
እዚ ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገርካ ምጋሽን ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምንባር መሰልን ክትፈልጦ ዘለካ እዩ
ናብ መበቆል ሃገርካ ምጋሽ ኣብ ኔዘርላንድ ንዘለካ መንበሪ ፍቓድ ሓደጋታት ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ዘለካ ናይ ምንባር መሰል ደው ክብል ይኽእል እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ መዓስ ከም ዝፍቀደልካን ከም ዘይፍቀደልካን ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።
ሓደ ሓደ ግዜ ዝተፈልየ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ትኽእል
ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ ግን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ፡
1. ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ
ኣብ ኔዘርላንድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ንግዚኡ ናብታ ዝመጻእካላ ሃገር ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ። ሽዕኡ መንበሪ ፍቓድካ ኣይስረዝን እዩ።
ኣስተውዕል፡ ኣብ ኔዘርላንድ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ፣ ንመገሻኻ ካብ ምምሕዳር ከተማ ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ
ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ መገሻኻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ። ምምሕዳር ከተማ ንመገሻኻ ፍቓድ ክህበካ ኣለዎ። ብድሕሪኡ እንተበዝሐ ን28 መዓልታት (ቀዳመ-ሰንበት ሓዊሱ) ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ። ደንጒኻ እንተድኣ ተመሊስካ፣ ምምሕዳር ከተማ ንእትረኽቦ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ደው ከብሎ ኣለዎ። ብሰንኪ ሕማም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ምስ እትግደድ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዚኡ ንምምሕዳር ከተማ ሓብር። ንቤት-ትምህርትኻ ወይ ስራሕካ እውን ክትሕብር ኣለካ። ከምኡ እውን ቅኑዕ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክህልወካ ኣለዎ።
2. ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ እንተድኣ ኮይንካን ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት እንተሃልዩካን
ናይ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምጽናሕካ 'naturaliseren' ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ትረክብ ማለት እዩ። ብናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ስድራ-ቤት ንምብጻሕ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ እውን ትኽእል ኢኻ።
3. ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ
እንተድኣ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኮይንካ ናብ ኔዘርላንድ መጺእኻ፣ ኣብ ፍቓድ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝተመርኮሰ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዘለካ። እዚ ድማ ዝተኣሳሰረ ፍቓድ ይበሃል።
ከምዚ ዓይነት ፍቓድ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ፣ እንተኾነ ግን ናብ ኔዘርላንድ ምስ ተመለስካ መንበሪ ፍቓድካ ተሳሒቡ ንኽስረዝ ሓደጋ ኣለካ። እቲ ብመንገዱ ፍቓድ ዝረኸብካሉ ኣባል ስድራ-ቤት ናብ መበቆል ሃገር ክኸይድ ኣይፍቀደሉን እዩ።