
ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ወይ ስራሕ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብዚ ዘመን እዚ ትካላትን ኣስራሕቲን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ብኢንተርነት እዮም ዝዝርግሑ። ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ምድላይ ኣበይ ብዝበለጸ ክትጅምር ከም እትኽእል ድማ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ኢኻ።
ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት- ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ድለይ
ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ብዙሕ ኣገባባት ኣሎ። ስራሕ ብኢንተርነት ክትደሊ ትኽእል፣ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ክትምዝገብ ትኽእል፣ ወይ ድማ ንሓደስቲ መጻእቲ ካብ ምምሕዳር ከተማ ወይ ውድባት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ስለዚ ብዙሕ ኣይትጸበይ፣ ሎሚ ስራሕ ምድላይ ጀምር። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ሓድሽ መጻኢኻ ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።
ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘለዎም መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ
ትካላት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝዝርጉሕለን ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ኣለዋ። ኣብዞም መርበባት-ሓበሬታ ድማ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ብዕማም ስራሕ፣ ብዞባ፡ ወይ ናይ ስራሕ ሰዓታት (ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ከፊል ግዜ) ክትደልይ ትኽእል።
እዚ ወግዓዊ መርበብ-ሓበሬታ ናይ UWV እዩ። ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዙሓት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ኢኻ።
እዚ ሓደ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዘለዉ ዝዓበዩ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘቕርቡ መርበባት-ሓበሬታ ሓደ እዩ። ብዕማም ስራሕ፣ ቦታን ዓይነት ስራሕን ክትደልይ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ብደረጃ mbo፣ hbo ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ ብዙሕ ስራሕ ክትረክብ ኢኻ።
ዝተፈላለየ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘለዎ ህቡብ መርበብ-ሓበሬታ።
እዚ መርበብ-ሓበሬታ እዚ ዳርጋ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ዕዮ ንዝጀመሩ ሰባት ጠቓሚ እዩ።
LinkedIn ኣብ ኔዘርላንድ ህቡብ መድረኽ እዩ። ብዙሓት ትካላት ዘለወን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታተ ኣብኡ ይልጥፋ እየን። ብተወሳኺ ኣብኡ መርበባት ክትፈጥርን፣ ብመንገዲ ርክባትካ ሓደስቲ ስራሕ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።
ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ክሕግዛኻ ድሉዋት እየን
ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ ስራሕ ክትረክብ ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። ብነጻ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ድማ ምሳኻ ኮይኑ ምሳኻ ምሰማማዕ ስራሕ ንምርካብ ክሰርሕ እዩ።
Randstad ኣብ ዓለም 1ካብ ዓበይቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ኮይኑ፣ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣለዎ።
Adecco ኣብ ከም በዓል ምምሕዳር፣ ቴክኖሎጂን ሎጂስቲክን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ስራሕ የቕርብ።
Manpower ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ፣ ሎጂስቲክስን ምምሕዳርን ስራሓት ኣተኲሩ ዝነጥፍ እዩ።
ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዙኻ ውድባት
ኣብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ መጻእቲ ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዙ ፍሉያት ውድባት ኣለዉ፡
እዚ ውድብ እዚ ንኣስራሕትን ስደተኛታትን ዘራኽብ እዩ። ብመንገዲ ስልጠናታት፣ ኣኼባታትን ምኽሪን ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዙኻ።
Open Embassy ንሓደስቲ መጻእቲ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ሓበሬታ፣ ምኽርን ፕሮጀክትታትን የቕርብ። ንኣብነት ብመንገዲ
Heroyam ኣብ መስርሕ ዑቕባ ንዝርከቡን ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባትን ኣብ ሽምግልና ዕዮ ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ዘለዎ ትካል እዩ። ውልቃዊ ምርሒት፣ ስልጠናታትን ትምህርቲ ቋንቋን ድማ ይህቡ።
Lucrato መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት፣ ካብ ምምጻእ ጀሚሩ ክሳብ ርእሰ-ምኽኣል ብመንገዲመስርሓት ሓገዝ ይህብ። ስልጠና፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮን ምርሒትን ድማ ይህቡ።
እዚ ተበግሶ ናይ ኣስራሕቲ ትካላት እዩ። ንሳቶም መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባትን ሓደስቲ ዜጋታት ኔዘርላንድን ብዛዕባ ስራሕ ሓበሬታ ይህቡ፣ ከምኡ እውን ኣስራሕቲ ነዚ ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ የርእዩ።
ካልኦት ብዙሓት ውድባት እውን ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ሓገዝን ሓበሬታን ንምርካብ ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ወይ ዞባኻ ተወከስ።
ኣብ ምጅማር ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ኣብዚ ዝስዕብ እውን ክትውከስ ትኽእል ኢኻ፡
ኣብ ዞባኻ ዝርከብ
ማለት ነቚጣ ኣገልግሎት ኣስራሒ።Werkgeversservicepunt (WSP)ምምሕዳር ከተማ፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።
ወይቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ፣ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ምርሒት ዝህቡ።UWV
ብመንገዲ ሽምግልና ዕዮ ቀልጢፍካ ስራሕ ትረክብ
ስራሕ ትደልይ ኣለኻ ዲኻ፣ ግን ድማ ካበይ ከም እትብገስ ርግጸኛ ኣይኮንካ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ሽምግልና ዕዮ ይበሃል። እዚ ማለት ሓደ ውድብ ወይ ውልቀ-ሰብ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ ማለት እዩ።
ሽምግልና ዕዮ ንኣብነት ብመንገዲ UWV፣ ምምሕርዳ ርከተማ ወይ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ክግበር ይከኣል።ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ትካል ንሓደ