ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/3/2023 10:36 ቅ.ቀ.

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ

እንተድኣ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንዘምልከትካዮ ዑቕባ ነጺጉዎ፣ መንግስታዊ ውድብ
ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ናብ መበቆል ሃገርካ ብዛዕባ ምብጋስ ብዝምልከት ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ። እዚ ማለት ድማ ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።

ጠበቓኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክብል ድዩ? መብዛሕትኡ ግዜ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ደገፍ

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ብምሃብ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ undefinedbeschikkingundefined ይበሃል።

እዚ ማለት መንግስቲ ኔዘርላንድ ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ጠለብ ይገብር ማለት እዩ። ንኽትምለስ እንተድኣ መሪጽካ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ደገፍ እዚ ፍርያት፣ ኣገልግሎት ወይ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፣ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ድኳን ንምጅማር ዝኸውን መበገሲ ገንዘብ ን/ወይ ሓገዝ ኣብ ምጽሓፍ ውጥን ንግዲ።

እዘን ውድባት ክድግፋኻ ይኽእላ እየን፡

  • VluchtelingenWerk Nederland (VWN)

  • IOM

  • Dienst Terugkeer en Vertrek (DTundefinedV)

  • Solid Road

  • ROS

  • Goedwerk

  • Stichting Wereldwijd

ደገፍ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ እንታይ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለካን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ ዝምርኮስ እዩ። ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

ውሑስ ዘይኮነ

VWN ንገሊአን ሃገራት ክትምለሰለን ውሑሳት ከም ዘይኮና ይቖጽረን እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ምምላስካ ደገፍ ኣይህብን እዩ። ይኹን እምበር VWN ናብተን ሃገራት ኣብ ምምላስ ናብ ዝሕግዙ ውድባት ንኽትውከስ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ።

ውሑድ ደገፍ ወይ ደገፍ የለን

ናብ መበቆል ሃገርካ ተገዲድካ እንተድኣ ኮይንካ ተመሊስካ፣ ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ናይ ምርካብ ተኽእሎታት ድሩት እዩ።

ኣብ ገሊኦም ኩነታት ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ደገፍ እዚ እንተበዝሐ ናይ € 1,000 ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ን/ወይ ሓገዝ ዘጠቓልል እዩ።