ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምኽሻን
ምንጪ፡ Takecarebnb / Lotte de Graaf

ገዛ እናተጸበኻ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምቕናይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/5/2024 5:26 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ግን ገና ንዓኻ ዝኸውን ገዛ የለን ድዩ? ስለዚ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ኣየድልየካን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ ፍቓድ ዘለካን ናይ ባዕልኻ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን፣ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ብፈተውቲ፣ ቤተሰብ ወይ እውን ቤቶም ናይ ዑቕባ ፍቓድ መንበሪ ንዘለዎም ሰባት ርሑው ብዝገበሩ ዘይትፈልጦም ሰባት ዝቖመ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከም ንቡር ኣሰራርሓ እቲ ምቕናይ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ እተን 3 ኣዋርሕ ገና ገዛ እንተድኣ ዘይረኸብካን፣ ንስኻን እቲ ዘአንግደካ ስድራ-ቤትን ነቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ከተናውሕዎ እንተድኣ ደሊኹምን ግን እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

ምቕናይ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛ ንምርካብ እትጽበዮ ግዜ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ኣዝዩ ውሑድ መዕቆቢ እዩ ዘሎ። ዕላማ ናይቲ ግዝያዊ ምቕናይ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንዘሎ ጻዕቂ ሰባት ንምንካይ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ መዕቆቢ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ሓደ ስድራ-ቤት ክትነብር ትኽእል ኢኻ።

እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ኣብቲ ገዛ ንምርካብ እትጽበዮ ግዜ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ምምሕዳር ከተማ ሕጂ እውን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ምህላዉ ከረጋግጽ ኣለዎ።

ንምቕናይ ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም

ንደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ንምጥቃም ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
    ኣለካ።

  • እቲ እትቕንየሉ ግዝያዊ መቐነዪ ኣድራሻ ኣብ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ንኽትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

  • ምስ COA ዝርርብ ገይርካ ዝነበርካን፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ንኽትቕበል ትጽበይ ዘለኻን ኢኻ።

  • ጽዑቕ ሕክምናዊ ፍወሳታት ኣየድልየካን እዩ።

  • ኣብቲ እትቕንየሉ ምምሕዳር ከተማ ሓፈሻዊ ሓኪም ረኺብካ ኣለኻ፣ ወይ ድማ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ናይቲ ዘአንግድካ ስድራ-ቤት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

  • ቋንቋ እንግሊዝ ወይ ቁሩብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትዛረብ ኢኻ።

  • ቆልዑት ንግዚኡ ንምቕናይ ምሳኻ ዝኸዱ ምስ ዝኾኑ፣ ግዴታዊ ትምህርቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን። ስለዚ እቲ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ኣብ ከባቢ ቤት-ትምህርቶም ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ እዋን ምቕናይካ እዚኦም መሰላት ኣለዉኻ

ኣብ እዋን ምቕናይካ ናይ COA መሳለጥያታት ክትረክብ መሰል ኣለካ። ኣብቲ መዕቆቢ ዓራት ናይ ምርካብ መሰልካ ጥራይ እዩ ኣብቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ደው ዝብል። እዚ ማለት ድማ እዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • ካብ COA ናይ መነባብሮ ኣበልን ናይ መግቢ ኣበልን ትረክብ።

  • ኣብ ሰሙን €75 ተወሳኺ ኣበል ትረክብ (ዕድሜኻ 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን)። ብዙሓት ሰባት ንዘለዉዋ ስድራ፣ እቲ ንምቕናይ ምሳኻ ዝኸይድ 2ይ ኣባል ስድራ €25 ይረክብ። እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ ድማ ኣብ ሰሙን €12.50 ዝረኽቡ ኮይኖም፣ እቲ ንመላእ ስድራ ዝወሃብ ዝለዓለ ገደብ €125 እዩ።

  • ናይ ሕክምናዊ ክንክንካ ካሕሳ ካብ COA ምቕባል ክትቕጽል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሓተትቲ ዑቕባ (RMA)
    ኢኻ እትምደብ። ብተወሳኺ ናብ ሓኪምካ ወይ ሆስፒታል ንምኻድ ናይ መጎዓዝያ ካሕሳ ንምርካብ መሰል ኣለካ። ነዚ ካብ COA ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንስኻን ዘአንግደካ ስድራ-ቤትን ውዕል ትፍርሙ

ምስቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ብሓባር ናይ ግዝያዊ ምቕናይ ውዕል ትፍርም። ብዛዕባ እዚ ምቕናይካ ኣብቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ምቕናይካ ንዓኣቶም ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ኣብ መጠን ናይቲ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ማሕበራዊ ደገፍ ወይ ኣበል ናይቶም ዘአንግዱኻ ስድራ-ቤት።

ውዕል ድሕሪ ምፍራምካ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ናይቲ ንግዚኡ እንቕንየሉ ኣድራሻ ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ማሕበራዊ ኣማኻሪ ኣለካ ድዩ? ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ? ስለዚ ንዓኣቶም እውን ንግዚኡ ክትቕንይ ትኸይድ ምህላውካ ኣፍልጦም።

ነቲ ምቕናይ ከተናውሕዎ ትኽእሉ ኢኹም

ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ገና ናይ ባዕልኻ ገዛ ኣይረኸብካን ዲኻ? ስለዚ ምስቶም ዘአንግዱኻ ስድራ-ቤት ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንCOA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ ክትገብሩ ኣይትደልዩን ዲኹም? ስለዚ ኣብ COA ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ዳግማይ ቦታ ክወሃበካ እዩ። እዚ ምናልባት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካሉ ቦታ ኣብ ዝተፈልየ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ እዋን ምቕናይካ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተዋሂቡካ ድዩ? ስለዚ እቲ ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ ደው ይብል።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?