ምንጪ፡ Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ገዛ ምግዛእ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/2/2025 3:04 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ዝኾነ ሰብ ገዛ ክገዝእ ይኽእል እዩ። ዋላ ኔዘርላንዳዊ ዘይኮንካ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተኾንካ እውን።

ካብ ባንክ ልቓሕ ምርካብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ

 ገዛ ምግዛእ ዝኸበደ ዝገብሮ

ሞርጌጅ
ምርካብ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ባንክታት ንሓደ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ምልቃሕ ኣስጋኢ ኮይኑ እየን ዝርእያኦ። ኣብ ኔዘርላንድ ክንደይ ግዜ ከም እትጸንሕን፣ ከምኡ እውን ነቲ ሞርጌጅ ክትመልሶ ከም እትኽእልን ርግጸኛታት ኣይኮናን። እንተኾነ ግን ገዛ ምግዛእ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ባንክ ንእተመልክቶ ሞርጌጅ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ይግምግሞ

ክንደይ ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል?

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተገምገመ ዋጋ ናይቲ ገዛ ምርኲስ ብምግባር ሞርጌጅ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ግምታዊ ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ዋጋ ናይ ገዛኻ እዩ። ካብቲ ዝተገምገመ ዋጋ ንላዕሊ ካብ ባንክ ክትልቃሕ ፈጺምካ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ዋላ ኣታዊኻ ዝያዳ ንኽትልቃሕ ዘኽእለካ እንተኾነ እውን። ይኹን እምበር፣ ንገለ ክፋል ናይቲ ዕድጊ ብቐጥታ ክትከፍሎ ዘኽእል ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ዝተሓተ ሞርጌጅ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። 

ኣብ ኔዘርላንድ ገዛውቲ ብዝምልከት ብዙሕ ‘ልዕሊ ዓቐን ጨረታ’ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ግዜ ሕጽረት ስለዘጋጥም እዩ። ገዛውቲ ካብቲ ዝተሓተተ ዋጋ ንላዕሊ ይሽየጡ። እቲ እትገዝኦ ገዛ ካብቲ ዝሕተት ዋጋ ንላዕሊ እንተድኣ ተገምጊሙ ጽቡቕ ነገር እዩ። እዚ በቲ እቲ ገዛ ዝተገምገመሉ መጠን ዝለዓለ ሞርጌጅ ክትረክብ የኽእለካ እውን እዩ። እንተኾነ ግን ነቲ  ወርሓዊ ዝፍጸም ምምላስ ክፍሊት ዕዳ (ብቐሊሉ) ክትፍጽም እትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ጥራይ ከምኡ ግበር። 

ኣየናይ ሞርጌጅ ክትረክብ ከም እትኽእል ንምፍላጥ ናብ ኣማኻሪ ሞርጌጅ ኪድ 

ኣብ ኣታዊኻን ወርሓዊ

ቀዋሚ ወጻኢታትካን
(ወጻኢታት) መሰረት ብምግባር፣ ኣማኻሪ ሞርጌጅ ካብ ባንክ ክትልቕሖ እትኽእል ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ክንደይ ምዃኑ ክሕብር እዩ። መጠን ሞርጌጅካ ካብቲ ወርሓዊ ክትፍጽሞ ዘለካ ክፍሊት ዕዳ ፈጺሙ  ኣይሓልፍን እዩ። ስለዚ መጀመርታ ምስ ኣማኻሪ ሞርጌጅ ርክብ ግበር፣ ንሱ ድማ ብመሰረት ኣታዊኻ እንታይ ዓይነት ሞርጌጅ ክትረክብ ከም እትኽእል ክሕብረካ ይኽእል። ብኸምዚ መንገዲ፣ ንኣየኖት ገዛውቲ ክትጫረት ከም እትኽእልን፣ ከተቕርቦ እትኽእል ዝለዓለ ልዕሊ ዓቐን ጨረታ ክንደይ ምዃኑን ክትፈልጥ ትኽእል። 

ምስ ኣማኻሪ ሞርጌጅ ዝርርብ ንምግባር ክትከፍል ኣለካ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወጻኢታት ካብ € 1,500 ክሳብ € 3,000 እዩ። እዚ ብዙሕ ክመስል ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ንፉዕ ኣማኻሪ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ካብ ብዙሕ ገንዘብን ጸገምን ከድሕነካ ይኽእል እዩ። ነዚ ምኽሪ ንምርካብ ንእትገብሮ ወጻኢታት ካብ ግብሪ ኣታዊኻ ክትቆርጾ እውን ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ድማ ሓደ ክፋሉ ይምለሰልካ። እቲ ናይ ሌላ ዝርርብ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻን ግዴታ ዘይብሉን እዩ።  ፓስፖርት ኔዘርላንድ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፣ መብዛሕትኡ ግዜ እኹል ኣታዊ ዝረኽቡ እንተድኣ ኮይኖም 100% ዋጋ ናይ ገዝኦም (ማዕረ እቲ ዝተገምገመ ዋጋ) ክለቅሑ ይኽእሉ እዮም። ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ክሳብ 90% ዋጋ ናይቲ ገዛ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝተረፈ 10% ድማ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ባንክታት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ከም ዝዓበየ ስግኣት እየን ዝቖጽርኦ። ፍቓድካ እንተድኣ ዘይተሓዲሱ፣ ነቲ ልቓሕ ኣብ ምምላስ ጸገም ከስዕብ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እየን መብዛሕትኡ ግዜ ባንክታት ክሳብ 90% ዋጋ ናይቲ ገዛ ንኽትልቃሕ ዝፈቕዳልካ። እቲ ባዕልኻ እትኸፍሎ 10% ድማ ንባንክ ተወሳኺ ውሕስነት ኮይኑ የገልግል። ስለዚ ከምቲ ኣብዚ ላዕሊ ዘንበብካዮ፣ ብግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 90% ዋጋ ናይቲ ገዛ ክትልቃሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። 

ልዕሊ 90% ክትልቃሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣብ ሒደት ነገራት ይምርኮስ፡ 

  • እቲ ንኩነታትካ ዝግምግም ባንክ፡ ነፍስወከፍ ባንክ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ገሊአን ባንክታት ዝያዳ ተዓጻጻፍነት ይገብራ እየን። 

  • ናይ መንበሪን ስራሕን ሕሉፍ ታሪኽ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን (ንኣብነት 6 ወርሒ፣ 1 ወይ 3 ዓመት) ረጊእካ እንተድኣ ተቐሚጥካን ሰሪሕካን፣ እዚ ይሕግዝ እዩ። 

  • ኣታዊን ውዕልን፡ ቀዋሚ ውዕልን ጽቡቕን ርጉእን ኣታዊን ኩሉ ግዜ ዕድልካ ከም ዝውስኽ ይገብሩ። 

  • ሃገራዊ ውሕስነት ሞርጌጅ ( NHG)
    ፡ ብ NHG መብዛሕትኡ ግዜ ክሳብ 100% ዋጋ ናይቲ ገዛ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ እትጸንሓሉ ምኽንያት ግዝያዊ እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ ብግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እውን እዚ ይከኣል እዩ። 

  • ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 100% ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝከኣል ኤውሮጳዊ ዜግነት (EU/EER ወይ ስዊዘርላንድ) እንተሃልዩካ እዩ፣ ምኽንያቱ ከምኡ ምስ ዝኸውን ብሓፈሻ ከምቲ ንዜጋታት ኔዘርላንድ ዝምልከት ሕግታት ተፈጻምነት ስለዘለዎ። ፍቓድካ 'ዘይግዝያዊ' ዕላማ ዘለዎ ምስ ዝኸውን እውን (ንኣብነት ምሁራት ዝፈለሱ ሰባት)፣ ገሊአን ባንክታት ክሳብ 100% ፋይናንስ ክገብራ ይኽእላ እየን። 

 ገዛ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኩሉ ግዜ ተወሰኽቲ ወጻኢታት ኣለው። እዞም ወጻኢታት ‘ናይ ዓደግቲ ወጻኢታት’ ተባሂሎም ይፍለጡ። ነዞም ወጻኢታት ባዕልኻ ካብ ገንዘብካ ክትከፍሎም ኣለካ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚእታዊት ናይቲ እትገዝኦ ገዛ ዋጋ እዩ። ንኣብነት እዚኦም ዝስዕቡ ኣብ ትሕቲ 'ናይ ዓደግቲ ወጻኢታት' ይምደቡ፡ 

  • ወጻኢታት ምኽሪ ሞርጌጅ፡ ንዓኻ ዝበለጸ ሞርጌጅ ንምርካብ ንኣማኻሪ ትኸፍል። እዚ ምኽሪ እዚ ብፋይናንሳዊ መዳይ እንታይ ተኽእሎ ከምዘሎ ንምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። 

  • ወጻኢታት ኖታሪ፡ ነቲ ገዛ ብወግዒ ንምዕዳግ ዘድልዩ ሕጋዊ ሰነዳት ንምድላው ንኖታሪ ትኸፍል። እዚ ግዴታ እዩ። 

  • ወጻኢታት ገምጋም፡ ንሓደ ቤት ዘቕረብካዮ ዋጋ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ናይ ዋጋ ገምጋም ክትገብር ኣሎካ። እቲ ገምጋሚ ንባንኪ ዝኸውን ናይ እቲ ቤት ዋጋ ገምጋም (ግምት) ይውስን።ምስዚ እዚ ገምጋም እዚ ተተሓሒዙ ዝህልው ወጻኢታት ክትሽፍን ሓላፍነት ኣሎካ።

  • ዋጋ ተክኒካዊ መርመራ (ግድን ኣይኮነን)፡ ሓደ ኽኢላ ንተክኒካዊ ዅነታት እቲ ንብረት እንተላይ ንኸም ናሕስን መሰረትን ዝኣመሰለ መዳያት ይግምግሞም እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ንብረት ቅድሚ ምዕዳግካ ብቐሊሉ ዘይረኣዩ ጉድለታት ንምፍላጥ ይሕግዝ።

  • ንሓደ ኣላዪ (ደላሊ) ዚኸፍሎ ወጻኢታት (ግድን ኣይኮነን) ፡ቤትካ ኣብ ምዕዳግ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣላዪ (ደላሊ) ክትቘጽር እንተ መሪጽካ ምስኡ ዚተሓሓዝ ክፍሊት ንስኻ ትኸፍሎ።

ናይ ገዛእ-ርእስኻ ገንዘብ ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ባንክ ሕሳብ ከምዝህሉው ኣረጋግጽ

እቲ ንስኻ እትኸፍሎ(ዘዋህለልካዮ) ገንዘብ ኣብ ናይ ኔዘርላንድስ ባንክ ሕሳብ ከም ዚኽዘን ኣረጋግጽ። ምኽንያት እዚ ነቲ ባንክ ኩሉ ነገር ንምርግጋጽ ዚሕግዝ መስርሕ ቀሊል ስለ ዝገብሮ።

ኣብ ነዘርላንድስ ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ገዛ ምዕዳግ ዓሚቝ ምድላው ምግባር ኣድላዪ ኢዩ ። ይኹን እምበር ግቡእ ሓገዝን እኹል ገንዘብን እንተ ኣልዩካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቤት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር