ምንጪ፡ Unsplash
ዓንቀጽ

OVpay፡ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/9/2026 15:16

OVpay ኣብ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት እዩ። OVpay እንታይ ምዃኑ፣ OV-pas ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ከምኡ እውን ኣብ መወዳእታ 2027 OV-chipkaart ምስ ኣቋረጸ እንታይ ከም ዝቕየርን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

OVpay እንታይ እዩ?

OVpay

ኣብ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት እዩ። ብOVpay፣ ብናይ ባንክ ካርድኻ፣ ክረዲት ካርድኻ፣ ሞባይልካ ወይ ስማርት ሰዓትካ ተጠቒምካ ክትኣቱን ክትወጽእን ትኽእል ኢኻ። በቲ ሓድሽ OV-pas እውን ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝሰማማዕ ኣገባብ ክፍሊት ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ። OVpay ንካርድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ማለት 'OV-chipkaart' ዝትክእ እዩ።

ብናይ ባንክ ካርድኻ ወይ ክረዲት ካርድኻ ምጒዓዝ

ብOVpay፣ ብናይ ባንክ ካርድኻ ወይ ክረዲት ካርድኻ፣ ሞባይልካ ወይ ስማርት ሰዓትካ ተጠቒምካ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ክትኣቱን ክትወጽእን ከም እትደሊ ባዕልኻ ትመርጽ።

ገንዘብ ምምላእ ኣየድልየካን እዩ። ብተወሳኺ ፍሉይ ካርድ ወይ ታሴራ ኣየድልየካን እዩ። OVpay፣ ካብ መብዛሕትአን ዓበይቲ ባንክታት ኔዘርላንድ ብዝወሃብ ናይ ባንክ ካርድ ይሰርሕ እዩ።

ካብ 2023 ጀሚሩ ናይ ባንክ ካርድኻ ተጠቒምካ ክትጓዓዝ ይከኣል እዩ። እዚ ዳርጋ ከምቲ ኣብ ድኳን ዝግበር ምትንካፍ-ኣልቦ ክፍሊት ልክዕ ዳርጋ ብኸምኡ እዩ ዝሰርሕ እዩ።

ብኸመይ ይሰርሕ፡

  • ናይ ባንክ ካርድኻ፣ ቴለፎንካ ወይ ስማርት ሰዓትካ፣ ኣንጻር እቲ ኣንባቢ ካርድ ሒዝካዮ ጽናሕ።

  • ኣመዝጊብካ ኣቲኻ ኣለኻ።

  • ኣብ መወዳእታ ጒዕዞኻ ድማ ብተመሳሳሊ ካርድ፣ ቴለፎን ወይ ስማርት ሰዓት ኣመዝጊብካ ውጻእ።

ኩሉ ግዜ ክትኣቱን ክትወጽእን እንከለኻ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ክፍሊት ተጠቐም። ናይ ባንክ ካርድኻ ዲኻ ኣመዝጊብካ ትኣቱ ዘለኻ? ስለዚ ብተመሳሳሊ ልክዕ በቲ ናይ ባንክ ካርድኻ እውን ኣመዝጊብካ ክትወጽእ ኣለካ።

OV-pas ተጠቒምካ ምጒዓዝ

OV-pas ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ካርድ እዩ። በዚ ካርድ እዚ ብባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ብ1 ካርድ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። እቲ OV-pas ን5 ዓመት ዘገልግል ኮይኑ፣ ናይ 1 ግዜ €6 ወጻኢ ይሓትት።

ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ናብ OV-pas ገንዘብ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ድሕሪ ደጊም ነዚ ንምግባር ናብ ናይ ትኬት ማሽን ምኻድ ኣየድልየካን እዩ ማለት እዩ። ገንዘብ ብኣውቶማቲክ ምጽዓን እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ሚዛንካ ሕሳብካ ብኣውቶማቲክ ክምላእ እዩ።

OV-pas ንምርካብ ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛኻ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ካርድ ክትቅበል ኢኻ። ቅድሚ ምጒዓዝካ መጀመርታ ኣብ ናትካ OV-pas ገንዘብ ክትጽዕን ኣለካ።

OV-pas ካብ Primera እውን ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ

ብተወሳኺ ነቲ OV-pas ካብ ናይ Primera

ድኳናት ክትገዝኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ OV-pas ብኸመይ ሓድሽ ሚዛን ሕሳብ ማለት ገንዘብ ከም እትጽዕን ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ድኳን Primera ሚዛን ሕሳብ ማለት ገንዘብ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኢንተርነት ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣፕ ናይ OVpay እውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ናይ OVpay ኣካውንት ምፍጣር

ናይ OVpay ኣካውንት፣ ናይ OVpay ናይ ኢንተርነት መድረኽ እዩ። ኣብ ኣካውንትኻ፣ ብናይ ባንክ ካርድኻ፣ ብክረዲት ካርድኻ፣ ወይ ብሓድሽ OV-pas እትገብሮም ጉዕዞታትካ ክትዕዘብን ከተመሓድርን ትኽእል ኢኻ።

ብዘይ ኣካውንት ክትኣትውን ክትወጽእን እውን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ኣካውንት ምስ ዝህልወካ ዝሓሸ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ኣለካ። ንኣብነት፣ ጒዕዞታትካን ወጻኢታት ናይ ጒዕዞታትካን ክትዕዘብ ትኽእል። ናይ ጒዕዞታትካ ናይ ወጻኢታት መግለጺታት እውን ከተዳሉው ትኽእል።

ኣብ ናትካ OV-pas ብኸምዚ ኢኻ ገንዘብ እትጽዕን

ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትኻ፣ ኣብ ናትካ OV-pas ገንዘብ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ገና ናይ OVpay ኣካውንት የብልካን ዲኻ? ኣካውንት ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ኣካውንት እውን ገንዘብ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ።

ገንዘብ ኣብ Primera ምጽዓን

ብተወሳኺ ኣብ ድኳን Primera ነቲ ናትካ OV-pas ገንዘብ ክትጽዕነሉ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ኣብቲ ናትካ OV-pas ዝርከብ ባርኮድ ተጠቒምካ ትገብሮ።

ድሕሪ 15 ደቓይቕ ኣብቲ ናትካ OVpay ዝጸዓንካዮ ሕሳብ እንተድኣ ዘይተራእየ፣ እቲ ክፍሊት ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣረጋግጽ። ብድሕሪኡ እቲ ጸገም እንተድኣ ቐጺሉ፣ ምስ OVpay ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ንምጒዓዝ ዘድልየካ ዝተሓተ ሚዛን ሕሳብ ክንደይ እዩ?

ንኽትጎዓዝ ክንደይ ሚዛን ሕሳብ ማለት ገንዘብ ከምዘድልየካ ኣብቲ እትጥቀመሉ ኣገባብ መጓዓዝያ እዩ ዝምርኮስ። ብኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ እንተድኣ ኮይንካ ትጎዓዝ፣ ዝተሓተ ሚዛን ሕሳብ € 4 የድልየካ። እዚ ድማ ናይ ምድያብ ክፍሊት ይበሃል። እንተኾነ ግን ብባቡር እንተድኣ ኮይንካ ትጎዓዝ፣ እንተወሓደ € 20 ሚዛን ሕሳብ የድልየካ።

ብትኽክል ኣመዝጊብካ እንተድኣ ኣቲኻን ወጺእካን፣ ወጻኢታት ጉዕዞኻ ጥራይ ኢኻ ትኸፍል። እዚ መጠን ገንዘብ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ናይ ምድያብ ክፍሊት ዝወሓደ እዩ። እቲ ዝተረፈ ሚዛን ድማ ኣብ ናትካ OV-pas ይጸንሕ።

ኣብ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ብኣውቶማቲክ ገንዘብ ምጽዓን ክትከፍቶ ትኽእል ኢኻ። ብኣውቶማቲክ ምጽዓን እንተድኣ ገይርካዮ ሚዛን ሕሳብካ ብኣውቶማቲክ ይምላእ። እዚ ዝኸውን ድማ ሚዛን ሕሳብካ ትሕቲ € 10 ምስ ዝኸውን እዩ።

ብተወሳኺ ንብዙሓት OV-pas ብኣውቶማቲክ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ

ንብዙሓት OV-pas ብኣውቶማቲክ ምጽዓን ክትጥቀም እንተድኣ ደሊኻ፣ ንነፍስወከፍ OV-pas ኣብ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ብኣውቶማቲክ ምጽዓን ብተናጸል ክትከፍቶ ኣለካ።

ብኣውቶማቲክ ንምጽዓን፣ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታታት ኣብ ነፍስወከፍ ናይ OVpay ኣካውንት ሓደ ግዜ ጥራይ ኢኻ ከተዋድድ እትኽእል። ስለዚ ኣብ ኣካውንትኻ ንነፍስወከፍ OV-pas ብዝምልከት ሓደ ዓይነት ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታታት ተጠቐም።

ንኻልእ ሰብ እውን ገንዘብ ክትጽዕነሉ ትኽእል ኢኻ።

ኣባል ስድራ-ቤት ንዝኣመሰለ ካልእ ሰብ፣ ብኣውቶማቲክ ገንዘብ ምጽዓን ከተከፍት እንተድኣ ደሊኻ፣ ነዚ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ OVpay ኣካውንትኻ እንተድኣ ገይርካዮ፣ ነቲ ሰብ ክትከፍለሉ ትኽእል ኢኻ።

ሓድሽ OV-pas ንምርካብ ብኸምዚ ተመልክት

ናትካ OV-pas እንተድኣ ተበላሽዩ፣ ጠፊኡ ወይ ተሰሪቑ፣ ሓድሽ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን ካርድኻ እንተድኣ ጠፊኡ ወይ ተሰሪቑ መጀመርታ ኣብ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ክትዓግቶ ኣለካ። እዚ ድማ ካልእ ሰብ ነቲ ካርድኻ ከይጥቀመሉ ይከላኸል።

ብኣካውንትኻ ኣቢልካ መተካእታ ናይ OV-pas ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብድሕሪኡ OVpay ነቲ ናይ ቀደም ካርድካ ንሓዋሩ ይዓግቶ። ሓድሽ OV-pas ድማ ናባኻ ይለኣኽ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ካርድ ኣብ ገዛኻ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ትቕበሎ።

ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትኻ መተካእታ ካርድ እንተድኣ ሓቲትካ፣ እቲ ኣብቲ ናይ ቀደም OV-pas ነበረ ገንዘብካ ብኣውቶማቲክ ናብቲ ሓድሽ ካርድኻ ይሰጋገር። ምዝገባኻ፣ ፍርያት ጉዕዞኻ፣ ኣውቶማቲክ ምጽዓንን ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኻን እውን ብኣውቶማቲክ ክሰጋገር እዩ።

ብዘይ ኣካውንት እውን OV-pas ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ

ብዘይ ናይ OVpay ኣካውንት OV-pas ንምርካብ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር OV-pas

ብዘይ ኣካውንት ኣዝዝ ናብ ዝብል ኪድ። ነቶም ኣብ ስክሪን ዝርከቡ ስጉምትታት ተኸተል፣ ከምኡ እውን ብመንገዲ
ክፈል።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ OV-pas ካብቲ ዝሓተትካሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ክትቕበሎ ኢኻ። ነቲ ካርድ ኣብ ገዛኻ ምስ ተቐበልካዮ ድማ ገንዘብ ክትጽዕነሉ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ OV-pas ብኸምዚ ኢኻ ትስርዞ

ድሕሪ ደጊም OV-pas ክትጥቀም እንተድኣ ዘይደሊኻ ክትስርዞ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብቐሊሉ ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ናትካ OV-pas ምስራዝካ፡

  • ናትካ OV-pas ክትስርዞ እንተድኣ ደሊኻ፣ መጀመርታ ከም ዝወጻእካ ኣረጋግጽ።

  • ሚዛን ሕሳብካ ኣሉታዊ እንተድኣ ኮይኑ፣ ነቲ OV-pas ክትስርዞ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሚዛን ሕሳብካ እንተወሓደ €0 ክኸውን ኣለዎ።

  • ኣውቶማቲክ ምጽዓን እንተድኣ ተኸፊቱ ኣሎ ኮይኑ፣ መጀመርታ ዕጸዎ። ብድሕሪኡ ናትካ OV-pas ክትስርዞ ትኽእል ኢኻ።

  • ናትካ OV-pas እንተድኣ ጠፊኡ ወይ ተሰሪቑ ካርድኻ ኣይትሰርዞ። ኣብ ክንድኡ ብመንገዲ 'Verlies of diefstal van je OV-pas' ማለት ምጥፋእ ወይ ስርቂ ዝብል ነቲ ናይ OV-pas ካርድኻ ዕገቶ።

ብድሕሪኡ እንታይ ይኸውን?

ኣብ ናትካ OV-pas ናይ መጓዓዝያ ውዕላት ወይ ናይ ጉዕዞ ፍርያት ምስ ዝህልወካ፣ ባዕልኻ ኣብቲ ወሃቢ መጓዓዝያኻ ክትስርዞ ኣለካ። እዚ ብኣውቶማቲክ ዝፍጸም ኣይኮነን።

ኣብ ናትካ OV-pas ገና ገንዘብ እንተሃልዩካ፣ እዚ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ክትቕበሎ ኢኻ።

ናትካ OV-pas እንተድኣ ተሰሪዙ፣ ገና በዚ ካርድ ናይ ዝገበርካዮ ጉዕዞታት ናይ ጒዕዞ መግለጺታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኩሉ ውዕላትን ጎደሎ ዋጋታትን ገና ምስ OVpay ኣይሰርሕን እዩ

OVpay ናይ ገዛእ-ርእሱ ናይ መጓዓዝያ ውዕላት የብሉን። ናይ መጓዓዝያ ውዕላትን ጎደሎ ዋጋታትን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ከም በዓል NS፣ Arriva፣ GVB፣ Qbuzz፣ RET፣ ወይ Connexxion ዝኣመሰሉ ትካላት መጓዓዝያ ዝመጽእ እዩ።

ናይ NS ውዕላት ገና ኣብ OV-pas ኣይሰርሑን እዮም

ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣብ ናትካ OV-pas ናይ NS ባቡር ውዕል ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ናይ NS ውዕል እንተሃልዩካ፣ ንግዚኡ 'OV-chipkaart' ተጠቒምካ ምጉዓዝ ቀጽል።

NS ድሒሩ ውዕላት ናብ OV-pas ምትሕልላፍ ክጅምር እዩ። ተራኻ ምስ በጽሐ ካብ NS መልእኽቲ ክመጸካ እዩ። ዋላ ብናይ ባንክ ካርድኻ ትጎዓዝ እንተድኣ ኮይንካ እውን፣ ኣብ NS ብዘይ ውዕልን ጎደሎ ዋጋን ኢኻ እትጎዓዝ።

ናይ ጉጅለ ጎደሎ ዋጋ ገና ምስ OV-pas ኣይሰርሕን እዩ

ናይ ጉጅለ ጎደሎ ዋጋ ገና ምስ OV-pas ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጎደሎ ዋጋን ውዕላትን ገና ኣብቲ OV-pas ክውሰኽ ስለዘይክእል እዩ።

ናይ ጉጅለ ጎደሎ ዋጋ ክትጥቀም ምስ እትደልይ፣ ንግዚኡ 'OV-chipkaart 'ተጠቐም። ጎደሎ ዋጋ ዘለዎ ትኬት እውን ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ተማሃራይ ፍርያት መጓዓዝያ ገና ምስ OVpay ኣይሰርሕን እዩ

እንተሃልዩካ፣ ንግዚኡ 'OV-chipkaart' ምጥቃምካ ክትቅጽል ኣለካ። እቲ ናይ ተማሃራይ ፍርያት መጓዓዝያ ገና ምስ OVpay ኣይሰርሕን እዩ።

ገሊኦም ጎደሎ ዋጋታት ግን ይሰርሑ እዮም

ገሊኦም ጎደሎ ዋጋታት ድሮ ምስ OVpay ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንሕጻናትን ኣረጋውያንን ዝኸውን ናይ ዕድመ ጎደሎ ዋጋ። እዚ ጎደሎ ዋጋ ብቐንዱ ንኣውቶቡሳት፣ ትራማትን ሜትሮታትን ዝምልከት እዩ። ኩሉ ግዜ መጀመርታ ዘለካ ጎደሎ ዋጋ ምስ OVpay ዝሰርሕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣረጋግጽ።

ናይ OVpay ኣፕ ብኸመይ ኣብ ተሌፎንካ ክተውርዶን ከተዋድዶን ከም እትኽእል መብርሂ።

ብኸመይ ናይ ባንክ ካርድኻ ኣብ OVpay ኣፕ ክትምልኦ ከም እትኽእል መብርሂ።

ብኸመይ ናይ ዕድመ ጎደሎ ዋጋ ኣብ ናይ OVpay ኣፕ ከም እተዋድዶ መብርሂ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር