
IND ድሕሪ ደጊም ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ምኽፋል ኣየድልዮን
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2026 ሰኔት፣ IND ብዛዕባ ዘመልከትዎ ዑቕባ ወይ ዘመልከትዎ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ውሳነ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ እንተድኣ ደንጉዩ፣ ሓተትቲ ዑቕባ ወይ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ደጊም ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ክረኽቡ ዘይክእሉ ምዃኖም ዝድንግግ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ኣጽዲቑ ኣሎ። እዚ ንሕጋዊ መስርሓት እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እንታይ ዓይነት ኣማራጺታት ከም ዝተረፉን ኣንብብ።
ካብ IND ውሳነ ንዝጽበዩ ሰባት እንታይ ዝተቐየረ ነገር ኣሎ?
IND ውሳነ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ እንተድኣ ደንጒዩ፣ ሓተትቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባትን IND ድሕሪ ዝቐረበሉ ወግዓዊ ሕቶ ኣብ ግዚኡ ክውስን እንተድኣ ዘይክኢሉ፣ ናብ ቤት-ፍርዲ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም።
ዳኛ ንIND ኣብ ውሽጢ ሓድሽ ገደብ-ግዜ ውሳነ ንኽህብ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ዳኛ IND ውሳነ ኣብ ምሃብ እንተድኣ ደንጒዩ ንኣመልካቲ ገንዘብ ክኸፍል ከምዘለዎ እውን ክእዝዝ ይኽእል እዩ። እዚ ገንዘብ እዚ ድማ ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ይበሃል።
ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2026
ዳኛ ሕጂ እውን IND ውሳነ ክህብ ከም ዘለዎ ክውስን ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ድሕሪ ደጊም ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ክብይን ኣይክእልን እዩ።
እቲ ሓደስቲ ሕግታት ንኻልኦት ናይ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲታትን፣ ኣንጻር ውሳነታት IND ንዝቐርቡ ተቓውሞታትን እውን ይምልከቱ እዮም።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ድሮ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝኸዱ ሓተትቲ ዑቕባ እንታይ ማለት እዩ?
ነቶም ድሮ ሕጋዊ መስርሕ ጀሚሮ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባትን፣ እዚ መዓስ ዝተገብረ ምዃኑ ኣገዳሲ እዩ።
IND ውሳነ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ደንጉዩ ድዩ፣ ከምኡ እውን ቅድሚ እቶም ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ይግባይ ቀሪቡ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ብዝምልከት እቲ ናይ ቀደም ሕግታት ተግባራዊ ኮይኑ ይቕጽል። ስለዚ ዳኛ፣ IND ገና ውሳነ እንተድኣ ዘይሂቡ መቕጻዕቲ ንክኸፍል ክእዝዝ ይኽእል እዩ።
እዚ ነቶም ንIND ብመንገዲ ወግዓዊ ደብዳቤ
እቲ ሓድሽ ሕጊ ንጉዳይካ እንታይ ማለት ምዃኑ ምስ ጠበቓ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ። ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፣ ኣብ