ስራሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር ትደልይ ኢኻ። ንስድራኻን ንገዛእ-ርእስኻን ዝኸውን ገንዘብ ንኽትረክብ። ወይ ድማ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትደልይ ኢኻ። ትሑዝ ንኽትከውንን ተመኩሮ ንኽትረክብን። ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻን W-document ዘለካን ምስ እትኸውን፣ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።


መርሓ ውጥን (2)

ሓበሬታ

ስራሕ ምስ ዝህልወካን ምስ እትሓምምን ዘለካ መሰላት

ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ዝተፈላለዩ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሃልኪ። ስለዚ ሽዕኡ እንደገና ናብ ስራሕ ንኽትምለስ ምስ ሓኪም-ትካል ውጥን ትገብር።

ዓንቀጽ
ሕማምን ናይ ዕዮ ስንክልናን

እንተድኣ ሓሚምካን ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእልን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እንተድኣ ሓሚምካ፣ ምሕማምካ ንኣስራሒኻ ትሕብር። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሕማምን ስራሕን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። መሰላት ኣለካ፣ ግን ድማ ግዴታታት እውን ኣለካ። ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ዓንቀጽ
ሕማምን ናይ ዕዮ ስንክልናን

ኣስራሒኻ መዓስ እዩ ከባርረካ ዝፍቀደሉን መዓስ ድማ ከምኡ ክገብር ዘይፍቀደሉን?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ኣስራሒ ካብ ስራሕ ጥራይ ከባርረካ ኣይፍቀደሉን እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ኣስራሒኻ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ምኽንያት ክህልዎን ቅኑዕ ስጉምትታት ክኽተልን ኣለዎ። እዚ ጽሑፍ እዚ መዓስ ምብራር ከም ዝፍቀድን መሰላትካ እንታይ ምዃኑን ይገልጽ።

ዓንቀጽ
ናይ ዕዮ መሰላትን ውዕላትን

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ እንታይ መሰላት ኣለካ?

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ወይ ግዝያዊ ውዕልካ ከይተሓደሰ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዉኻ። እንታይ ክትረክብ መሰል ከምዘለካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
ናይ ዕዮ መሰላትን ውዕላትን

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት

ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​ስራሕካ እንተስኢንካ፣ ምናልባት ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW-uitkering) እትረክብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ፣ ኣብ መንጎ እቲ ዝሓለፈን ሓድሽን ስራሕካ ዘሎ እዋን ንእትስእኖ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝወሃብ ግዝያዊ ገንዘባዊ ደገፍ እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ንኣብነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ብተኸታታሊ ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ።

ዓንቀጽ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
ናይ ዕዮ መሰላትን ውዕላትን

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን

ሓታቲ ዑቕባ ዲኻ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 67 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ወይ ዕድሜኻ ድሮ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ጡረታ ኣብ ዝረኽብሉ ዕድመ ኢኻ እትርከብ። እንተኾነ ግን ዳርጋ ሕጂ ናብ ኔዘርላንድ ስለ ዝመጻእካ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን። ናይ መነባብሮ ኣበል ግን ትረክብ ኢኻ።

ዓንቀጽ