ምንባር
መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ናብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትግዕዝ መንግስቲ እዩ ዝውስን። እቲ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ገዛ ይህብን ንውልቃዊ ኩነታትካ ኣቓልቦ ዝህብን እዩ ክኸውን።
ሓበሬታ

ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ እንተድኣ ተቐቢልካ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ
ገዛ ምስ ዝምደበልካ፣ ከትሳልጦም ዘለካ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ጸዓት ውዕል ክትገብር ኣለካ ከምኡ እውን ኣድራሻ ምቕያርካ ከትሕብር ኣለካ። ኣብዚ ገጽ እዚ ዝርዝር ናይ ኩሎም ክትገብሮም ዘለካ ነገራት ክትረክብ ኢኻ።

ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ ዘቕረበልካ ገዛ እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል
ምምሕዳር ከተማ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ገዛ ድዩ ኣቕሪቡልካ? ንኣብነት ንስድራ-ቤትካ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ምናልባት ካልእ ገዛ ክረኽበካ ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ብቚዕ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ።

ክራይ ገዛ ናይ ምቕናስ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር
ክራይ ገዛኻ ኣዝዩ ልዑል ድዩ፡ ኣታዊኻ ነክዩ ድዩ ወይስ ገዛኻ ዓበይቲ ጸገማት ኣለዎ? ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ክራይ ገዛ ክትቅንስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝምልከቶ ሕግታት ኣብ ኩነታትካ፡ ውዕል ክራይካን ኣብ ዓይነት እትካረዮ ገዛን ይምርኮስ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ኣማራጺታት ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንመኽፈሊ ክራይ-ገዛኻ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት
ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።

ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተቐቢልካ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ምስ እትደልይ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንገዛኻ ብሕሱር ዋጋ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ዘኽእሉኻ ሓያሎ ኣገባባት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘብ ክትልቃሕ ወይ ክትቅበል እውን ትኽእል ኢኻ። ንገዛኻ ኣቑሑት ምውዳድ ብዝምልከት ክትፈልጦ ዘለካ ኩሉ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ገዛ እንተድኣ ደሊኻ ክትፈልጦ ዘለካ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ዝተመደበልካ ምምሕዳር ከተማ ክትነብር ኣይትደልይን ዲኻ? ስለዚ እዚ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ግን ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምግዓዝ
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ይመጹኡ ኣለዉ ድዮም፣ ከምኡ እውን ብሓባር ክትነብሩሉ ዘይትኽእሉ ንእሽቶ ገዛ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ካልእ ገዛ ከዳልወልኩም እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ገዛ ትረክብን ትካረይን?
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ኣብ ኔዘርላንድ ገዛ ክትካረ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን ሕግታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዘለዉ ዓይነታት ገዛውቲ ክሳብ ዘድልዩኻ ሰነዳት፣ ንኹሉ ዘድልየካ ሓበሬታ ብምዝርዛር እዚ ዓንቀጽ ክሕግዘካ እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ ክትካረ ወይ ክትዕድግ ከለኻ እዚ ምድላው ክትገብር ኣለካ።
ኣብ ኔዘርላንድ ገዛ እንተተኻሪኻ፡ ብርክት ዝበሉ ነገራት ክትሰርዕ ኣለካ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ኣበል መነባብሮ፡ መድሕን፡ ኣድራሻኻ ኣብ ከተማ ምምሕደር ምምዝጋብ፡ ከምኡ እውን ሓገዝ መንበሪ ገዛ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ገዛ ምግዛእ
ኣብ ኔዘርላንድ ዝኾነ ሰብ ገዛ ክገዝእ ይኽእል እዩ። ዋላ ኔዘርላንዳዊ ዘይኮንካ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተኾንካ እውን።