ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ኣብ ናይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ቤትካ ገለ ነገር እንተድኣ ተሰይሩ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/3/2025 8:06 ቅ.ቀ.

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛኻ ከም ቧንቧ ማይ፣ መስኮት ወይ ስርዓተ-መውዓዩ ዝኣመሰለ ነገራት ክስበር ይኽእል። ገሊኦም ጽገናታት ባዕልኻ ክትገብሮም ኣለካ፣ ገሊኦም ጽገናታት ድማ እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ክገብሮም ኣለዎ። መን ኣየኖት ጽገናታት ናይ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘለዎን፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ ገለ ነገር ምስ ዝስበር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ጽገና ናብ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ብኸምዚ ኢኻ ትሕብር

ኣብ ገዛኻ ገለ ዝተሰብረ ነገር ኣሎ ድዩ፣ ነዚ ድማ እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ድዩ ክገብሮ ዘለዎ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ሓብር። ቀልጢፍካ ብዝሓበርካ መጠን ድማ ቀልጢፉ ክፍታሕ ይኽእል።  ነዚ ንምግባር ሓያሎ ኣገባባት ኣለዉ፡ 

  • ብመንገዲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ዝርከብ ናይ ኢንተርነት ቅጥዒ (ንኣብነት፡ ‘ጽገናታት ሓብር’ ዝብል)። 

  • ናብ ኣገልግሎት ዓማዊል ብምድዋል። 

  • ሓደ ሓደ ግዜ መልእኽቲ ኢ-መይል ክትልእኽ፣ ወይ ናብቲ ቤት-ጽሕፈት ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምኡ ኩነታት መጀመርታ ቆጸራ ክትሕዝ ዘለካ ምዃንኳን ዘይምዃንካን ኣረጋግጽ። 

ኣብ እትሕብረሉ እዋን ኩሉ ግዜ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ሃብ፡ 

  • ስምካን ኣድራሻኻን 

  • እንታይ ከም ዝተሰብረ 

  • ካብ መዓስ ጀሚሩ ከም ዝተሰብረ 

  • ህጹጽ ምዃኑን ዘይምዃኑን (ንኣብነት ኣብ ገዛ ዝነፈሰ ጋዝ ምስ ዝህሉው፣ ከቢድ ላሕኲ ምስ ዘጋጥም፣ ወይ ኤለክትሪክ ምስ ዘይህሉው) 

እንተድኣ ተኻኢሉ ፎቶ ኣልዕል። ነዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ናይ ኢንተርነት ቅጥዒ ክትጽዕኖ ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ንኮርፖርሽን ኣባይቲ ከይሓተትካ ባዕልኻ ክትጽግን ኣይትፈትን። ንኣብነት ኣብ እዋን ምዕባስ መስመራት፡ ሓያል ኣንጻር መዕበስቲ ኬሚካል ኣይትጠቐም። ጉድኣት እንተድኣ ኣጋጢሙ፣ እቲ ኮርፖርሽን ኣባይቲ ምጽጋን ክኣበይካ ይኽእል እዩ። 

እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ እንተድኣ ዘይሓጊዙካ' ኸ?

ሓደ ሓደ ግዜ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ኣብ ግዚኡ መልሲ ኣይህብን እዩ፣ ወይ ድማ ሓደ ነገር ዋላ እውን ንኽገብርዎ ሓላፍነቶም እንተኾነ፣ ናትና ስራሕ ኣይኮነን ይብሉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፡ 

  1. ብዛዕባ እቲ ጸገም እንደገና ሓብር 

ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ስደድ። ኣብኡ ድማ ነዚ ዝስዕብ ጸሓፍ፡  

  • እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ 

  • ካብ መዓስ ጀሚሩ ከም ዝተሰብረ  

  • ብዛዕባ እዚ ኣቀዲምካ ርክብ ገይርካ ከም ዝነበርካ  

  • ቅድሚ ሓደ ዝተወሰነ ዕለት ጽገና ንኽግበር ትሓትት ከምዘለኻ 

2. ናብቲ ኮርፖረሽን ጥርዓን ኣቕርብ  

ነፍስወከፍ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ኣለዎ። ኣብቲ መርበብ-ሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ፡ 'ጥርዓን ሓብር' ዝብል ኣሎ። ሓገዝ እንተድኣ ዘይረኺብካ ኣብኡ ጥርዓንካ ኣቕርብ። 

3. ናብ ኮሚሽን ክራይ

ካብ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ሓገዝ ክትረክብ እንተድኣ ዘይክኢልካ፣ ምስ

ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኮሚሽን ክራይ ድማ ነዚ ዝስዕብ ክገብር እዩ፡ 

  • 'ጉድለት' ምህላዉን ዘይምህላዉን ይግምግም።  

  • ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ጽገና ክሳብ ዝፍጽም ንግዚኡ ክራይ ገዛ ይቕንስ 

 ኮሚሽን ክራይ እንታይ ከም ዝገብር ብዝምልከት ዝያዳ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ኣንብብ።  

4- ሕጋዊ ምኽሪ ሕተት  

ሕጂ እውን እቲ ጸገም ኣይተፈትሐን ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ ክራይ ገዛን ጽገናን ብነጻ ምኽሪ ንምርካብ ምስ het Juridisch Loket ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። 

ህጹጽ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኩሉ ግዜ ክትድውል ትኽእል ኢኻ

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ግዜ ብቐጥታ ናብቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ክትድውል ኣለካ። ብዙሓት ኮርፖረሽናት ኣባይቲ ናይ ህጹጽ እዋን ቁጽሪ ኣለዎም። ህጹጽ ጸገማት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ጨና ዝለሗኸ ጋዝ

  • ከቢድ ምልሗኽ ፈሳሲ

  • ሓጺር ሰርኪዩት ወይ ኤለክትሪክ ዘይምህላው

  • ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ገዛ

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከይሓበርካ ፈጺምካ ኣይትጸበይ። ኮርፖረሽን ኣባይቲ ብቕልጡፍ ምእንቲ ክመጽእን፣ ተወሳኺ ጉድኣት ወይ ሓደጋ ከይፍጠር ንምውጋድን ብቕጽበት ደውል።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር