ምንባር

መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ናብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትግዕዝ መንግስቲ እዩ ዝውስን። እቲ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ገዛ ይህብን ንውልቃዊ ኩነታትካ ኣቓልቦ ዝህብን እዩ ክኸውን።

መርሓ ውጥን (1)

ሓበሬታ

ብኸመይ ናይ መውዓዪ ቤት ወጻኢታትካ ትሑት ትገብሮ?

ሓጋይ ማለት ናይ ቁሪ ወቕቲ ጀሚሩ ኣሎ፣ ኣብ ግዳም ድማ ቁሪ እዩ ዘሎ። ገዛኻ ውዑይ ክኸውን ትደልይ ኢኻ፣ ኮይኑ ግን ምውዓይ ገዛ ክቡር እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ ናይ ምውዓይ (ጸዓት) ወጻኢታትካ ትሑት ንኽኸውን ዝሕግዙ ቀለልቲ ምኽርታት ከተንብብ ኢኻ። ብኸምዚ ገንዘብ ትቚጥብ፣ ገዛኻ ድማ ደስ ዝብል ሙቐት ይህልዎ።

ዓንቀጽ

ኣብ ናይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ቤትካ ገለ ነገር እንተድኣ ተሰይሩ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛኻ ከም ቧንቧ ማይ፣ መስኮት ወይ ስርዓተ-መውዓዩ ዝኣመሰለ ነገራት ክስበር ይኽእል። ገሊኦም ጽገናታት ባዕልኻ ክትገብሮም ኣለካ፣ ገሊኦም ጽገናታት ድማ እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ክገብሮም ኣለዎ። መን ኣየኖት ጽገናታት ናይ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘለዎን፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ ገለ ነገር ምስ ዝስበር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን ብዘይ ስድራ-ቤትካ ትነብር ምስ እትኸውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

እንተድኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ፣ ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካን ኣብዚ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካን፣ ኣብ ትሕቲ ሕግታት AMV ኢኻ እትምደብ። ኣብ ትሕቲ ደንቢ-AMV ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ንበይንኻ ክትነብር ኣይፍቀደልካን እዩ። NIDOS መንበሪ ንምርካብ ክሕግዘካ እዩ። እንታይ ሓገዝ ከም እትረክብን፣ ኣበይ ክትነብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ናይ ባዕልኻ ገዛ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾንካ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምሕባር ግዴታ ኣብ መዕቆቢ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ገና ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ስለዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ትገብሮ ዝነበርካ፣ ኣብኡ ክትሕብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ኣይትገብርን ዲኻ? ስለዚ መዕቆቢ ቦታኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ክትስእን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ደጊም ነዚ ተመሊስካ ኣይክትረኽቦን ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ገዛ እንተድኣ ደሊኻ ክትፈልጦ ዘለካ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ዝተመደበልካ ምምሕዳር ከተማ ክትነብር ኣይትደልይን ዲኻ? ስለዚ እዚ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ግን ምምሕዳር ከተማ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ገዛ እናተጸበኻ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ግን ገና ንዓኻ ዝኸውን ገዛ የለን ድዩ? ስለዚ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ኣየድልየካን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር