ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ወይ ስራሕ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/30/2025 12:24 ድ.ቀ.

ኣብዚ ዘመን እዚ ትካላትን ኣስራሕቲን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ብኢንተርነት እዮም ዝዝርግሑ። ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ምድላይ ኣበይ ብዝበለጸ ክትጅምር ከም እትኽእል ድማ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ኢኻ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት- ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ድለይ

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ብዙሕ ኣገባባት ኣሎ። ስራሕ ብኢንተርነት ክትደሊ ትኽእል፣ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ክትምዝገብ ትኽእል፣ ወይ ድማ ንሓደስቲ መጻእቲ ካብ ምምሕዳር ከተማ ወይ ውድባት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ስለዚ ብዙሕ ኣይትጸበይ፣ ሎሚ ስራሕ ምድላይ ጀምር። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ሓድሽ መጻኢኻ ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘለዎም መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ

ትካላት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝዝርጉሕለን ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ኣለዋ። ኣብዞም መርበባት-ሓበሬታ ድማ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ብዕማም ስራሕ፣ ብዞባ፡ ወይ ናይ ስራሕ ሰዓታት (ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ከፊል ግዜ) ክትደልይ ትኽእል።

Werk.nl

እዚ ወግዓዊ መርበብ-ሓበሬታ ናይ UWV እዩ። ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዙሓት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ኢኻ።

Indeed.nl

እዚ ሓደ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዘለዉ ዝዓበዩ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘቕርቡ መርበባት-ሓበሬታ ሓደ እዩ። ብዕማም ስራሕ፣ ቦታን ዓይነት ስራሕን ክትደልይ ትኽእል ኢኻ።

Nationalevacaturebank.nl

ኣብዚ ብደረጃ mbo፣ hbo ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ ብዙሕ ስራሕ ክትረክብ ኢኻ።

Jobbird.nl

ዝተፈላለየ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዘለዎ ህቡብ መርበብ-ሓበሬታ።

Werkzoeken.nl

እዚ መርበብ-ሓበሬታ እዚ ዳርጋ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ዕዮ ንዝጀመሩ ሰባት ጠቓሚ እዩ።

LinkedIn

LinkedIn ኣብ ኔዘርላንድ ህቡብ መድረኽ እዩ። ብዙሓት ትካላት ዘለወን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታተ ኣብኡ ይልጥፋ እየን። ብተወሳኺ ኣብኡ መርበባት ክትፈጥርን፣ ብመንገዲ ርክባትካ ሓደስቲ ስራሕ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።

ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ክሕግዛኻ ድሉዋት እየን

ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ ስራሕ ክትረክብ ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። ብነጻ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ድማ ምሳኻ ኮይኑ ምሳኻ ምሰማማዕ ስራሕ ንምርካብ ክሰርሕ እዩ።

Randstad

Randstad ኣብ ዓለም 1ካብ ዓበይቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ኮይኑ፣ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣለዎ።

Adecco

Adecco ኣብ ከም በዓል ምምሕዳር፣ ቴክኖሎጂን ሎጂስቲክን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ስራሕ የቕርብ። 

Manpower

Manpower ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ፣ ሎጂስቲክስን ምምሕዳርን ስራሓት ኣተኲሩ ዝነጥፍ እዩ። 

ብዛዕባ ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ ኩሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። 

ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዙኻ ውድባት

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ መጻእቲ ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዙ ፍሉያት ውድባት ኣለዉ፡ 

Refugee Talent Hub

እዚ ውድብ እዚ ንኣስራሕትን ስደተኛታትን ዘራኽብ እዩ። ብመንገዲ ስልጠናታት፣ ኣኼባታትን ምኽሪን ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዙኻ። 

Open Embassy

Open Embassy ንሓደስቲ መጻእቲ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ሓበሬታ፣ ምኽርን ፕሮጀክትታትን የቕርብ። ንኣብነት ብመንገዲ Wegen naar Werk

ማለት 'ናብ ስራሕ ዝወስዱ መንገዲታት' ዝብል ፕሮጀክት ምሳኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ኣብ ምርካብ ምርሒት ትረክብ። 

Heroyam

Heroyam ኣብ መስርሕ ዑቕባ ንዝርከቡን ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባትን ኣብ ሽምግልና ዕዮ ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ዘለዎ ትካል እዩ። ውልቃዊ ምርሒት፣ ስልጠናታትን ትምህርቲ ቋንቋን ድማ ይህቡ። 

Werkleerbedrijf Lucrato

Lucrato መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት፣ ካብ ምምጻእ ጀሚሩ ክሳብ ርእሰ-ምኽኣል ብመንገዲመስርሓት ሓገዝ ይህብ። ስልጠና፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮን ምርሒትን ድማ ይህቡ። 

NLwerktaanwerk

እዚ ተበግሶ ናይ ኣስራሕቲ ትካላት እዩ። ንሳቶም መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባትን ሓደስቲ ዜጋታት ኔዘርላንድን ብዛዕባ ስራሕ ሓበሬታ ይህቡ፣ ከምኡ እውን ኣስራሕቲ ነዚ ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ የርእዩ። 

ካልኦት ብዙሓት ውድባት እውን ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ሓገዝን ሓበሬታን ንምርካብ ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ወይ ዞባኻ ተወከስ። 

ኣብ ምጅማር ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ኣብዚ ዝስዕብ እውን ክትውከስ ትኽእል ኢኻ፡ 

  • ኣብ ዞባኻ ዝርከብ

    ማለት ነቚጣ ኣገልግሎት ኣስራሒ። 

  • ምምሕዳር ከተማ፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ። 

  • ወይ
    ፣ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ምርሒት ዝህቡ። 

ብመንገዲ ሽምግልና ዕዮ ቀልጢፍካ ስራሕ ትረክብ

ስራሕ ትደልይ ኣለኻ ዲኻ፣ ግን ድማ ካበይ ከም እትብገስ ርግጸኛ ኣይኮንካ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ሽምግልና ዕዮ ይበሃል። እዚ ማለት ሓደ ውድብ ወይ ውልቀ-ሰብ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ ማለት እዩ።

ሽምግልና ዕዮ ንኣብነት ብመንገዲ UWV፣ ምምሕርዳ ርከተማ ወይ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ክግበር ይከኣል።ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ትካል ንሓደ

ብቑዓት ሰራሕተኛታት ንምርካብ እውን ይሓትት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ትካል ባዕልኻ እውን ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ድማ ምስ ትምህርትኻ ወይ ተመኩሮኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ከተመልክትን ክትረክብን ክሕግዙኻ እዮም።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር