• ጀምር
  • ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሓሸ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ናይ ስደተኛታት መዕቆቢ ቦታ እናተጸበየ።
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedelle Monnens

ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሓሸ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 24/1/2024 3:34 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ስደተኛታት ከማሓይሽ ዝግበኦ ሓድሽ ሕጊ ጸዲቚ ኣሎ። እዚ ሕጊ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታት ንኹሎም ስደተኛታት ዘአንግዱ እኹላት መዕቆቢ ቦታታት ክፈጥር ኣለዎ። እቲ ሕጊ ካብ 1 ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንዝሓቱ ሰባት ዝኾኑ ኣዝዮም ሒደት መዕቆቢ ቦታታት ካብ ዝህልዉ ገለ እዋን ሓሊፉ ኣሎ። ገና ገዛ ንዘይተቐበሉ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ዝኸውን እኹል ቦታ እውን የለን።

በዚ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ መዕቆቢ ቦታታት ካብ መጠን ንላዕሊ ምሉኣት እዮም። ንመዕቆቢ ዘይበቕዑ ናይ ህጹጽ እዋን ቦታታት እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ እዮም። ከም ቴንዳታትን ኣዳራሻት ውራያትን ዝኣመሰሉ። ሰባት ካብ ሓደ ግዝያዊ ቦታ ናብ ካልእ ድማ ክግዕዙ ኣለዎም።

ምምሕዳር ከተማታት መዕቆቢ ቦታታት ንኸዳልዋ ግዴታ ኣለወን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
፣ ምምሕዳር ከተማታት ተወሰኽቲ መዕቆቢ ቦታታት ንኸዳልዋ ንነዊሕ እዋን ክሓትት ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ሓላፍነተን ስለዘይኮነ ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ከምኡ ኣይገብራን እየን። በቲ ብሰሉስ 23 ጥሪ 2024 ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ድማ ምምሕዳር ከተማታት መዕቆቢ ንኸዳልዋ ሓላፍነት ተሰኪመን ኣለዋ።

ሚኒስትሪ ጸጥታን ፍትሕን ብመንገዲ እቲ ሓድሽ ሕጊ ምምሕዳር ከተማታት ስደተኛታት ንኸአንግዳ ከገድደን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ክንደይ ሰባት ከተአንግድ ከምዘለዋ ድማ ኣብ ብዝሒ ነበርቲ ናይታ ምምሕዳር ከተማ ዝምርኮስ እዩ። ዓበይቲ ምምሕዳር ከተማታት ካብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከተማታት ዝበዝሑ ሰባት ከአንግዳ ኣለወን። ብኸምዚ መንገዲ ድማ እቲ መዕቆቢ ርትዓዊ ብዝኾነ ይመቓራሕ። ምምሕዳር ከተማታትን ነበርትን ንመዕቆቢ ብዝምልከት ብዝበለጸ ክዳለዉ እውን ይኽእሉ እዮም።

ምምሕዳር ከተማታት ንብዝሒ መዕቆቢ ቦታታት ንምውዳድ ምስ ነንሓድሕደን ክተሓባበራ ይኽእላ እየን

ኩለን ምምሕዳር ከተማታት መዕቆቢ ማእከል ክህልወን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ኣውራጃ ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታት ብሓባር ውጥን ከዳልዋ ይኽእላ እየን። ንኣብነት ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ዝያዳ መዕቆቢ ቦታታት ከተዳሉው ትኽእል እያ፣ በዚ ድማ እታ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ዝኾነ ነገር ምግባር ኣየድልያን።

ምምሕዳር ከተማታት ነቲ መዕቆቢ ብኸመይ ከም ዝውድባ ባዕለን ክውስና ይኽእላ እየን። ንኣብነት፡

  • ሓደ ዓቢይ መዕቆቢ ማእከል ክሃንጻ ይኽእላ (ንልዕሊ 100 ሰባት)።

  • ብዙሓት መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ቦታታት ክሃንጻ ይኽእላ (ካብ 100 ንዝውሕዱ ሰባት)።

  • መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ካብቲ ዝግደዳሉ ዝተሓተ-ገደብ ንላዕሊ ኣብ ምምሕዳር ከተማአን ገዛ ክህባ ይኽእላ።

ውጥን ናይቲ ኣውራጃ ብግቡእ እንተድኣ ዘይሰሪሑ ናይ ዑቕባ ምክትል-ሚኒስተር ጣልቃ ክኣቱው ይኽእል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ እቲ ምክትል-ሚኒስተር ንምምሕዳር ከተማታት ዝያዳ ቦታታት ንኸዳልዋ ከገድደን ይኽእል።

እቶም ሓደስቲ ሕግታት ብቕጽበት ሓደስቲ መዕቆቢ ቦታታት ኣይፈጥሩን እዮም

እቶም ሓደስቲ ሕግታት ብሓቂ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምቕያሮም ገለ ግዜ ክወስድ እዩ። እቲ ሕጊ ካብ 1 ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ፣ እንተኾነ ግን መጀመርታ ምምሕዳር ከተማታት ውጥን ንምሕንጻጽን ንምምይያጥን ዝኸውን 9 ኣዋርሕ ኣለወን። ስለዚ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ገና ቀጻሊ ኣድላዪ ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። እቲ ኩነታት ድማ ብቕጽበት ኣይመሓየሽን እዩ።

ምክትል-ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እዋን ሓደስቲ መዕቆቢ ቦታታት ክምስረቱ ተስፋ ኣለዎ። እንተኾነ ግን ኩሉ ነገር ብሓቂ ብግቡእ ክሳብ ዝዋደድ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

መጻኢ ናይቲ ሕጊ ብሰንኪ ምይይጣት ልፍንቲ ገና ርጉጽ ኣይኮነን

ብዙሓት ፖለቲካዊ ሰልፊታት በቲ ሓድሽ ሕጊ ሕጉሳት እየን። COA እውን ሕጉስ እዩ፣ ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት እውን ከምኡ። ገሊአን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ግን ኣንጻር እቲ ሓድሽ ሕጊ እየን። ንኣብነት PVV፣ VVD፣ NSCን BBBን። ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ካብ ዝተፈልጠሉ እዋን ጀሚረን ድማ ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ምስ ነንሓድሕደን ኣብ ምምይያጥ ይርከባ።

እዘን ሰልፊታት ብሓባር መንግስቲ እንተድኣ መስሪተን፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ሓድሽ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ብቕጽበት ክስርዞ ኣይክእልን እዩ፣ እንተኾነ ግን ነቲ ሕጊ ከማሓይሽዎ ይኽእሉ እዮም። ወይ እዚ ህሉው መንግስቲ ሕጂ ሓሲብዎ ካብ ዘሎ ብዝተፈለየ ኣገባብ ክትግብርዎ ይኽእሉ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?