ሓንቲ ሰብ መርመራ ጥንሲ ትገብር።
ምንጪ፡ Pexels / Shvets Production

መርመራ ጥንሲ ምግባር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:43 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምናልባት ጠኒሰ እየ ኢልኪ ትሓስቢ ዲኺ? ስለዚ መርመራ ጥንሲ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ብኸመይ ኣብ ኔዘርላንድ መርመራ ጥንሲ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ ኣብዚ ገጽ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጥንሲ ኣለኒ ኢልኪ ትሓስቢ ዲኺ

ወርሓዊ ጽግያትኪ ካብቲ ንቡር ድሒሩ ንኽመጽእ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ምናልባት ድማ ጽቡቕ ኣይስማዓኪን ትኾኒ፣ ወይ ኣጥባትኪ ቃንዛ ይገብሩልኪ ይኾኑ። ጠኒሰ እየ ኢልኪ ትሓስቢ እንተድኣ ኮይንኪ፣ ሽንትኺ ተጠቂምኪ ባዕልኺ መርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ መርመራ ዘተኣማምን እዩ፣ ነቲ መሳርሒ ድማ ካብ ፋርማሲ ወይ ቤት-መድሃኒት ክትገዝእዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መርመራታት ኣለዉ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መርመራታት ኣለዉ። ገሊኦም መሳርሒታት "ጥንስቲ" ወይ "ዘይጥንስቲ" ዝብል ጽሑፍ ዘርእይ ስክሪን ኣለዎም። ካልኦት መርመራታት ድማ ጥንስቲ ምዃንኪን ዘይምዃንኪን ንምሕባር ምልክት ምድማር (+) ወይ ምልክት ምቕናስ (−) ይጥቀሙ። ኣብቲ ናይ መርመራ መምርሒ ድማ ነቲ መርመራ መዓስ ክትገብርዮን ብኸመይ ክትጥቀምሉን ከምዘለኪ ተገሊጹ ይርከብ።

መርመራ ጥንሲ ክንድዚ ወጻኢ ይሓትት

ባዕልኺ ክትገዝእዮ እትኽእሊ መመርመሪ ጥንሲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ € 5,- ክሳብ € 15,- እዩ ዝሽየጥ። ናይ ዝተፈላለዩ ብራንድ መመርመሪ መሳርሒታት ኣለዉ። ኣየናይ መመርመሪ ብዝበለጸ ዝሰማማዓኪ ምዃኑ ድማ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ወርሓዊ ጽግያትኪ ክጅምረሉ ድሕሪ ዝነበሮ ኢኺ መርመራ ትገብሪ

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መርመራ ድሕሪ እታ ንቡር ወርሓዊ ጽግያትኪ ክጅመረላ ዝነበራ መዓልቲ ምግባሩ ዝበለጸ እዩ። ሽዕኡ ኣብ ኣካልኪ ዘተኣማምን ውጽኢት ክህብ ዝኽእል እኹል ናይ ጥንሲ ሆርሞን (hCG) ኣሎ ማለት እዩ።

እቲ መርመራ ኣይጠነስኪን ዝብል ውጽኢት ድዩ ሂቡኪ፣ ግን ድማ ወርሓዊ ጽግያትኪ ገና ኣይመጽአን ድዩ? ስለዚ ድሕሪ ገለ መዓልታት ካልእ መርመራ ንኽትገብሪ ኣብ ግምት የእትዊ።

እቲ ጥንሲ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ኣብ ኩነትኪ እዩ ዝምርኮስ

ምጥናስኪ እንተድኣ ፈሊጥኪ እንታይ ክትገብሪ ከም እትደልዪ ክትሓስቢ ኣለኪ። 2 ምርጫታት ኣለዉኺ፡ 

  • ክትጠንሲን፣ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ድማ ቆልዓ ክትወልዲን ትደልዪ ኢኺ።

  • ዘይሓሰብክዮ ኢኺ ጠኒስኪ፣ ስለዚ ድማ ነቲ ጥንሲ ከተቋርጽዮ ትደልዪ ኢኺ።

ብዛዕባ እቲ ጥንሲ ንምዝርራብ ምስ ሓኪምኪ ቆጸራ ትሕዚ። ብድሕሪኡ ሕክምናዊ ደገፍ ክትረኽቢ ኢኺ። ዋላ ብዛዕባ እቲ ጥንሲ እንታይ ከም እትገብሪ ርግጸኛ ምስ ዘይትኾኒ እውን ብዛዕባ እዚ ምስ ሓኪምኪ ክትመያየጢ ትኽእሊ ኢኺ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ጥንስን ሕርስን ኣብ ኔዘርላንድ