
ኣብ ኔዘርላንድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ ናብ ኩሉ ቦታ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ብባቡራት፣ ኣውቶቡሳት፣ ትራማትን ሜትሮታትን ኣቢልካ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዝተፈላለያ ትካላት መጎዓዝያ ኣለዋ
ኔዘርላንድ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓላፍነት ዝስከማ ሓያሎ ትካላት ሞጎዓዝያ ኣለዋ።
ብዛዕባ መጓዓዝያ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ትካል መጎዓዝያ ናይ ዞባኻ ተወከስ። ከምኡ እውን ክህሉው ዝኽእል ጎደሎ ዋጋ ንምርኣይ።
ጉዕዞኻ ኣቐዲምካ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ
ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ኣለካ ዲኻ? ብኢንተርነት ኣቐዲምካ መገሻኻ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ። ንጉዕዞ ባቡር ብዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ NS ብኢንተርነት ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ኣብ
ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት መጎዓዝያ ሓበሬታ ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ
ብቚዕ ትኬት ክህልወካ ኣለዎ
ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጓዓዝ እንከለኻ ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ትኬት ክህልወካ ኣለዎ። ሕጋዊ ትኬት ንምርካብ ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ክትገብሮ ትኽእል፡
ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድኻ ክትኣቱው ትኽእል
ካብ ማሽን ናይ ወረቐት ትኬት ክትገዝእ ትኽእል
ብናይ ባንክ ካርድኻ፣ ብክረዲት ካርድኻ፣ ብሞባይልካ ወይ ብስማርት ሰዓትካ ክትኣቱውን ክትወጽእን ትኽእል
ናትካ
OV-pas ተጠቒምካ ክትጓዓዝ ትኽእል።
ብናይ ባንክ ካርድኻ፣ ብክረዲት ካርድኻ፣ ብሞባይል ተሌፎንካ ወይ ብስማርት ሰዓትካ ወይ OV-pas ዲኻ ትኣቱን ትወጽእን? ስለዚ OVpay ትጥቀም።
OVpay ኣብ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት እዩ። ብዛዕባ
ኣብ መደበራት ባቡር መብዛሕትኡ ግዜ ብሽክለታ ክትካረይ ትኽእል
ኣብ ብዙሓት መደበራት ባቡር ካብ NS ብሽክለታ ክትካረይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ 'OV-fiets' ይበሃል። 'OV-fiets' ብሽክለታ ንምክራይ ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ ምጓዓዝያ ቺፕ ካርድ የድልየካ። ኣብኡ ድማ ብነጻ ናይ 'OV-fiets' ውዕል ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ NS፣ ኣብቲ 'Mijn NS' ዝብል ብምእታው ባዕልኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣብ 'Producten' ዝብል፣ ኣብ ትሕቲ እቲ 'Van Deur tot Deur' ዝርከብ 'OV-fiets' ዝብል ምረጽ። ብድሕሪኡ ናይ 'OV-fiets' ውዕል ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ። ምክራይ 'OV-fiets' ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብዝምልከት እውን ኣብዚ ገጽ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
'OV-fiets' ንምጥቃም ንነፍስወከፍ 24 ሰዓታት ኢኻ ትኸፍል። ንትሕቲ 24 ሰዓታት ብሽክለታ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን እውን ነዚ መጠን ገንዘብ ኢኻ ትኸፍል።
ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝምልከቱ ሕግታት እዚኦም እዮም
ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ ዝተወሰኑ ሕግታት ክተኽብር ኣለካ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡