
ዋዕላ ኔቶ ዕለት 24ን 25ን ሰነ ኣብ ደን ሃኽ ክካየድ እዩ፡ ኣብ ትራፊክ ጽርግያን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዘኸትሎ ሃገራዊ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም
ዋዕላ ኔቶ ኣብዚ ዓመት ዕለት 24ን 25ን ሰነ ኣብ ከተማ ደን ሃኽ ክካየድ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ተበጻሕነት ከተማ ደን ሃኽን፣ ናብ ካልኦት ከተማታት ኣብ ዝወስዱ ጽርግያታትን ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ። እቲ ጸገም ትራፊክ ካብ 22 ክሳብ 27 ሰነ ዝጸንሕ እዩ። ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ኣብ መንጎ ደን ሃኽን ካልኦት ከተማታትን ዝህሉው ትራፊክ ብኸፊል ደው ይብል
ኣብ ዕለት 24ን 25ን ሰነ፣ ኣብ መንጎ ደን ሃኽ፣ ሮተርዳም፣ ላይደንን ኣምስተርዳምን ኣብ ምንቅስቓስ ትራፊክ ጸገም ክህሉው እዩ። Wassenaar፣ de Bollenstreek፣ Noordwijkን Katwijkን እውን ክትበጽሖም ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።
ጽርግያታት ክዕጸዉ እዮም፣ ከምኡ እውን ብዝተፈለየ መንገዲ ንኽትጓዓዝ እትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጽርግያታት ተወሳኺ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ክህልዎም እዩ፣ ናይ ጉዕዞ ግዜ ድማ ዝነውሐ ክኸውን እዩ።
ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝያዳ ጻዕቂ ሰብ ክህልዎን ምምስራዝ ከጋጥምን ይኽእል
ብሰንኪ ምዕጻው ጽርግያታት፣ ኣብ 24ን 25ን ሰነ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝያዳ ጻዕቂ ሰብ ክህሉው እዩ። ባቡራት፣ ኣውቶቡሳት ወይ ካልእ መጓዓዝያ ብኸፊል ናይ ምስራዝ ዝያዳ ዕድል ድማ ኣሎ።
ኣብ ደን ሃኽ ዝርከባ ትራማትን ኣውቶቡሳትን ብኻልእ መስመራት ዝጓዓዛ ክኾና ይኽእላ እየን።
መራሕቲ ኔቶ ብማዕርፎ ነፈርቲ Schiphol እዮም ክመጽኡ፣ እዚ ኣብ ካልኦት ተጓዓዝቲ ሳዕቤናት ኣለዎ
መራሕቲ ኔቶ ኣብ ኣምስተርዳም ብዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ Schiphol እዮም ዝመጽኡ። ድሕሪ ዋዕላ ኔቶ እውን ካብኡ እዮም ክብገሱ። እዚ ድማ፣ ካብ Schiphol ዝብገስ በረራ ምስ ዝህልወካ፣ ናይ እትወጽኣሉ በሪታት ለውጢ ከስዕብ ይኽእል እዩ። በረራ ምስ ዝህልወካ፣ ኣብ ናይ Schiphol መርበብ-ሓበሬታ ተኸታተል።