ምንጪ፡ Emma Bauso
ዓንቀጽ

ኣእምሮኻ ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓካን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/30/2024 2:11 ድ.ቀ.

ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ጸቕጢ፣ ድቃስ ምስኣን ወይ ሕማቕ ኣተኲሮ ክህልወካ ዘገርሙ መለለይታት ኣይኮኑን። እዞም መለለይታት ኣካል ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ እዮም። እዚ ዓይነት ጥዕና ከመይ ከም ዝስምዓካ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዝሓሸ ንኽስምዓካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ኣንብብ።

ጸቕጢ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ንኸይስምዓካ ጠንቂ እዩ

ናብ ካልእ ሃገር ንስደት ምስ እትሃድም ብዙሕ ጥዕና ዘይስምዓካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ጸቕጢ እዩ። ጸቕጢ ምስ ዝህልወካ፣ ጓሂን ፍርሒን ክስምዓካ ይኽእል። ገሊኦም ሰባት ምስ ካልኦት ርክብ ክገብሩ ኣይደልዩን፣ ሰብ ንኽኣምኑ ድማ የጸግሞም። ነዚኦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኢልና ንጽውዖም። ሓደ ሓደ ግዜ ከም ቃንዛን ሸውሃት ዘይምህላውን ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ጥርዓናት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። 

ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ከምዚ ክስምዓካ ዘገርም ኣይኮነን። ጸቕጢ፣ ኣካልካ ንኣጸገምቲ ወይ ኣእምሮ ንዘሰንብዱ ፍጻመታት ዝህቦ ባህርያዊ ምላሽ እዩ። እዚ ኣዝዩ ንቡር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ጥርዓናት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይሓድጉኻ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እንደገና ንኽሕሸካ ሓገዝ የድልየካ። 

ኣእምሮኻ ጽቡቕ ዘይስምዓካ ምህላዉ ብኸምዚ ኢኻ እተለልዮ

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ጸቕጢ መለለይታት ኣለዉ። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘይስምዓካ ምህላዉ በዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ መለለይታት ከተለልዮ ትኽእል ኢኻ። 

  • ጽቡቕ ዘይምድቃስ

  • ካብ መጠን ንላዕሊ ምሽቓል 

  • ድኻም

  • ንኸተተኲር ምጽጋም

  • ረሳዒ ምዃን 

  • ቀልጢፍካ ምሕራቕ 

  • ቀልጢፍካ ምብካይን ቀልጢፍካ ምስንባድን

  • ሕማቕ ሕልሚ ምሕላም 

ብርግጽ ካብዚ ንላዕሊ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተኣሳሰሩ መለለይታት ኣለዉ እዮም። ንነዊሕ እዋን ጽቡቕ ኣይስምዓካን ድዩ፣ እቲ ዘጉህይ ወይ ጸቕጢ ዝመልኦ ስምዒታትካ ድማ ባዕሉ ኣይሓደገካን ድዩ? ስለዚ ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለካ ማለት እዩ። ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ዝገልጹ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቃላት ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ ሓደ ግዜ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘጋጠመካ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘይስምዓካ ምህላዉ እውን ክትዛረብ ትኽእል።

ብኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ምስ እትጽገም ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል

ሓደ ሓደ ግዜ እንደገና ጽቡቕ ንኽስምዓካ ባዕልኻ ገለ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ታሕቲ ጽቡቕ ንኽስምዓካ ክትፍትኖም እትኽእል ነገራት ይርከቡ።

ብዛዕብኡ ምስ እትኣምኖ ሰብ ተዘራረብ

ምዝራብ ይሕግዝ እዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ጽምዋ ከም ዘይስምዓካ ክገብረካ ይኽእል። ሕጂ እውን ብዛዕባኡ ክትዛረብ ትሽገር ዲኻ? ስለዚ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ንጥፈታት ግበር ወይ ብዛዕባ ዕለታዊ ጉዳያት ጥራይ የዕልል። እዚ ድማ ብዙሕ ንኸይትጭነቕ ክሕግዘካ ይኽእል። ምስ ኣዕሩኽ፣ መሓዙት ወይ ኣዝማድ ምርኻብ፣ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ነኣሽቱ ዕለታዊ ጽገናታት ንምሕጋዝ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ንምስራሕ እውን ሕሰብ።

ዋላ ምስ እትደክም እውን ቀትሪ ኣብ ዓራት ክትጋደም ወይ ክትድቅስ ኣይትፈትን። ኣብ ክንድኡ ገለ ክትገብር ኪድ። ንኣብነት ኣብ ደገ ብእግሪ ወይ ብሽክለታ ምዝዋር። ወይ ስፖርት ምስራሕ። ምንቅስቓስ ኣካል ብዙሕ ጸቕጢ ከምዘይህልወካ ይገብር እዩ።

ኣብ ህይወትካ ስሩዕ ኣካይዳ ብምሓዝ ክትቕጽል ፈትን። እዚ ምስ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ኣብ መዕቆቢ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ ወይ ድማ ብሰንኪ ስደት ምሉእ ህይወትካ ዝተቐየረ ምስ ዝኸውን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስሩዕ ኣካይዳ ምስ ዝህልወካ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ምቚጽጻር ዘለካ ኮይኑ ንኽስምዓካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክትትንስእን ክትድቅስን ፈትን። ሓደ ሰዓት ቅድሚ ምድቃስካ ድማ ተሌቪዥን ካብ ምርኣይ ተቖጠብ። ኣብ ክንድኡ ሙዚቃ ምስ እትሰምዕ ወይ ምስ እተንብብ ኣእምሮኻ ዝያዳ ይሃድእ።

ብዙሕ እንተዘይጠመኻ እውን ክትበልዕ ፈትን። ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ምብላዕ ይምረጽ። ጥዕና ዘለዎም ነገራት ድማ ብላዕ። ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ስምዒታት ጸቕጢ ይቕንስን፣ ከምኡ እውን ጸዓት ይህበካን እዩ።

እምነት ንዓኻ ኣገዳሲ እንተድኣ ኮይኑ ናብ ቤተ-ክርስትያን ወይ መስጊድ ክትበጽሕ ፈትን። ንህይወትካ ብኻልእ ኣገባብ እውን ትርጉም ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናብ ቤተ-መዘክር ወይ ትያትር ብምኻድ። ወይ መጽሓፍቲ ኣንብብ ወይ ሙዚቃ ስማዕ። ኣብ ኔዘርላንድ ስደተኛታት ብነጻ ወይ ብሕሱር ዋጋ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ከም ቤተ-መጻሕፍቲ ወይ ቤተ-መዘክር ዝኣመሰሉ ናይ ባህላዊ ንጥፈታት ተኽእሎታት ኣለዉ። ከም በዓል ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ካብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሰባት ድማ ምኽሪ ሕተት።

እቲ ሕማቕ ስምዒትካ እንተድኣ ዘይሓደገካ ወይ እንተገዲዱ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ጥርዓናት ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ፣ ከምኡ እውን ኣእምሮኣዊ ሕማም ከጋጥመካ ይኽእል። እዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት እውን ይበሃል እዩ። እዚ ማለት ተጸሊልካ ማለት ኣይኮነን፣ የግዳስ ንነዊሕ እዋን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝጸናሕካን፣ ኣካልካን ኣእምሮኻን ደጊም ካብቲ ጸቕጢ ባዕሎም ክሓውዩ ኣይክእሉን ማለት እዩ።

ነዞም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ብዝበለጸ ንኽትገጥሞምን ጥዕና ኣእምሮኻ ንኽመሓየሽን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሕክምናታት ኣለዉ። እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንበይንኻ ክትገብሮ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ንኣብነት ካብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ሞያዊ ሓገዝ የድልየካ። ኣብዚ ታሕቲ ሒደት ኣብነታት ናይ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ሂብና ኣለና። ነዚ ኣባኻ እንተድኣ ኣለሊኻዮ፣ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት።

ኣብ እዋን ጭንቀት መብዛሕትኡ ግዜ ቅዛነት ይስምዓካ፣ ከምኡ እውን ነገራት ንምግባር ብዙሕ ድሌት ወይ ጸዓት ኣይህልወካን። ደጊም ዋላ ሓንቲ ክትገብር ዘይትኽእልን ህይወት ትርጉም ዘይብሉን ኮይኑ ድማ ይስምካ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ከተተኩር ኣይትኽእልን። ንነዊሕ እዋን ቅዛነት ማለት ጓሂ ምስ ዝስመዓካ፣ እዚ ጭንቀት ከምዘለካ ከመልክት ይኽእል እዩ።

ብሰንኪ ንኣእምሮ ዘሰንብድ ተሞክሮ ዝስዕብ ጸቕጢ ኣብ ዝህልወካ እዋን፣ ናይ ዝሓለፈ እዋን ኣጸገምቲ ዝኽርታት ገና ኣብ ሓሳባትካ ወይ ኣብ ሕልምታትካ ብተደጋጋሚ ይመጽኡ። መብዛሕትኡ ግዜ ክትፈርሕን ብቐሊሉ ክትስንብድን ድማ ትኽእል። ንኻልኦት ሰባት ክትኣምን ኣጸጋሚ ይኾነካ፣ ምስኦም ርክብ ንኸይትገብር ድማ ትመርጽ። ብተወሳኺ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ኣይትድቅስን።

ደጊም ብዘይ ሓሽሽ፣ መድሃኒት ወይ ኣልኮላዊ መስተ ክትዛነይ ምስ ዘይትኽእል፣ ኣካልካ ነዚ ለሚዱ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዞም ባእታታት ብዙሕ ግዜ ንምዝንጋዕ ወይ ጭንቅኻ ደው ንምባል ምስ እትጥቀመሎም ድማ እዚ ጸገም ከስዕብ ይኽእል።

ብመንገዲ ሓኪምካ ሞያዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ

ምልክታትካ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እንተዘይሃሊዮም ወይ እንተገዲዶም ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኣመልክት። ናብቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ፡ ሓጋዚ ልምምድ፡ ወይ ኣብ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ዝነጥፍ ነርስ ክውከሱኻ ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናትካ ንምፍታሕ ባዕሉ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ሓኪም ታሪኽካ ይሰምዕን፣ ኣየናይ ሓገዝ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ይውስንን። እቲ ሓኪም ብዛዕባ ድቃስን ኣመጋግባን ምኽሪ ይህበካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ሓኪም ጽቡቕ ንኽትድቅስ ዝሕግዘካ ንገለ መዓልታት ዝኸውን መድሃኒት ይህበካ።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ዝያዳ ከተንብብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣብ RefugeeHelp ኣንብብ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር