
ናይ ህጹጽ እዋን ዕጥቅን ህጹጽ ውጥንን: ስለምንታይ ኣገዳሲ እዩ እንታይከ የድልየካ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ መንጎ ሕዳር 2025ን ጥሪ 2026ን ኩሉ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምፍጣር ህጹጽ ውጥንን ህጹጽ ዕጥቂን ዝምልከት መንግስታዊ ብሮሹር ክረክብ እዩ። ግቡእ ምድላው እንተገይርካ፡ ንገዛእ ርእስኻን ንስድራኻን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጽሑፍ እዚ ንምንታይ ህጹጽ ውጥንን ኪትን ኣገዳሲ ምዃኑን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ይገልጽ።
ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን እንታይ እዩ፣ ኣብኡ' ኸ እንታይ ተቐምጥ?
ናይ ህጹጽ ውጥን ንጹር ስምምዓት ዘለዎ ቀሊል ውጥን ኮይኑ፣ ኣብ ህጹጽ እዋን ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክትወስድ ይሕግዘካ። ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ማይን ኢንተርነትን ኣለና። ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፣ ኲናት ወይ ከቢድ ብልሽት ዝኣመሰለ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ግን፣ እዚኣቶም ሃንደበት ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ሽዕኡ ሓገዝ ክሳብ እትረክብ ቁሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጽቡቕ ምድላው ምግባር ብልሒ ዝኸውን።
እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን ንስኻን ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ብህድኣት ንኽትቕጽሉን፣ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ብቕልጡፍ ከም እትፈልጡን የረጋግጽ። ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን ምስ ዝህልወካ፣ ንመን ክትድውል ከም ዘለካ፣ ምስ ስድራ-ቤትካን ፈተውትኻን ኣበይ ከም እትራኸብን፣ መን እንታይ ዕማማት ከም ዘለዎን ትፈልጥ።
ኣገደስቲ ቊጽርታት ተሌፎንን መደበራት ሬድዮን
ናይ ስድራ-ቤት፤ ናይ መናብርቲ ገዛኻ፣ ናይ ሓኪም፣ ናይ ቤት-ትምህርቲ ወይ መውዓሊ ሕጻናት፣ ከምኡ እውን ናይ ጎረባብትኻ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ቁጽርታት ተሌፎን ኣብቲ ናይ ህጹጽ እዋን ውጥንካ ጽሓፎም። ናይ ዞባኻ ናይ ህጹጽ እዋን መደበር ሬድዮ ድማ፣ ኣብቲ ናይ ህጹጽ እዋን ውጥንካ ወስኸሉ። ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ሓበሬታ ክትረክብ ምእንቲ፣ ነቶም ናይ ሬድዮ ማዕበላት ፈነወ መዝግቦም። ከምኡ እውን ወሃብቲ ህጹጽ ኣገልግሎት መዝግቦም፡ 112 ኣብ ህጹጽ እዋን፣ ናይ ፖሊስ 0900-8844 (ህጹጽ ንዘይኮነ)። ነዚ ድማ ናይ ገዛእ-ርእስኻ መመዝገቢ ጥራዝ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ነቲ ብፖስታ ካብ
ስድራ-ቤትን ፈተውትን ኣበይ ከም እትራኸቡ
ተሌፎናት ወይ ኢንተርነት ኣብ ዘይሰርሓሉ እዋን፣ ምስ ስድራ-ቤት ወይ ፈተውቲ እትራኸበሉ፣ ከም ማእከል ማሕበረሰብ፣ ናይ ኣባል ስድራ-ቤት ገዛ፣ ወይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ፍሉጥ ቦታ ዝኣመሰለ ቐዋሚ ቦታ ከድልየካ እዩ። ኩሉ ግዜ ኣብኡ ክትራኸቡ ድማ ትኽእሉ ኢኹም።
መን ንመን ይኣልይ
ኣብ ህጹጽ እዋን መን ኣየኖት ዕማማት ከም ዝፍጽም ስምምዓት ግበሩ። ንኣብነት፣ ንቆልዑት መን ከም ዝወስዶም፣ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ መናብርቲ ገዛ መን ከም ዝሕግዞ፣ ወይ ንሓደ ዝሓመመ ወይ ተኣፋፊ ዝኾነ ኣባል ስድራ-ቤት መን ከም ዝኣልዮ ተሰማምዕሉ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ኩሉ ሰብ ሓደ ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ብልክዕ ይፈልጥ።
ናይ ህጹጽ እዋን ውጥንካ ዓቅቦ
ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን ኣውጺእካ ዲኻ? ምስ መጻምድትኻ፣ ደቅኻ ወይ ጎረባብትኻ ተዘራረበሉ። ስእሊ ወይ ቅዳሕ ወሲድካ፣ ነቶም ናይ ህጹጽ እዋን ተጸዋዕቲ ሰባት ሃቦም። ነቲ ውጥን ምስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣኻ፣ ኣብ ፍሪጅ ወይ ኣብ ከብሒ ቆጻሪት ኣብ ዝኣመሰለ ቐዋሚ ቦታ ኣቐምጦ።
ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣ እንታይ እዩ፣ ስለምንታይ' ከ የድልየካ?
ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣ፣ ኣብ ህጹጽ እዋን ዘድልዩኻ ነገራት ተኣኪቡ ዝተቐመጠሉ ሳንጣ እዩ።
መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ እንተወሓደ ን72 ሰዓታት ብህይወት ክትነብር ዘኽእለካ ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣ ኣብ ገዛኻ ክህልወካ ይመክር። ንኣብነት፣ ዓቢይ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ውሕጅ ወይ ኲናት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዝኾነካ። ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣ ብምጥቃም ድማ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ንስኻን ስድራ-ቤትካን ነቲ ኩነታት ክትሓልፍዎ የኽእለኩም።
ናይ ህጹጽ እዋን ኣቚሑትካ ብቐሊሉ ክትረኽቦ ኣብ እትኽእል ቦታ ኣቐምጦ። ብተወሳኺ፣ ብዘይተጸበኻዮ መንገዲ ሃደበት ካብ ገዛኻ ክትወጽእ ኣብ እትግደደሉ እዋን ዝኾነካ ቦርሳ እውን ድሉው ገይርካ ኣብኡ ኣቐምጦ። ኣብዚ ቦርሳ እዚ ከም መፍትሕ፣ መለለዪ መንነት፣ ከምኡ እውን ጥረ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ብቀሊሉ ከተቐምጥ ትኽእል።
ኣብቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሳንጣ እንታይ ተቐምጥ?
ጽቡቕ ናይ ህጹጽ እዋን ዕጥቂ ን2 ክሳብ 3 መዓልታት ብውልቅኻ ክትነብር ዘድልዩኻ ነገራት ዝሓዘ እዩ።
ማይን መግብን
ዝስተ ማይ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ 2 ሊትሮ
ኣብ ታኒካ ዝተዓሸገ መግቢ፡ ከም ባልደንጓ፣ ዕፉን፣ መረቕ፣ ቱና፣ ግዕዝም ዝኣመሰለ
ፓስታ፣ ሩዝ፣ ካዕካዕ፣ ድሩቕ ዕብስቲን
መግቢ ህጻናት ወይ ካልእ ፍሉይ መግቢ
ተወሳኺ መግቢ ንእንስሳ ዘቤት፣ እንተሃልዩካ
ብርሃንን ሙቐትን
ላምፓዲና + ተወሳኺ ባትሪታት
ሽምዓታት
መወልዒ ሓዊ፣ ወይ ማይ ዘየሕልፉ ከራቢት
ሙቐት ዝህቡ ኮቦርታታት
ሳንዱቕ ቀዳማይ ረድኤትን መድሃኒታትን
ፕላስተራት፣ ማለት ችሮቶታት
ሞዴስ
ምህድኢ ቃንዛ መድሃኒታት
ኣገደስቲ መድሃኒታት
ቅዳሓት ሕክምናዊ መረዳእታ
ጠቐምቲ ነገራትን መሳርሕታትን
ናይ ህጹጽ እዋን ሬድዮ ምስ ባትሪ፡ ጸሓያዊ ሓይሊ ወይ ምስ ክራንክ
ብዙሕ መሳርሒ (ካራ፣ መቑረጺ፣ መንጠልጠሊ ኣብ 1)
ፓወር ባንክ
ናይ ፕላስቲክ ከረጺታት
ንእሽቶ ናይ ጋዝ ምድጃ፣ ንእሽቶ ናይ ጋዝ ታኒካ ዘለዎ
መዶሻ፣ መጋዝን ፒንሳን።
ኣገደስቲ ሰነዳት (ኣብ ፕላስቲክ ማህደር)
ፓስፖርት ወይ መለለዪ መንነት
ናይ መድሕን ሰነዳት
ዝርዝር ቁጽሪ ተሌፎናት
ናይ መድሃኒት መኣዘዚ
ጥረ ገንዘብ
ንሓደ ዓቢ ሰብ ኣስታት €70 ንሓደ ህጻን ድማ €30።
ናይ ጽሬት ኣቑሑት
መከላኸሊ ረኽሲ ጀል
ናይ ሽቓቕ ወረቐት ማለት ሶፍት
ንእሽቶ ጥሉል ሽጎማኖታት
ሞዴስ
ሳሙና ስኒን ናይ ስኒ ብራሽን
መሓለውታ መፋትሕ
ናይ ገዛኻን መኪናኻን ተወሳኺ መፍትሕ።
ፊስካ ወይ ናይ ህጹጽ እዋን መሓበሪ
ክትድውል እንተዘይክኢልካ ኣበይ ከምዘለኻ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ንምፍላጥ። ነዚ ዝኸውን ፊስካ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ፡ ገለ ናይ ህጹጽ እዋን ሬድዮታት ግን ናይ ጭንቀት ምልክት መጠወቒ እውን ኣለወን። ክልቲኦም ጽቡቕ ይሰርሑ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ እቶም ናይ ህጹጽ እዋን ናይ ደገፍ ነቚጣታት ኣበይ ከምዘለዉ ኣረጋግጽ
ናይ ህጹጽ እዋን ናይ ደገፍ ነቚጣታት፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ክትከዶም እትኽእል ቦታታት እዮም፡
ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስ ዘይህልወካ
ሓገዝ ክበጽሓካ ምስ ዘይክእል
ሓበሬታ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን
ሕክምናዊ ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ
ሙቐት ዘለዎ ቦታ ወይ ድሕነት ምስ እትደልይ
ኣብነታት ናይ ህጹጽ እዋን ናይ ደገፍ ነቚጣታት፡
ኮማዊ ማእከላት
ኣዳራሻት ምምሕዳር ከተማ
መደበራት መጥፋእቲ ሓዊ
ኣብያተ-ትምህርቲ
ኣድላይ እንተኾይኑ መንግስቲ ነዞም ናይ ህጹጽ ደገፍ ነጥብታት ክኸፍቶም እዩ። እቲ ናይ ህጹጽ ረድዮ መደበር እዞም ነጥብታት ኣብ ከባቢኻ ኣበይ ከምዘለዉ ክሕብረካ እዩ።
ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ
ብናይ ህጹጽ እዋን ውጥንን ኪትን፡ ኣብ ህጹጽ እዋን ንነብስኻን ንስድራቤትካን ብዝበለጸ ክትከላኸለሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገዛኻ ኣገደስቲ ነገራት ከምዘለዉ ኣረጋግጽ፣ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ፈነወ ኣስተብህል፣ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ድማ ብዛዕባ እቲ ውጥን ተዘራረብ። ሎሚ ምድላው ጀምር።