ፖለቲካ ኣብ ኔዘርላንድ
ሓበሬታ

መንግስቲ እንታይ ይሰርሕ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕማማት' ከ እንታይ እዩ?
ኣብ ኔዘርላንድ መንግስቲ መዓልታዊ ንሃገር ዝምልከቱ ውሳኔታት ይወስድ። እዞም ውሳኔታት ንጥዕናን ትምህርትን፣ ንጸጥታን ክሊማን፣ ከምኡ እውን ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ እዮም። ንምዃኑ መንግስቲ ብልክዕ እንታይ እዩ ስርሑ? ቀዳማይ ሚኒስተር' ከ ኣብ መንግስቲ እንታይ ግደ ኣለዎ?

ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ምርጫታት ኣለዉ?
ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት ፖለቲካዊ ምርጫ ኣሎ። ኩሉ ሰብ ክመርጽ ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ምርጫ ዕለቱ ከምኡውን ናይ መረጽቲ ብቑዓት መለክዒታት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።"intro of https://preview.refugeehelp-test.nl/nl/asylum-seeker/article/100546"

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከተድምጽ ትኽእል?
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከም በዓል ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ባይቶ ምምሕዳር ከተማ፣ ወይ ባይቶ ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ምርጫታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ምድማጽ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ደረጃ ብደረጃ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መድመጺ ነቚጣ እንታይ እዩ ዕማሙ፣ ኣብኡ' ኸ መን ይሰርሕ?
ኣብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ኣድሚጽካ ኣብ ናቑጣ ድምጺ ኢኻ ትመርጽ። ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ናቑጣታት ምርጫ ይርከቡ። ኣብኡ ግን ብልክዕ እንታይ ይፍጸም፡ ኣብኡኸ መን ይሰርሕ? እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዅሉ ብዛዕባኡ ክትነግረካ እያ።

መብርሂ መዓልቲ ምርጫ፡ ካብ ትንበያ ምርጫ ክሳብ ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲ
ምርጫ ባይቶ ኔዘርላንድ ንኽካየድ ናይ መወዳእታ ሳምንታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ‘መጽናዕትታት ርእይቶ’ ክካየዱ እዮም። ተመራመርትን ጋዜጠኛታትን ሰባት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ንመን ከም ዘድምጹ ክትንበዩ እዮም። ኣብ መዓልቲ ምርጫ እውን ሰባት ንመን ከም ዘድመጹ ክሕተቱ እዮም፣ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ትንበያ ምርጫ ድማ ‘ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲ' ይበሃል። ብዛዕባ መጽናዕቲ ርእይቶ፣ ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲን፣ ናይ ምርጫ ናይ ውጽኢት ምሸትን ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሰኔት እንታይ ይገብር?
ውሳኔታት ናይዚ ክፋል ባይቶ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝፍጸም ነገራት ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ። ንምዃኑ ሰኔት ብልክዕ እንታይ እዩ? ውሳኔታቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ? ሰኔት ንምንታይ ኣብ ምሕደራ ኔዘርላንድ ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።