ፖለቲካ ኣብ ኔዘርላንድ

ብዛዕባ ሰኔትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን፣ ወይ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምርጫ ኔዘርላንድ ዝያዳ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ወይ ሕግታት ብኸመይ ከም ዝፍጠሩ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ እዚ ብዛዕባ ፖለቲካ ኔዘርላንድ ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።


ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ሕጊ ብኸመይ ይፍጠር?

ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ሕግታት ኣብ ህይወትካ ጽልዋ ከም ዘለዎም ቀልጢፍካ ትግንዘብ ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ወይ ስራሕ። ንምዃኑ እዞም ሕግታት ብኸመይ እዮም ዝፍጠሩ? መን' ከ ብዛዕብኦም ይውስን? ኣብ ኔዘርላንድ ሕግታት ብኸመይ ከም ዝፍጠሩ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

መንግስቲ እንታይ ይሰርሕ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕማማት' ከ እንታይ እዩ?

ኣብ ኔዘርላንድ መንግስቲ መዓልታዊ ንሃገር ዝምልከቱ ውሳኔታት ይወስድ። እዞም ውሳኔታት ንጥዕናን ትምህርትን፣ ንጸጥታን ክሊማን፣ ከምኡ እውን ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ እዮም። ንምዃኑ መንግስቲ ብልክዕ እንታይ እዩ ስርሑ? ቀዳማይ ሚኒስተር' ከ ኣብ መንግስቲ እንታይ ግደ ኣለዎ?

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ምርጫታት ኣለዉ?

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት ፖለቲካዊ ምርጫ ኣሎ። ኩሉ ሰብ ክመርጽ ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ምርጫ ዕለቱ ከምኡውን ናይ መረጽቲ ብቑዓት መለክዒታት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።"intro of https://preview.refugeehelp-test.nl/nl/asylum-seeker/article/100546"

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከተድምጽ ትኽእል?

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከም በዓል ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ባይቶ ምምሕዳር ከተማ፣ ወይ ባይቶ ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ምርጫታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ምድማጽ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ደረጃ ብደረጃ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

መብርሂ መዓልቲ ምርጫ፡ ካብ ትንበያ ምርጫ ክሳብ ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲ

ምርጫ ባይቶ ኔዘርላንድ ንኽካየድ ናይ መወዳእታ ሳምንታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ‘መጽናዕትታት ርእይቶ’ ክካየዱ እዮም። ተመራመርትን ጋዜጠኛታትን ሰባት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ንመን ከም ዘድምጹ ክትንበዩ እዮም። ኣብ መዓልቲ ምርጫ እውን ሰባት ንመን ከም ዘድመጹ ክሕተቱ እዮም፣ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ትንበያ ምርጫ ድማ ‘ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲ' ይበሃል። ብዛዕባ መጽናዕቲ ርእይቶ፣ ዳህሳስ ርእይቶ ኣድመጽቲን፣ ናይ ምርጫ ናይ ውጽኢት ምሸትን ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር