
ካብ ሶሪያ ዝመጽአ ሓሰን (31)፣ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ከድምጽ እዩ፡ "እንተድኣ ዘየድመጽካ ከተማርር ኣይትኽእልን ኢኻ።"
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሓሰን (31) መሃንድስ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ዜግነት ኔዘርላንድ ተቐቢሉ።ኣብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኔዘርላንድ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ድምጺ ክህብ እዩ። "ኣብ ህይወተይ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ድምጺ ክህብ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።"
ናይ ምምራጽ መሰል፡ ሓድሽ ሓላፍነት
ሓሰን ድምጺ ከም ዝህብ ርግጸኛ እዩ። "ኣብ ኔዘርላንድ ድምጺ ምሃብ ከም ‘ሓቀኛ’ እምበር ከምቲ ኣብ ሃገረይ ዝግበር ተዋስኦ ኣይኮንኩን ዝርእዮ።" ንሱ 4 ዓመታት ንፖለቲካ ኔዘርላንድ ክከታተል ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝካየድ ክትዓት ብፍላይ ድማ ፖለቲከኛታት ዝራኸብሉ ኣገባብ መሳጢ ኮይኑ ይረኽቦ፡ "2 ካብ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ዝመጹ ሰባት ብውዕዉዕ ስምዒት ክካትዑ ትርኢ፣ እቲ ክትዕ ምስተዛዘመ ግን እናሰሓቑ ክኸዱን፣ ብንቡር ክዛረቡን ትርእዮም።"
ሓሰን ገሊኦም ኔዘርላንዳውያን መንእሰያት ዘየድምጹ ምዃኖም ዝገርም ኮይኑ ይረኽቦ፣ ንሱ ንጹር መልእኽቲ ኣለዎ፡ "እንተድኣ ዘየድመጽካ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ጸገማት ዘሎ ኮይኑ እንተድኣ ረኺብካዮ፣ ከተማርር ኣይትኽእልን ኢኻ።"
ስንባደ ናይቲ ኣብ 2023 ዝነበረ ውጽኢት
ኣብ 2023 ድምጺ ክህብ ዘይፍቀደሉ እኳ እንተነበረ፣ ሓሰን ድሮ ሽዕኡ ነቲ ምርጫ ብሰፊሑ ይከታተሎ ነይሩ እዩ። ዓወት PVV ዓቢይ ስንባደ ዘሕደረ እዩ ነይሩ። ሓደ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ብታሕጓስ ንስም መራሒ ናይቲ ሰልፊ እናጸውዐ ‘ኺርቸ ኺርቸ!‘ ኢሉ ምስ ጨደረ፣ ስንባደኡ ዝያዳ ወሰኸ። ሓሰን፣ መሳርሕቱ ንPVV ዝመረጸሉ ምኽንያት ከም ግብረ-መልሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ምዃኑ፣ ግን ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ኣባይትን ምኽባር ዋጋታትን እውን ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን። ኣብ ዝሰርሓሉ ትካል ፈላማይ ሶርያዊ ዝኾነን፣ ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ዘለዎን ሓሰን ስክፍታ ነይርዎ። "PVV፣ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ጠንቂ ኩሉ ጸገማት ኔዘርላንድ ምዃኖም ሰባት ንኽኣምኑ እዩ ዝገብር።"
ቅልውላው ኣባይቲ ናይ ምርጫ ድምጺ ይውስን
ሓሰን ንኸድምጽ ጽቡቕ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። ናይ ምርጫ ማኒፌስቶታት የንብብን፣ ምስ መሳርሕቱ ይዘራረበሎምን ኣሎ። ቅልውላው ኣባይቲ ምፍታሕ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ንመንበሪ ኣባይቲ ሓቀኛ ፍታሕ ዘቕርብ ሰልፊ ብስትራተጂ ክመርጽ ይደሊ። እንተኾነ ግን ሓደ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣገዳሲ ደረት ኣለዎ፡ "ኣነ ቅልውላው ኣባይቲ ምስ ፍልሰት ምትእስሳር ኣይቕበሎን እየ። እቲ መፍትሒ ዝያዳ ምህናጽ እዩ፣ ኣባይቲ ንምህናጽ ድማ ብፍልሰት ዝመጽኡ ሰባት የድልዩኻ። ኣነ ኣብ ሲቪል ምህንድስና ዝሰርሕ ከም ምዃነይ መጠን፣ ኣብ ስርሐይ ከምኡ እየ ዝዕዘብ።" ኣብ መደምደምታ፡ "ንቅልውላው ኣባይቲ መፍትሒ ዘለዎ፣ ግን ድማ ብፍልሰት ዝመጽኡ ሰባትን ስደተኛታትን ክጥረዝ ንዝደሊ ሰልፊ ፈጺመ ኣይመርጽን እየ" ክብል ይዛዝም።