ሓደ ሰብ ብተሌፎን ናይ ባንክ ሕሳብ ከምዝነጥፍ ይገብር።
ምንጪ፡ Pexels / Anete Lusina

ኣብ ኔዘርላንድ ሕሳብ ባንክ ምኽፋት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 9:06 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ሕሳብ ባንክ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ደሞዝካ ወይ ጥቕምታትካ ብእኡ ኢኻ ትቕበሎ፣ ዝኽፈሉ ሕሳባትካ ብእኡ ትኸፍል፣ ከምኡ እውን ብኢንተርነት ክትዕድገሉ ትኽእል። ኣብዚ ዓንቀጽ ብኸመይ ሕሳብ ባንክ ከም እትኸፍትን እንታይ ከተቕልበሉ ከምዘለካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት እዚኦም ሓበሬታታት የድልዩኻ

ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልዩኻ፡

  • ሕጋዊ መረጋገጺ መንነት፡ እዚ ፓስፖርት፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ወይ ወረቐት መንነት ክኸውን ይኽእል።

  • ናይ ኔዘርላንድ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
    እዚ ቁጽሪ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ምስ ተመዝገብካ ብኣውቶማቲክ ክወሃበካ ኢኻ።

  • መርትዖ ኣድራሻ፡ እዚ ናይ ክራይ ውዕል፣ ናይ ጸዓት ሕሳብ ወይ ካብ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
    ዝተረኽበ ቅዳሕ ክኸውን ይኽእል።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባንክታት ኣለዉ

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ባንክታት ኣለዉ። ነፍስወከፍ ናይ ገዛእ-ርእሶም ቅድመ-ኩነታትን ረብሓታትን ኣለዎም። ኣብዚ ታሕቲ ኣብ ሞንጎ ልሙድ ባንክታትን ናይ ኢንተርነት ባንክታትን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ልሙድ ባንክታት፡

  • ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት የቕርቡ፣ ከም በዓል መኽፈሊ ሕሳብ ባንክ፣ ናይ ውህለላ ሕሳብ፣ ዕድጊ ልቓሕ-ቤት፣ ልቓሓትን ወፍርታትን ዝኣመሰሉ።

  • ሰፊሕ ብኣካል ክትረኽቦም እትኽእል ጨናፍርን ናይ ገንዘብ ማሽናትን መርበብ ኣለዎም።

ኣብነታት፡ ABN AMRO፣ ING፣ Triodos፣ Rabobank፣ De Volksbank (SNS Bank፣ ASN Bank፣ RegioBank)።

ናይ ኢንተርነት ባንክታት፡

  • ኣገልግሎቶም ብኢንተርነት የቕርቡ፣ ብኣካል ክትረኾም እትኽእል ጨናፍር ድማ የብሎምን።

  • መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ልሙድ ባንክታት ዝትሕት ወጻኢታት ኣለዎም።

ኣብነታት፡ Bunq፣ Revolut፣ N26።

ሕሳብ ባንክ ክትከፍት እንከለኻ ነዚ ከተቕልበሉ ትኽእል ኢኻ

ንዓኻ ኣየናይ ባንክ ዝበለጸ ምዃኑ ክትውስን እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ነዚ ድማ ኣቓልቦ ክትገብረሉ ትኽእል፡

  • ወርሓዊ ወጻኢታት ናይ ባንክ ሕሳብካ። ወጻኢታት ሕሳብ ባንክ ኣብ ነፍስወከፍ ባንክ ይፈላለይ እዩ። ብነጻ ሕሳብ ባንክ ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ወርሓዊ ወጻኢታት ክትከፍለሉ ዘለካ ሕሳብ ባንክ እውን ኣሎ።

  • እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ኢኻ ትደልይ። ናይ ውህለላ ሕሳብ ክትከፍት ዲኻ ትደልይ? ወይ ድማ ክረዲት ካርድ? ዘለዉ ኣማራጺታት ኣብ ነፍስወከፍ ባንክ ይፈላለዩ እዮም።

  • እቲ ባንክ ኣብ ምንታይ ወፍሪ ይገብር። ባንክታት ብዙሕ ገንዘብ የውፍሩ እዮም። ገለ ባንክታት ኣብ ዘላቕነት፣ ድሕነት እንስሳታትን ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕ ወፍሪ ይገብሩ። ካልኦት ባንክታት ድማ ኣብ ኣጽዋር ወይ ኣብ ቅሪተ-ኣካላዊ ነዳዲ ብዙሕ ወፍሪ ይገብሩ።

  • ወለድ ክሳብ ክንደይ ልዑል እዩ። ወለድ ኣብ ሕሳብካ ንዝርከብ ገንዘብ ካብ ባንክ እትረኽቦ ካሕሳ እዩ። ወይ ድማ ካብ ባንክ ገንዘብ እንተድኣ ተለቂሕካ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ እዩ። ወለድ ክትረክብ ምዃንካ ወይ ክትከፍል ከምዘለካን ክንደይን ኣብ ነፍስወከፍ ባንክ ይፈላለይ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ናይ ውህለላ ሕሳብ ካብ መኽፈሊ ሕሳብ ንላዕሊ ዝያዳ ወለድ ትረክብ።

ሕሳብ ባንክ ብኸምዚ ኢኻ እትኸፍት

ሕሳብ ባንክ ብኢንተርነት ወይ ብመንገዲ ጨንፈር ባንክ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ቆጸራ የድልይ እዩ። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ንምክልኻል ድማ ኣብ ባንክ መንነትካ ከተፍልጥ ኣለካ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ ቪድዮ ቻት ወይ ድማ ቅዳሕ መረጋገጺ መንነትካ ብምጽዓን ክግበር ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብካ ብኸምዚ ኢኻ ከምዝነጥፍ እትገብሮ

ሕሳብ ድሕሪ ምኽፋትካ ብፖስታ ናይ ባንክ ካርድ ክትቕበል ኢኻ። ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ወይ ኣፕ ናይቲ ባንክ ድማ ሕሳብካ ከምዝነጥፍ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ሕሳብ ባንክ ኣብ እትኸፍተሉ እዋን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

እቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ሕሳብ ባንክ ኣብ ምኽፋት ክድግፈካ ይኽእል እዩ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ናይ ካልእ ውድብ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ገና ኣብ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር ዘለኻ?

ገና ገዛ ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ኢኻ እትጸንሕ። ኣብዚ ድማ ናይ መነባብሮ ኣበል ትረክብ። COA ነቲ ናይ መነባብሮ ኣበልካ ምናልባት ኣብ ናይ YourSafe ኣካውንትኻ ክኸፍለካ ይኽእል እዩ። COA ነቲ ናይ መነባብሮ ኣበልካ ናብ ካልእ ዓይነት ሕሳብ ባንክ ኣየመሓላልፍን እዩ። ስለዚ ናይ መነባብሮ ኣበልካ ንምርካብ ናይ YourSafe ኣካውንት ክህልወካ ኣለዎ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?