ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ዕድሜኻ ካብ 18 ክሳብ 67 ዓመት ድዩ? ስለዚ መንግስቲ ኔዘርላንድ ክትመሃርን ምስ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ክትላለይን ከምዘለካ ይጠልብ እዩ። እዚ ድማ ምውህሃድ ይበሃል። መዓስን ብኸመይን ምውህሃድ ከም እትጅምር ኣብዚ ኣንብብ።
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ሓገዝ ምስ እትደልይ፣ ሓገዝ ብኸመይን ኣበይን ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ።