ምንጪ፡ Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ተዋድድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/1/2025 05:44

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ቪዛ ናብ ኔዘርላንድ ንምጉዓዝ የድልይ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን ንኣባል ስድራ-ቤትካ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከተዋድደሉ ኣለካ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ይወስድ

ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ ኣባል ስድራቤትካ ካብቲ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ክወስድ ኣለዎ። እዚ ቪዛ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (MVV) ዝበሃል ኮይኑ፡ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን (IND) ዝሕተት እዩ። ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ኔዘርላንድ እንተዘይሃልዩ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ነቲ ቪዛ ክህብ ኣለዎ። ድሕሪኡ ኣባል ስድራቤትካ ናብቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ብምኻድ ነቲ ቪዛ ክወስድ ኣለዎ።

እቲ ካብ IND ዝመጽእ ፍቓድ ስድራቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ ዘረጋግጽ ደብዳበ፡ ኣባል ስድራቤትካ ብኸመይ MVV ክእክቦ ከም ዝኽእልን ናይ ምእካብ ናይ መወዳእታ ግዜን ዝምልከት መምርሒታት እውን የጠቓልል። ኣብ እዋን ቆጸራ ኣባል ስድራቤትካ እዞም ዝስዕቡ ከድልዮም እዩ፤

  • ብዲጂታል ዝተመልአ፣ ተሓቲሙ ዝወጽአን ዝተፈረመን ናይ MVV መመልከቲ ቅጥዒ

  • ፓስፖርት። እቲ ፓስፖርት እንተወሓደ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕን ክልተ ባዶ ገጻት ክህልዎን ኣለዎ (እቲ ናይ MVV ቪዛ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓስፖርት ዝተቐመጠ ስቲከር እዩ)። ኣባል ስድራቤትካ ፓስፖርት እንተዘይብሉ፡ ንሓደ መገሻ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ መተካእታ ሰነድ ክረኽቡ እዮም። እዚ ድማ laissez-passer ይበሃል። በዚ ሰነድ እዚ ኣባል ስድራቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክገይሽ ይኽእል።

  • ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ፓስፖርት ዝርከብ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ስእልን ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታን ዝሓዘ ገጽ።

  • ጠለባት መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘማልእ ሓድሽ ናይ ፓስፖርት ስእሊ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብኸመይ ቅኑዕ ስእሊ ፓስፖርት ክወስድ ዝኽእል ሰኣላይ ከም እትረክብ ብቋንቋ ኔዘርላንድ

    ከምኡ እውን እንግሊዝ ክትረክብ ኢኻ።

  • ቅዳሕ ናይቲ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣወንታዊ ውሳኔ ዝሓዘ ካብ IND ዝመጽአ ደብዳቤ።

ከም ልሙድ፡ ኣባል ስድራቤትካ፡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን (IND) ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ብቑዕ ድዩ ኣይኮነን ካብ ዝውስን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ MVV ክእክብ ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ግዜ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ይናዋሕ፣ ንኣብነት እቲ ኤምባሲ ክትበጽሖ ኣጸጋሚ እንተኾይኑ ወይ ኣባል ስድራቤትካ ናብቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ክገይሽ እንተድኣ ኣድልይዎ።

እቲ ካብ IND ዝመጸ ደብዳበ፡ ኣባል ስድራቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክገይሽ ከም ዝኽእልን ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን እውን ይገልጽ።

ናብ ኔዘርላንድ ንዝግበር ጒዕዞ ትኬት ምሕዛእ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ MVV ወሲዱ ድዩ? ስለዚ ንስኻ ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ናይ ዝገብርዎ በረራ ትኬት ክትሓዝእ ትኽእል ኢኻ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብረሉ ቦታ ተዋድደሉ

  • ድሮ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝነብረሉ ገዛ ኣለካ ድዩ?
    ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአ ምሳኻ ክነብር ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝዓበየ ገዛ ትረክብ ኢኻ። ኣብ ጉዳይካ እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ VWN ናብ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ሕተት። ኣብዚ ኣብ RefugeeHelp ዝርከብ ገጽ ፣ብምኽንያት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትግዕዝ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።  

  • ገና ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዲኻ ትነብር ዘለኻ?
    ስለዚ ካብ

    ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ COA ገዛኻ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዘይምቹእ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ክትገብር ኣለካ፣ ንኣብነት ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝኾነ። ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚርካ ሓገዝ ንምርካብ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ምስ ዝርከብ COA ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ስጉምትታት ብምኽታል ድማ ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ 

    1. መዕቆቢ ንምርካብ ንኸተመልክት ናብ COA ኢ-መይል ስደድ። እቲ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ፡ ZevenaarDuiven@COA.nl እዩ፤

    2. ኣብቲ እትልእኮ ኢ-መይል ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ኣስፍር፡ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ቁጽሪ ተሌፎንካ፣ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻ፤

    3. ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ናይ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ኣስማት ናይ ኩሎም ብምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣

      ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፤ 

ብተወሳኺ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽእሉ ዕለትን፣ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ መዓስ መዕቆቢ ከም ዘድልዮምን ለኣኽ። ኣብ ውሽጢ 2 ናይ ስራሕ መዓልታት ድማ ካብ COA ብመንገዲ ኢ-መይል መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ።

ኣብ ዜቨናር ኣብ ዝርከብ COA እኹል ቦታ የለን

ኣስተውዕል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዜቨናር (Zevenaar) ኣብ ዝርከብ COA ኣዝዩ ሒደት ቦታታት ጥራይ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተኻ ኩሉ ግዜ ቅጽበታዊ መዕቆቢ የለን። ኩሉ ግዜ ብኢ-መይል ኣብ ግዚኡ መዕቆቢ ሕተት፣ ከምኡ እውን ካብ ኣየናይ ዕለት ጀሚርካ መዕቆቢ ከም ዘድልየካ ብንጹር ኣመልክት።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ምሳኻ ኣብ ገዛኻ ዝነብር እንተድኣ ኮይኑ፣ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ትሕዝ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ መንበሪ ፍቓዱ ክወስድ ኣለዎ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ ኣብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND እዩ ዝገብሮ። ኣቐዲምካ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዝ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ

እውን ክምዝገብ እዩ። ኣብ BRP ንምምዝጋብ ዝኸውን ዕድመ ድማ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብቲ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND ክቕበል እዩ። እቲ ምዝገባ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ጥቓ እቲ ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር ኣብ ዝርከብ
ክካየድ እዩ። 

ኣባል ስድራ-ቤትካ መዓስ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝኣቱው ምስ ፈለጥካ ብቐጥታ ቆጸራ ግበር። ከም ዓይኒ ሓቂ እቲ ምስ IND ዝግበር ቆጸራ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት እዩ ክካየድ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ IND ጻዕቂ ስራሕ ስለዘሎ ከምዚ ቀልጢፍካ ቆጸራ ክትሕዝ ዳርጋ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቆጸራ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ጥራይ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ቅድሚ ምምጽኦም ቆጸራ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ኣብ VWN ኮንታክትርፐሶን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ቆጸራ ንምሓዝ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። 

ምስ IND ቆጸራ ግበር 

ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ኣብዚ ገጽ ቆጸራ ግበር።

ነዚ ቆጸራ ድማ ኣብ ጥቓኻ ምስ ዝርከብ ናይ IND ቤት-ጽሕፈት ኢኻ ትገብሮ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መዕቆቢ እንተድኣ ኮይኑ ክነብር፣ COA ምስ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ

ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ናብ COA ኢ-መይል ሰዲድካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ COA ኣብ ዘቬናር ምስ ዝርከብ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ክትሕዝ ኣየድልየካን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር