ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ተሌፎና ኣብ ሓደ መዕቆቢ ቦታ

ገዛ ንምርካብ እናተጸበኻ ኣብ መዕቆቢ ምንባር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/4/2024 11:45 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኮይንካ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ንኩነታትካ ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ገዛ ክሳብ እትረክብ ኣብ መዕቆቢ ምንባር ክትቅጽል ኢኻ

ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
COA
ምምሕዳር ከተማ ክመርጸልካ እዩ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ገዛ ክረኽበካ ኣለዎ። ብሰንኪ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ሕጽረት ኣባይቲ፣ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝርከበልካ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ክሳብ ሽዕኡ ድማ ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ክትጸንሕ ኢኻ።

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ዘለዉ መሰላትን ግዴታታትን እዮም

ድሮ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ናይ COA መሳለጥያታት ክትረክብ መሰል ኣለካ። ከም በዓል፡

  • ካብ COA ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል ትረክብ። ማሕበራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ገና ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ዝከኣል ናብ ናይ ባዕልኻ ገዛ ምስ እትግዕዝ ጥራይ እዩ።

  • ንዝግበረልካ ክንክን ጥዕና ብመንገዲ COA ካሕሳ ምርካብ ክትቅጽል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሓተቲ ዑቕባ (RMA)
    ኢኻ እትምደብ። ስለዚ ገና ውዕል መድሕን ጥዕና ምግባር ኣየድልየካን እዩ። እዚ እትገብሮ ናብ ናይ ባዕልኻ ገዛ ምስ እትግዕዝ ጥራይ እዩ።

ኣብ COA ዝግበር ናይ ምሕባር ግዴታ ሕጂ እውን ንዓኻ ይምልከተካ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሰሙን 1 ግዜ ናብ COA ክትሕብር ኣለካ ማለት እዩ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ግን ትኽእል ኢኻ

ናይ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲኻ ጸዲቚ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝፍቀደሎም ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ IND እዩ ዝውስን።

ሓደ ሓደ ግዜ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝርከብ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ስለዚ ድማ IND ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ከም ዝፍቀደሎም ምስ ወሰነ ገና ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ትነብር። ስድራ-ቤትካ ግን ድሮ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ንሳቶም እውን ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ይጸንሑ።

ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለካን ናይ ባዕልኻ ገዛ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት፣ ከም ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ብዝተመዝገቡ ኣዕሩኽ፣ መሓዙት፣ ቤተሰብ ወይ ዘይትፈልጦም ሰባት እውን ዝቖመ ክኸውን ይኽእል እዩ። COA ንዘመልከትካዮ ግዜያዊ ምቕናይ ምስ ዘጽድቖ፣ ኣብ እትቕንየሉ እዋን ናብቲ መዕቆቢ ናይ ምሕባር ግዴታ የብልካን።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?