ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ምስ እትውስን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ህይወትካ ንምህናጽ ድማ ገንዘብ ወይ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። ኣብዚ ገጽ ብወለንታኻ ምምላስ ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ባዕልኻ ብወለንታኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ዘይትምለስ ምስ እትኸውን መንግስቲ ኔዘርላንድ ብኣስገዳድ ክመልሰካ ይኽእል እዩ። ብኣስገዳድ ኣብ እትምለሰሉ እዋን እትረኽቦ ገንዘብ ወይ ደገፍ ሒደት እዩ ወይ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይትረክብን። ኣብዚ ገጽ ብኣስገዳድ ምምላስ ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።