
ካብ የመናውያን ዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ እንደገና ክግምገም እዩ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንየመናውያን ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ንክቕየር ወሲኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተሓትመ ብዛዕባ የመን ዝምልከት ሓድሽ ወግዓዊ ጸብጻብ እዩ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ካብ 17 ጥቅምቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ። ካብ የመናውያን ዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ዳግማይ ክግምገም እዩ።
ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ጸብጻብ፣ እቲ ዝፍጸም ገነጽ ኣብ ነፍስወከፍ ኣውራጃ ይፈላለ እዩ
እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ዑቕባ የመን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ነፍስወከፍ ሰብ ብሰንኪ ሃንደበት ዝፍጸም ጎነጽ ብቕጽበት ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ከምዘይኮነ ይገልጽ። ብመሰረት እቲ
ንመጀመርታ ግዜ ናይ ውሽጢ ሃገር ሰፈራ ኣማራጺ ኣሎ
እቲ ሚኒስተር፣ ናይ ውሽጢ ሃገር ናይ ሰፈራ ኣማራጺ ከምዘሎ ኣብ ፖሊሲኡ ይግምት። እዚ ማለት እቶም ካብተን ዓመጽ ብብዝሒ ዝፍጸመለን ኣውራጃታት ብሰንኪ ዓመጽ ኲናት ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ኣውራጃታት ኣልማህራንን ሃድራማውትን ብሰላም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። እዚ ድማ
ገና ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ውልቃዊ ኩነታትካ ግን ኣገዳሲ እዩ
IND ሕጂ እውን ካብ የመን ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ይኣምን እዩ፣ እንተኾነ ግን ነፍስወከፍ ሰብ ብማዕረ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ኣይኣምንን። ስለዚ ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ኣብ የመን ዝያዳ ክትነግር ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ንባዕልኻ ብውልቂ እንታይ ከም ዘጋጠመካ ክትነግር ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ኣብ የመን ኣብ ሓደጋ ትርከብ? ንኣብነት ምናልባት ብሰንኪ እዚ ዝስዕብ ምኽንያት ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ትርክብ ትኸውን፡
ኣካላዊ ስንክልና ስለ ዘለካ
ኣብ የመን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዘእተወካ ሞያ ስለዘለካ ወይ ስለዝነበረካ
ኣዚኻ ንእሽተይ ወይ ኣዚኻ ሽማግለ ስለ ዝኾንካ
ኣባል ኣብ ሓደጋ ናይ ዝርከብ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ። ንኣብነት ኣብ የመን ጋዜጠኛ፣ ኣክቲቪስት ወይ ተቓዋሚ መንግስቲ ስለዝኾንካ ወይ ስለዝነበርካ። ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ብሄር፣ ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዉሑዳን ጉጅለ ስለዝኾንካ፣ ንኣብነት
ስለ ዝኾንካ።LHBTQIA+