
እዚ ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገርካ ምጋሽን ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምንባር መሰልን ክትፈልጦ ዘለካ እዩ
ናብ መበቆል ሃገርካ ምጋሽ ኣብ ኔዘርላንድ ንዘለካ መንበሪ ፍቓድ ሓደጋታት ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ዘለካ ናይ ምንባር መሰል ደው ክብል ይኽእል እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ መዓስ ከም ዝፍቀደልካን ከም ዘይፍቀደልካን ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።
ርእሱ-ዝኸኣለ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ፣ ተመሊስካ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ኣይፍቀደልካን
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ንግዚኡ ናብ መበቆል ሃገርካ እንተድኣ ተመሊስካ ገይሽካ፣ እቲ ፍቓድ ንኽትሕደግ ሓደጋ ኣለካ። ናይ ሓደ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ኣባል ስድራ-ቤት ስለዝኾንካ ዘይኮነስ፣ ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ባዕልኻ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ እንተድኣ ኮይንካ ከምዚ ከጋጥም ይኽእል።
ንሓጺር ግዜ እንተድኣ ተመሊስካ IND ምኽንያታት ክሓተካ እዩ
ብወለንታኻ ናብ መበቆል ሃገርካ እንተድኣ ተመሊስካ፣
እንተድኣ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ኣብ ወጻኢ ጸኒሕካ፣ IND ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ከም ዘይትነብር ይቖጽሮ
ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ እንተድኣ ናብ መበቆል ሃገርካ ተመሊስካን ኣብኡ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ጸኒሕካን፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ጠቕሊልካ ንሃገርካ ከም ዝተመለስካ ገይሩ ክቖጽሮ ይኽእል እዩ። ሽዕኡ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምንባር መሰልካ ክስረዝ ይኽእል እዩ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ድማ ናይቲ ዝረኸብካዮ ፍቓድ
መንበሪ ፍቓድካ ተሳሒቡ እንተድኣ ተሰሪዙ፣ መንበሪ ፍቓዶም ኣብ ናትካ ዝምርኮስ እንተድኣ ኮይኑ መንበሪ ፍቓድ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ እውን ተሳሒቡ ክስረዝ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ዝተፈልየ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ትኽእል
ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ ግን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ፡
1. ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ
ኣብ ኔዘርላንድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ንግዚኡ ናብታ ዝመጻእካላ ሃገር ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ። ሽዕኡ መንበሪ ፍቓድካ ኣይስረዝን እዩ።
ኣስተውዕል፡ ኣብ ኔዘርላንድ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ፣ ንመገሻኻ ካብ ምምሕዳር ከተማ ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ
ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ መገሻኻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ። ምምሕዳር ከተማ ንመገሻኻ ፍቓድ ክህበካ ኣለዎ። ብድሕሪኡ እንተበዝሐ ን28 መዓልታት (ቀዳመ-ሰንበት ሓዊሱ) ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ። ደንጒኻ እንተድኣ ተመሊስካ፣ ምምሕዳር ከተማ ንእትረኽቦ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ደው ከብሎ ኣለዎ። ብሰንኪ ሕማም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ምስ እትግደድ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዚኡ ንምምሕዳር ከተማ ሓብር። ንቤት-ትምህርትኻ ወይ ስራሕካ እውን ክትሕብር ኣለካ። ከምኡ እውን ቅኑዕ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክህልወካ ኣለዎ።
2. ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ እንተድኣ ኮይንካን ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት እንተሃልዩካን
ናይ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምጽናሕካ 'naturaliseren' ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ትረክብ ማለት እዩ። ብናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ስድራ-ቤት ንምብጻሕ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ እውን ትኽእል ኢኻ።
3. ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ
እንተድኣ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኮይንካ ናብ ኔዘርላንድ መጺእኻ፣ ኣብ ፍቓድ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝተመርኮሰ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዘለካ። እዚ ድማ ዝተኣሳሰረ ፍቓድ ይበሃል።
ብዝመንጨወ ማለት ምስ ኣባል ስድራ-ቤት ብዝተኣሳሰረ ፍቓድን ብሰነድ መገሻን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ብመትከል ይፍቀደልካ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ዝረኸብካዮ ፍቓድ ብመሰረት ናይ ዑቕባኻ ምኽንያት ዘይኮነስ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብሰንኪ ዘለካ ዝምድና ዝረኸብካዮ ስለዝኾነ እዩ። እንተኾነ ግን