ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens
ኣገዳሲ
ዜና

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝህቦ ደገፍ ምናልባት ደው ከብሎ ክግደድ እዩ

ዝተሓትመሉ ዕለት: 9/17/2025 12:00 ቅ.ቀ.

ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን፣ IND ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንዘመልክቱ ኣብ መዕቆቢ ቦታት ንዝርከቡ ሰባት ክሕግዞም ከምዘለዎ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ካብ 1 ታሕሳስ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ድማ ድሕሪ ደጊም ነዚ ዝህቦ ደገፍ ዝኸውን ምወላ ኣይክረክብን እዩ። እቲ ሚኒስተር ነዚ ናብ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ እዩ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ቫን ዊል [Van Weel]፣

ኣብ
ንዝርከቡ ስደተኛታት ብዛዕባ ዘመልከትዎ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ደገፍ ክህቦም ከም ዘለዎ ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፣
እዩ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ብዝርከቡ ሰባት ዝቐርቡ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታት ደገፍ ዝህብ ዘሎ።

IND ነዚ ብኸመይ ክገብሮ ምዃኑ ገና ንጹር ኣይኮነን። IND ንሕቶታት ዑቕባ ኣብ እዋኑ ንምምስራሕ ካብ ዝጽገም ድሮ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ IND ንዝቐርቡ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታት ንምግምጋም ዘሎ ናይ መጽባይ ግዜ እውን ሓደ ሓደ ግዜ 23 ኣዋርሕ ይበጽሕ።

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ብዛዕባ መመልከቲታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝህቦ ደገፍ እንተድኣ ኣቋሪጹ፣ ስደተኛታት ናይ ገዛእ-ርእሶም መመልከቲ ባዕላቶም ከቕርቡ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ኣብ ዝቕጽል እዋን ምስ ሚኒስትሪን INDን ምምይያጥ ክቕጽል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ዜና ኣብ ዝህልወና ግዜ ድማ ኣብ RefugeeHelp ክንዝርግሖ ኢና።

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማታት ኣቢሉ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ከምኡ እውን ምቛም ስድራ-ቤት) ዝህቦ ገደፍ ግን ክቕጽል ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ንበይኑ ባዕላተን ስለ ዝኸፍላ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር