ምንጪ፡ Yuri A / Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 8/11/2025 1:03 ድ.ቀ.

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ብዛዕባኻን ስራሕካን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ

ውልቃዊ ሓበሬታታትካን ናይ ስራሕካ ሓበሬታታትን 

ስምካ፣ ዕማም ስራሕካ፣ ዕለት ልደትካ፣ ኣድራሻኻን ናይ ባንክ ሕሳብካን ዝኣመሰሉ። 

ናይ ኣስራሒ ሓበሬታታት 

ስምን ኣድራሻን ናይ ኣስራሒኻ ዝኣመሰሉ። 

ስራሕ ዝጀመርካሉ ዕለት 

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣስራሒኻ ብወግዒ ስራሕ ዝጀመርካሉ ዕለት ተጠቒሱ ይርከብ።  

ናይ ስራሕ ውዕል፡ ግዝያዊ ውዕል ወይ ቀዋሚ ውዕል 

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ ውዕል ከምዘለካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ግዝያዊ ውዕል (ዕለት ምዝዛም ዘለዎ) ድዩ ወይስ ቀዋሚ ውዕል (ዕለት ምዝዛም ዘይብሉ) ዘለካ ኣብኡ ተጠቒሱ ይርከብ። 

ናይ ጻውዒት ውዕል/ናይ ጻውዒት ሰራሕተኛ 

ናይ ጻውዒት ውዕል፣ ኣስራሒኻ ንኽትሰርሕ ምስ ዝሓተካ ጥራይ እትሰርሓሉ ውዕል እዩ። ስለዚ ውሱን ሰዓታት የብልካን። እቲ ኣስራሒ፣ ንኽትሰርሕ መዓስ ክትመጽእ ከም እትኽእል ይድውለልካ፣ ወይ ብኢ-መይል መልእኽቲ ይሰደልካ። 

ናይ ስራሕ ውዕል ብጽሑፍ 

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ፣ ብጽሑፍ ናይ ስራሕ ውዕል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ማለት ንስኻን ኣስራሒኻን ብዛዕባ ስራሕካ ዝተገብሩ ስምምዓት ብጽሑፍ ኣቐሚጥኩም ክታምኩም ኣንቢርኩምሉ ማለት እዩ። 

ናይ ደሞዝካ ሓበሬታታት

እዋን 

እዚ እቲ ትቕበሎ ደሞዝ ናይ ኣየናይ ወርሒ ወይ እዋን ከም ዝኾነ ይሕብር። 

ዝተሰርሓሎም ሰዓታት 

ኣብቲ ወርሒ ወይ እዋን ዝሰራሕካዮም ድምር ሰዓታት። 

ደሞዝ ኣብ ሰዓት 

ናይ ስራሕካ ኣብ ሰዓት እትረኽቦ መጠን ገንዘብ። 

መሳልል ደሞዝ 

መሳልል ደሞዝ ምስ ዕማም ስራሕካ ዝሰማማዕ መጠን ገንዘብ ዝሓዘ ሰሌዳ እዩ። ነፍስወከፍ መሳልል ደሞዝ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ኣለዎ፣ እዚኦም ድማ ‘ደረጃታት’ ወይ መደያይቦ ይበሃሉ። ኣስራሒኻ፣ ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ምሳኻ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መሕትት ካብቲ መሳልል ደሞዝ ሓደ ቦታ (ደረጃ) ክመርጽ እዩ። ምስ ሓደ ኣስራሒ ንነዊሕ እዋን ብዝሰራሕካ መጠን ድማ ኣብቲ መሳልል ደሞዝ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እናሰጎምካ ትኸይድ። ስለዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደ ደረጃ ክትድይብ ኢኻ። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ዓመት ኢኻ ሓደ ደረጃ ንላዕሊ እትድይብ። እዚ ክሳብ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ እትበጽሕ እዩ። ኣብኡ ምስ በጻሕካ ድማ ኣብኡ ትቕጽል። 

ስራሕ ክትጅምር እንከለኻ እትምደበሉ መሳልል ደሞዝ ኣብ ዕማም ስራሕካ፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ኣብ

ዝርከቡ ስምምዓትን እዩ ዝምርኮስ። ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ፣ ኣብ ከም በዓል ክንክን ጥዕና፣ ህንጻ፣ ወይ ዱኳናት ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ዓውድታት ሞያ ንዝሰርሑ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ተፈጻምነት ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ ዘለዎ ትካል ዲኻ ትሰርሕ? ስለዚ ኣስራሒኻ ነዞም ሕግታት ክኽተል ኣለዎ። 

ደረጃ 

ደረጃ፣ ኣብ ውሽጢ መሳልል ደሞዝካ ኣበይ ከም እትርከብ ዝሕብር እዩ። ነፍስወከፍ መሳልል ብዙሕ ደረጃታት ኣለዎ፣ ነፍስወከፍ ደረጃ ድማ ቁሩብ ብርክት ዝበለ ደሞዝ ኣለዎ። 

መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ብትሑት ደረጃ ኢኻ እትጅምር። ኣብ ዓመት ሓደ ደረጃ ክትድይብ ትኽእል፣ ንኣብነት ዝያዳ ተመኩሮ እንተድኣ ረኺብካ ወይ ጽቡቕ ምስ እትሰርሕ። እዚ ማለት ድማ ደሞዝካ ይውስኽ ማለት እዩ። ኣስራሒኻ ነዚ ዝውስኖ ኣብ ዕማም ስራሕካ፣ ተመኩሮኻን፣ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ ዝርከቡ ስምምዓትን ተመርኲሱ እዩ። 

ሕብሪ-ሰሌዳ 

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ፣ ሕብሪ-ሰሌዳ እውን ኣሎ። እዚ ሕብሪ-ሰሌዳ፣ ኣስራሒኻ ንእትኸፍሎ

ከምኡ እውን
ንምቅማር ኣየናይ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ከም ዝጥቀም እዩ ዝሕብር። ተቖጺርካ እንተድኣ ኮይንካ እትሰርሕ፣ እዚ ጻዕዳ ሕብሪ-ሰሌዳ ክኸውን እዩ። ካብዚ ህሉው ስራሕካ (ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስዚ ኣስራሒ ትሰርሕ ኣለኻ) ደሞዝ ትቕበል ምስ እትኸውን፣ ኣስራሒኻ ነዚ ሰሌዳ ይጥቀም። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ዝርከብ ሕብሪ-ሰሌዳ ቀጠልያ እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት ደሞዝካ ብዝተፈልየ መንገዲ እዩ ዝቅመር። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ እትረኽቦ ክፍሊት ናይ ሓደ ግዜ ኣበል ወይ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ስለዝኾነ እዩ። 

ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ 

ኣብ ኔዘርላንድ፣ ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ኣስራሒኻ ኣብ ሰዓት ክኸፈለካ ዝፍቀደሉ ዝተሓተ ገደብ መጠን ገንዘብ እዩ። መንግስቲ፣ እቲ ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ክንደይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ነፍስወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ የቐምጥ። ዕድመኻ እዩ ድማ ነቲ ንዓኻ ዝምልከት ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ዝውስን። ኣስራሒኻ ነቲ ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ከእትዎ ኣለዎ። ዋላ ካብቲ ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ንላዕሊ ትረክብ እንተኾንካ እውን እዚ ክግበር ኣለዎ። 

ሓፈሻዊ ደሞዝ 

ሓፈሻዊ ደሞዝ ከም ሰራሕተኛ መጠን ካብ ኣስራሒኻ እትረኽቦ ደሞዝ እዩ።  እዚ መጠን ገንዘብ፣ ናብ ግብሪን ኣበርክቶ ድሕነትን ዝኸይድ መጠን ገንዘብ እውን የጠቓልል እዩ። 

ጽሩይ ደሞዝ 

ኣስራሒኻ ካብ ሓፈሻዊ ደሞዝካ ዝተወሰነ ንግብሪን ኣበርክቶ ድሕነትን ዝኸውን ገንዘብ ይቖርጽ። እቲ ዝተረፈ ጽሩይ ደሞዝካ እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ እትረኽቦ መጠን ገንዘብ እዩ። 

ናይ ዕረፍቲ ገንዘብ 

ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ፣ ንዕረፍቲ ዝኸውን ቚሩብ ገንዘብ ተዋህልል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ 8% ካብ ሓፈሻዊ ደሞዝካ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ወይ ሰነ ይረኽብዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ኣስራሒ ነዚ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ብቚሩብ ገንዘብ ይኸፍል። 

መበል 13 ወርሒ 

መበል 13 ወርሒ፣ ገሊኦም ሰራሕተኛታት ኣብ መወዳእታ ዓመት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝረኽብዎ ተወሳኺ ናይ ወርሒ ደሞዝ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብገምጋም ምስ ናይ ሓደ ወርሒ ሓፈሻዊ ደሞዝ ማዕረ እዩ። ካብቲ ኣብ መበል 13 ወርሒ እትረኽቦ ደሞዝ እውን ግብሪን ኣበርክቶ ድሕነትን ትኸፍል።

ኣበላትን ግብሪታትን

ኣበላት 

ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ዝተፈላለዩ ኣበላት ክዝርዝር ይኽእል እዩ። እዚኦም ኣብ ርእሲ እቲ ስሩዕ ደሞዝካ እትረኽቦም ተወሳኺ ክፍሊታት እዮም። ንኣብነት ናይ መጓዓዝያ ኣበልን ኣብ ቤት ናይ ዝግበር ዕዮ ኣበልን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስራሒኻ ነዞም ኣበላት ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ የካትቶም እዩ። ብኸምዚ ድማ ኣብታ ወርሒ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ከም ዝረኸብካ ብልክዕ ክትርእይ ትኽእል። 

ሓፈሻዊ ግብሪ ደሞዝ 

ካብ ደሞዝካ ሓፈሻዊ ግብሪ ደሞዝ ትኸፍል። እዚ ንግብርን ንማሕበራዊ ድሕነትን ዝኸውን ገንዘብ እዩ። ኣስራሒኻ ድማ ነዚ ብኣውቶማቲክ ካብ ደሞዝካ ይቖርጾ። 

ግብሪ ደሞዝ 

ግብሪ ደሞዝ ንመንግስቲ ክትከፍል ኣለካ። ካብ ደሞዝካ፣ ናይ ዕረፍቲ ገንዘብካ፣ ወይ ካብቲ ናይ ተወሳኺ ሰዓታት ዝረኸብካዮ ገንዘብ ግብሪ ትኸፍል። 

ኣበርክቶ ድሕነት 

እዚኦም ንመድሕናት እትኸፍሎም ቀወምቲ መጠን ገንዘብ እዮም። እዚ ማለት ናይ መድሕን ብኲራት ሕማም (WGA)፣ ደገፍ ሽቕለት ኣልቦነት (WW)፣ ናይ እርጋን ጡረታ (OP)፣ ከምኡ እውን ናይ ስንክልና ዕዮ መድሕን (AP) ሸፈነ ኣለካ ማለት እዩ። 

ኣስራሒኻ ነዞም ኣበርክቶ ድሕነት ካብ ደሞዝካ ቆሪጹ ንመንግስቲ ይኸፍሎ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ እንተድኣ ሓሚምካ ወይ ንግዚኡ ስራሕ ምስ ዘይህልወካ እውን መድሕን ትረክብን ደሞዝ ትኽፈልን።  

ቅነሳ ግብሪ 

ቅነሳ ግብሪ፣ ካብቲ ክትኸፍሎ ዘለካ ግብሪ ዝግበረልካ ቅነሳ እዩ። ሳላ እዚ ዝግበረልካ ቅነሳ ድማ ዝወሓደ ግብሪ ኣታዊን ኣበርክቶ ድሕነትን ትኸፍል ማለት እዩ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቅነሳ ግብሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝግበልረካ ቅነሳ ኣብ ኣታዊኻ፣ ዕድመኻን ውልቃዊ ኩነታትካን (ንኣብነት መጻምድቲ ዘላትካ ምዃኑን ዘይምዃኑን) እዩ ዝምርኮስ። እቶም ዝበዝሑ ልሙዳት ቅነሳ ግብሪ፣ ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪን ቅነሳ ግብሪ ዕዮን እዮም። 

 ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪ 

ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪ፣ ካብ እትኸፍሎ ግብሪን ኣበርክቶ ድሕነትን ዝግበር ቅነሳ እዩ። ሳላ እዚ ቅነሳ ድማ ውሑድ ግብሪ ትኸፍል ማለት እዩ። 

ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብርን ዝሰርሕን ሰብ ነዚ ቅነሳ ክረክብ መሰል ኣለዎ። መጠን ናይቲ ቅነሳ ኣብ ኣታዊኻ፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ዝነበርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዕድመ ጡረታ መንግስቲ ዝበጻሕካ ምዃንካን ዘይምዃንካን እዩ ዝምርኮስ። 

ኣብ 2025 ክንደይ ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪ ክትረክብ ኢኻ? 

  • ኣብ ዓመት ትሕቲ € 28,406 ኣታዊ ዲኻ ትረክብ? ስለዚ እንተበዝሐ € 3,068 መጠን ገንዘብ ቅነሳ ክትረክብ ኢኻ። 

  • ካብ € 28,406 ክሳብ € 76,817 ኣታዊ ዲኻ ትረክብ? ስለዚ እቲ እትረኽቦ ቅነሳ በብቑሩብ እናነከየ ይኸይድ። 

  • ልዕሊ € 76,817 ኣታዊ ዲኻ ትረክብ? ስለዚ ደጊም ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪ ኣይትረክብን ኢኻ።   

ቅነሳ ግብሪ ዕዮ 

እዚ ኣብ እትኸፍሎ ግብሪ ዝግበር ቅነሳ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ደሞዝካ ዝወሓደ ግብሪ ትኸፍል። እቲ ቅነሳ ግብሪ ዕዮ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ኣስራሒ ጥራይ ኢኻ እትረኽቦ። ኣብ ሓደ እዋን ምስ ብዙሓት ኣስራሕቲ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ እቲ ቅነሳ ግብሪ ዕዮ ካብቲ ዝሓበርካዮ ኣስራሒ ጥራይ ኢኻ እትረኽቦ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ዝበዝሐ ኣታዊ እትረኽበሉ ስራሕ ኢኻ እትመርጽ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር