • ኣብ

    ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ ተቓውሞ ኣብ ምቕራብ ክድግፈካ ይኽእል እዩ። 

  • ጸገማት ከይፍጠሩ ንምውጋድ ነቲ ናይ ቀደም ክራይ ገዛኻ ንኣካራዪኻ ምኽፋልካ ቀጽል።



እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር