ምንጪ፡ NOS
ዓንቀጽ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብመደብ 'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' ብዝበለጸ ተማሃር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/18/2026 2:11 ድ.ቀ.

ቋንቋ ኔዘርላንድ እናተመሃርካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ዜናታት ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ 'NOS Journaal in Makkelijke Taal' ማለት ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ ዝበሃል መደብ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

'ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ' ብፍላይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩ ንዝደልዩ በጽሒታት ዝዓለመ እዩ 

ብዘይካ እቲ መዓልታዊ ኣብ ተሌቪዥን ኔዘርላንድ ክትርእዮ እትኽእል ስሩዕ ዜናታት፣ ብቐሊል ቋንቋ እውን ዜናታት ኣለዉ። እዚ '

Journaal in Makkelijke Taal' ማለት ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ብፍላይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ከማሓይሹ ንዝደልዩ፣ ወይ ገና ነቲ ቋንቋ ይመሃርዎ ንዘለዉ ሰባት ዝተዳለወ እዩ።

ኣብዚ መደብ ዜና፣ ኣንበብቲ ዜና ብዛዕባ 3 ኣገደስቲ ፍጻመታት ኔዘርላንድን ካልእ ክፋል ዓለምን ይዛረቡ። ኣንባቢ ዜና፣ ካብቲ ኣብ ስሩዕ ዜናታት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ቃላት ንላዕሊ ዝቐለለ ቃላት ይጥቀም፣ ከምኡ እውን ንነገራት ብዝያዳ ህድኣትን ብንጹር ኣገባብን ይገልጾም።

'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 17፡00 ኣብ

ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ዝሓለፉ መደባት እውን ተመሊስካ ኣብ NPO Start ብኢንተርነት ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ክፋል ድማ ኣስታት 10 ደቓይቕ ንውሓት ኣለዎ።

'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' መዓልታዊ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ህዝባዊ ፈነወ ኔዘርላንድ (NPO) ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

Jeugdjournaal እውን ብቐሊል ቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ንቆልዑትን መንእሰያትን ዝዓለመ ፍሉይ መደብ ዜና እውን ኣሎ። ደቅኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክመሃሩ፣ ወይ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ዜናታት ዝያዳ ክፈልጡ ይደልዩ ድዮም? ወይ ድማ ንስኻ ባዕልኻ ነቲ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝቐርብ ዜናታት ክትርእይ ትደልይ ዲኻ?

ስለዚ 'NOS Jeugdjournaal' ማለት ዜናታት መንእሰያት ተኸታተል። እዚ መደብ ዜና፣ ነቶም ዜናታት መንእሰያት ብዝርድእዎ ኣገባብ እናገለጸ እዩ ዘቕርብ። እንተኾነ ግን 'Jeugdjournaal' ካብቲ ኣብ 'Journaal in Makkelijke Taal' ዝበሃል መደብ ንላዕሊ ብዝያዳ ቕልጣፈ ዝቐርብን፣ ዝያዳ ዛዕባታት ዝዝተየሉን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር