ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእን ዑቕባ ንምርካብ ምምልካትን
ከም ስደተኛ ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ። ብመሬት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ብነፋሪት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ ድማ፣ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑቕባ ትሓትት።
ሓበሬታ
ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምሕታት፡ መን ክሕግዘካ ይኽእል፣ ብኸመይ ትዳሎው፣ መርስሕ ዑቕባ' ኸ ከመይ ይመስል?
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ኣለኻ። እዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ኣብዘን ቪድዮታት እዚኣተን፡ ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ ዝምልከቶ ስጉምትታትን መን ከም ዝሕግዘካን ደረጃ ብደረጃ ንገልጽ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት 2 ዓይነት ሓለዋ ኣለዉ?
ብሰንኪ ሓደስቲ ናይ ኔዘርላንድ ሕግታት፣ ኣብ መንጎ ደረጃ ስደተኛታትን ካልኣዊ ንኡሳን ሓለዋን ዘሎ ፍልልይ ዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን ኣሎ። እዞም ቃላት እዚኣቶም እንታይ ማለት ምዃኖምን፣ ኣየናይ ዓይነት ሓለዋ ከም ዘለካ ኣበይ ከም እትርኢን ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንመንበሪ ፍቓድካ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካን፣ ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃንን እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ከተንብብ ኢኻ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተሃሊኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ዑቕባ ክትሓትት ምስ እትደልይ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተኻ ነዚ ክትገብር ኣለካ
ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ ዲኻ፣ ብመንገዲ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ብወደብ ድማ ኣይኮንካን ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ዑቕባ ንኸተመልክት ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ተጓዓዝ። ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ኔዘርላንድ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ምምጻእ
ብነፋሪት ብስኺፖል (Schiphol)፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ኣቲኻ? ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ዘኽእል ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ኣብኡ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ትጽበይ።

ውላድካ ንክሃድም ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ስለዘለዎ ናይ ዑቕባ መሰል ክህልዎ ይኽእል።
ምስ ደቅኹም ናብ ኔዘርላንድ እንተሃዲምኩም ሓቢርኩም ዑቕባ ትሓቱ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ IND ምስ ወለዲ ጥራይ እዩ ዝዛረብ። ይኹን እምበር ዛንታ ደቅኹም እውን ክስማዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ኣብታ ዝሃደምካላ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዝሓሸ ስእሊ ይፈጥር።