
ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ እዚ ክትገብር ትኽእል
ኣብ መዕቆቢ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ኣድልዎ፣ ምጒብዕባዕ፣ ምፍርራሕ ወይ ጎነጽ ከጋጥመካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብኻልኦት ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ቦታ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህሪ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።
ደገፍ ንምርካብ ናብዚ ክትከይድ ትኽእል
ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ? ብኻልኦት ነበርቲ ምድሃል፣ ምፍርራሕ፣ ምጒብዕባዕ፣ ወይ መጥቃዕቲ የጋጥመካ ድዩ? ስለዚ ኣብ
ብፍላይ ድሮ ንውሕ ዝበለ እዋን ውሕስነት ዘይስምዓካ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ከበድቲ ፍጻመታት እውን ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ድማ ንሱ ናብ ካልእ ቦታ ንኽትምደብ ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።
ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትሕብር እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ብኢንተርነት፣ ወይ ብቁጽሪ ተሌፎን 0900 - 8844 ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ናብ ፖሊስ ጥርዓን እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ ፖሊስ ነቲ ፈጻሚ ብሕጊ ንኽቐጽዖ ትሓትት ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ዝከኣል እቲ ገበን ስርቂ፣ ብኢንተርነት ዝተፈጸመ ምትላል፣ መጥቃዕቲ፣ ምፍርራሕ፣ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ኣብ ገሊኦም ኩነታት፡ ንኣብነት ኣብ መጻኢ ገለ ነገር ከየጋጥመካ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናብ ፖሊስ ክትሕብር እውን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ይኽእል። ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ገበን ክትሕብር እንተድኣ ደሊኻ፣ ምስ COA ወይ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ተመያየጥ። ንበይንኻ ናብ ፖሊስ ክትከይድ ዘይትመርጽ እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ እንተኾኑ ሕተት።
LHBTI እንተድኣ ኮይንካ LGBT Asylum Support ክድግፈካ ይኽእል እዩ
LHBTI ዲኻ፣ ከምኡ እውን COA ወይ VWN እኹል ደገፍ ክህቡ ኣይከኣሉን ድዮም? ስለዚ ክትውከሶም እትኽእል ናይ LHBTQIA+ ውድባት እውን ኣለዉ። ብዛዕባ ኣድልዎ ህጹጽ ሓገዝ ክትረክብ፣ ወይ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ እንተድኣ ደሊኻ፣
LHBTI ከም ምዃንካ መጠን ምስ 'Roze in Blauw' ርክብ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ
ኣብ ሓደጋ ዘለኻ ምስ እትኸውን ኩሉ ግዜ 112 ብምድዋል ርክብ ግበር
ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተሃሊኻ ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል። 112 ኣብ ኔዘርላንድ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት እዩ። ምስ እትድውል ብኡንብኡ ምስ ኣባል ማእከል ህጹጽ-ምላሽ ክትዛረብ ኢኻ። እዚ ኣበይ ከምዘለኻን፣ ምስ ኣምቡላንስ፣ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ወይ ፖሊስ ክትዛረብ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክሓተካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቅኑዕ ሓገዝ ከም እትረክብ ንምርግጋጽ ገለ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክትምልስ ኣለካ።