• ጀምር
  • ክንክን ጥዕና
  • ኣእምሮኻ ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓካን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ምንጪ፡ Emma Bauso

ኣእምሮኻ ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓካን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/12/2023 10:46 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ጸቕጢ፣ ድቃስ ምስኣን ወይ ሕማቕ ኣተኲሮ ክህልወካ ዘገርሙ መለለይታት ኣይኮኑን። እዞም መለለይታት ኣካል ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ እዮም። እዚ ዓይነት ጥዕና ከመይ ከም ዝስምዓካ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዝሓሸ ንኽስምዓካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ኣንብብ።

ጸቕጢ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ንኸይስምዓካ ጠንቂ እዩ

ናብ ካልእ ሃገር ንስደት ምስ እትሃድም ብዙሕ ጥዕና ዘይስምዓካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ጸቕጢ እዩ። ጸቕጢ ምስ ዝህልወካ፣ ጓሂን ፍርሒን ክስምዓካ ይኽእል። ገሊኦም ሰባት ምስ ካልኦት ርክብ ክገብሩ ኣይደልዩን፣ ሰብ ንኽኣምኑ ድማ የጸግሞም። ነዚኦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኢልና ንጽውዖም። ሓደ ሓደ ግዜ ከም ቃንዛን ሸውሃት ዘይምህላውን ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ጥርዓናት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። 

ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ከምዚ ክስምዓካ ዘገርም ኣይኮነን። ጸቕጢ፣ ኣካልካ ንኣጸገምቲ ወይ ኣእምሮ ንዘሰንብዱ ፍጻመታት ዝህቦ ባህርያዊ ምላሽ እዩ። እዚ ኣዝዩ ንቡር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ጥርዓናት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይሓድጉኻ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እንደገና ንኽሕሸካ ሓገዝ የድልየካ። 

ኣእምሮኻ ጽቡቕ ዘይስምዓካ ምህላዉ ብኸምዚ ኢኻ እተለልዮ

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ጸቕጢ መለለይታት ኣለዉ። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘይስምዓካ ምህላዉ በዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ መለለይታት ከተለልዮ ትኽእል ኢኻ። 

  • ጽቡቕ ዘይምድቃስ

  • ካብ መጠን ንላዕሊ ምሽቓል 

  • ድኻም

  • ንኸተተኲር ምጽጋም

  • ረሳዒ ምዃን 

  • ቀልጢፍካ ምሕራቕ 

  • ቀልጢፍካ ምብካይን ቀልጢፍካ ምስንባድን

  • ሕማቕ ሕልሚ ምሕላም 

ብርግጽ ካብዚ ንላዕሊ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተኣሳሰሩ መለለይታት ኣለዉ እዮም። ንነዊሕ እዋን ጽቡቕ ኣይስምዓካን ድዩ፣ እቲ ዘጉህይ ወይ ጸቕጢ ዝመልኦ ስምዒታትካ ድማ ባዕሉ ኣይሓደገካን ድዩ? ስለዚ ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለካ ማለት እዩ። ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ዝገልጹ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቃላት ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ ሓደ ግዜ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘጋጠመካ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘይስምዓካ ምህላዉ እውን ክትዛረብ ትኽእል።

ብኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ምስ እትጽገም ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል

ሓደ ሓደ ግዜ እንደገና ጽቡቕ ንኽስምዓካ ባዕልኻ ገለ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ታሕቲ ጽቡቕ ንኽስምዓካ ክትፍትኖም እትኽእል ነገራት ይርከቡ።

ምዝራብ ይሕግዝ እዩ
ንጡፍ ምዃን
ኣብ ህይወትካ ስሩዕ ኣካይዳ ምህላው
ጥዕና ዘለዎ ምምጋብ
ደስ ኣብ ዝብለካ ነገር ኣተኲር

እቲ ሕማቕ ስምዒትካ እንተድኣ ዘይሓደገካ ወይ እንተገዲዱ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ጥርዓናት ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ፣ ከምኡ እውን ኣእምሮኣዊ ሕማም ከጋጥመካ ይኽእል። እዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት እውን ይበሃል እዩ። እዚ ማለት ተጸሊልካ ማለት ኣይኮነን፣ የግዳስ ንነዊሕ እዋን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝጸናሕካን፣ ኣካልካን ኣእምሮኻን ደጊም ካብቲ ጸቕጢ ባዕሎም ክሓውዩ ኣይክእሉን ማለት እዩ።

ነዞም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ብዝበለጸ ንኽትገጥሞምን ጥዕና ኣእምሮኻ ንኽመሓየሽን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሕክምናታት ኣለዉ። እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንበይንኻ ክትገብሮ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ንኣብነት ካብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ሞያዊ ሓገዝ የድልየካ። ኣብዚ ታሕቲ ሒደት ኣብነታት ናይ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ሂብና ኣለና። ነዚ ኣባኻ እንተድኣ ኣለሊኻዮ፣ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት።

ጭንቀት
ብሰንኪ ንኣእምሮ ዘሰንብድ ተሞክሮ ዝስዕብ ጸቕጢ
ናይ መድሃኒት፣ ሓሽሻት ወይ ኣልኮላዊ መስተ ጽግዕተኛነት ወይ ወልፊ

ብመንገዲ ሓኪምካ ሞያዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ

ጥርዓናትካ ድሕሪ ወርሒ ኣይሓደገካን ወይ ገዲዱ ድዩ? ስለዚ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኪድ። ሓፈሻዊ ሓኪምካ ድማ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዝርከቡ ወሃብቲ ሓገዝ ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ብዙሕ ኣፍልጦ ናብ ዘለዎ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፣ ተሓጋጋዚ ሓኪም ወይ ነርስ። 

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናትካ ንምፍታሕ ባዕሉ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ሓኪም ታሪኽካ ይሰምዕን፣ ኣየናይ ሓገዝ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ይውስንን። እቲ ሓኪም ብዛዕባ ድቃስን ኣመጋግባን ምኽሪ ይህበካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ሓኪም ጽቡቕ ንኽትድቅስ ዝሕግዘካ ንገለ መዓልታት ዝኸውን መድሃኒት ይህበካ።  

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?