
ብኸመይ ጽቡቕ CV ተዳሉው?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
CV፣ ተመኩሮኻ፣ ትምህርትኻን ክእለትካን ዘካትት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኣስራሕቲ፣ ንመን ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ክገብር ከም ዝዕድሙ ንምውሳን CV ይጥቀሙ። ስለዚ ጽቡቕ CV ንምድላው ዝሕግዙ ምኽርታት፣ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ጽቡቕ ሲ.ቪ (CV) 6 ክፋላት ኣለዎ
1. ውልቃዊ ሓበሬታታት
ኣብ ላዕሊ እቲ እተዳልዎ CV እዚ ዝስዕብ ኣካትት፡
ስምካ
መንበሪ-ቦታ
ቁጽሪ ተሌፎን
ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ
ቋንቋታት
ኣየኖት ቋንቋታት ከም እትዛረብ ጽሓፍ። ንኣብነት፡
ኔዘርላንድስ
እንግሊዝ
ቋንቋ ዓረብ/ዩክሬን
2. ውልቃዊ ፕሮፋይል
ካብ 2 ክሳብ 4 ሓረጋት ተጠቒምካ ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ ጽሓፍ። መን ምዃንካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትደልይን ንገር። ውልቃዊ ፕሮፋይልካ ብቐንዱ ሓያል ጎድንኻን ምርጫታትካን ንምርኣይ ተጠቐመሉ።
ነቲ ጽሑፍ ንነፍስወከፍ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ብዝጥዕም ኣመዓራርዮ።
ኣብነት 1፡ ኣነ ኣብ ሎጂስቲክስ ተመኩሮን ሓያል ድራኸን ኣለኒ። ብትኽክል ዝሰርሕን ኣብ ሰዓተይ ዝርከብን ሰብ እየ። ምስ መሳርሕቲ ተሓባቢረን ገዛእ-ርእሰይ ክኢለን ክሰርሕ ይኽእል እየ።
ኣብነት 2፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ናይ ምፍራይ ስራሓት ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ረኺበ እየ። ኣነ ዘተኣማምንን እተኲረ ክሰርሕ ዝኽእልን እየ። ፍልጠተይን ክእለተይን ኣዋፊረ፣ ነቲ ስራሕ ብግቡእ ክምፍጽም ይኽእል እየ።
3. ናይ ስራሕ ተመኲሮ
ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝረኸብካዮ ሓዊስካ፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮኻ ኣብዚ ዘርዝር። ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝገበርካዮ ስራሕ ጀምር። ንነፍስወከፍ ስራሕ እዚ ዝስዕብ ጽሓፉ፡
ትካል ወይ ውድብ
ሃገር (እቲ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ዘይነበረ)
ናይ ስራሕ ግዜ
ዕማም ስራሕካን፣ ሓጺር መብርሂ ናይ ዕማማትካን።
4. ትምህርቲን ስልጠናታትን
ዝተኸላተልካዮም ትምህርቲን ስልጠናታትን ዘርዝር፣ ዋላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተኸታተልካዮ እንተኾነ እውን። ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸታተልካዮ ትምህርቲ ጀምር።
ኣብ ኔዘርላንድ ከም ናይ ምውህሃድ ወይ ትምህርቲ ቋንቋ ዝኣመሰለ ስልጠና ተኸታቲልካ ዲኻ? ነዚ እውን ኣብኡ ኣእትውዎ።
5. ክእለታትን ብቕዓታትን
እዚኦም እዮም ንፉዓት ዝኾንካሎም ነገራት እዮም። እዚኦም ዕማማት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ማሕበራዊ ክእለት እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብነታት፡
ናይ ቋንቋ ክእለት፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ ዓረብ ወይ እንግሊዝ
ዲጂታላዊ ክእለት
ብሓባር ናይ ምስራሕ ክእለት
ዘተኣማምንን ተዓጻጻፍን ምዃን
6. ካልኣዊ ንጥፈታት፡ ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታትን ወለንታዊ ስራሕን
ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ማለት ሆቢ ግድነት ኣድላዪ ኣይኮነን። ወለንታዊ ስራሕ ግን ኣገዳሲ እዩ፣ ስለዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ናትካ CV ክኣቱው ይግባእ። ኣብነታት፡
ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ
ንቆልዑት ኣብ ዝኸውን ንጥፈታት ምሕጋዝ
ኣብ ጋንታ ስፖርት ምግባር ወይ ስፖርት ምጽዋት።
ጽቡቕ CV ከምዚ ይመስል
ጽቡቕ CV ንጹርን ብጽቡቕ ዝተወደበን እዩ። ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ድማ ኣቓልቦ ግበልሎም፡
እቲ CV እንተበዝሐ ካብ 1 ክሳብ 2 ገጽ ዝሓዘ እዩ
ንጹራት ኣርእስታት ትጥቀም
ሓጸርቲን ንጹራትን ሓረጋት ተጠቂምካ ትጽሕፍ
እቲ CV ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋታት ከይህልዎ ትቖጻጸር
ኣብ ናትካ CV እንታይ ከተካትት የብልካን?
ነዞም ዝስዕቡ ጌጋታት ኣወግድ፡
ጋሕማጥን ዘይንጹርን CV
ብዙሕ ሓበሬታ ዝሓዘ ኣዝዩ ነዊሕ CV
ዘይንጹር ወይ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት
ዘይሞያዊ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ
CV ንምድላው ምጅማር
ጽቡቕ CV ሓጺር፣ ንጹርን ብጽቡቕ ዝተወደበን እዩ። ናትካ CV መን ምዃንካ፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን፣ እንታይ ተመክሮ ከም ዘለካን ዘርእይ እዩ። ነቶም ሽዱሽተ ክፋላት ተጠቐም፣ ከምኡ እውን ነቲ ናትካ CV ምስ ነፍስወከፍ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ፣ ከም ዝሰማማዕ ገይርካ ኣመዓራርዮ። እቲ CV ጌጋታት ከይህልዎ ተቖጻጸሮ፣ ንጹር ሓበሬታ ዝሓዘ ምዃኑ ድማ ኣረጋግጽ።