ስራሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር ትደልይ ኢኻ። ንስድራኻን ንገዛእ-ርእስኻን ዝኸውን ገንዘብ ንኽትረክብ። ወይ ድማ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትደልይ ኢኻ። ትሑዝ ንኽትከውንን ተመኩሮ ንኽትረክብን። ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻን W-document ዘለካን ምስ እትኸውን፣ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።

መርሓ ውጥን (2)

ሓበሬታ

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

እዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብውሕስነት ምስራሕ ክትፈልጦ ዘለካ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ኣስራሒ ብሕማቕ ይሕዘካ። ንኣብነት ዝኾነ ገንዘብ ምስ ዘይከፍለካ ወይ ብዙሕ ክትሰርሕ ምስ እትግደድ። እዚ ምዝመዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ዘይፍቀድ ኮይኑ እናሃለወ ትሰርሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን መሰላት ዕዮ ኣለዉኻ፣ ከምኡ እውን ምዝመዛ ከምዘጋጠመካ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን

ሓታቲ ዑቕባ ዲኻ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 67 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ወይ ዕድሜኻ ድሮ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ጡረታ ኣብ ዝረኽብሉ ዕድመ ኢኻ እትርከብ። እንተኾነ ግን ዳርጋ ሕጂ ናብ ኔዘርላንድ ስለ ዝመጻእካ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን። ናይ መነባብሮ ኣበል ግን ትረክብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ስራሕ ምስ ዝህልወካን ምስ እትሓምምን ዘለካ መሰላት

ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ዝተፈላለዩ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሃልኪ። ስለዚ ሽዕኡ እንደገና ናብ ስራሕ ንኽትምለስ ምስ ሓኪም-ትካል ውጥን ትገብር።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት

ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​ስራሕካ እንተስኢንካ፣ ምናልባት ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW-uitkering) እትረክብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ፣ ኣብ መንጎ እቲ ዝሓለፈን ሓድሽን ስራሕካ ዘሎ እዋን ንእትስእኖ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝወሃብ ግዝያዊ ገንዘባዊ ደገፍ እዩ። ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ንኣብነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ብተኸታታሊ ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር